ሃፍቲ ተፈጥሮ ምሕላው ግቡኡና እዩ-ርእሰምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ

67



 

አዲስ አበባ/ጥሪ/6/2016/ኢዜአ/ ሃፍቲ ተፈጥሮ ምሕላው ግቡኡና እዩ ክብሉ ርእሰምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም

 ከም ወለዶ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ተፈጥሮና ሚዛናዊ ክኸውን ሓላፍነት ኣለዎ።

እዞም ሓላፍነታት ሸለል ስልዝተብሃሉ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዝለዓለ ጉድኣት በፂሑ ዋጋ 'ውን ተኸፊልዎ።

እቲ ናይ ለውጢ መንግስትና ናብ ስራሕ ዝኣተወ ነዞም ፀገማት ብምፍታሕ 'ዩ።

 ነቲ ዝተመዝገበ ዓወት ልዕሊ ኹሉ ተሳትፎ ግልጋሎት ዜግነት፣ ምውዳድ ተሳትፎ ሰብ ሞያ ግብርናን በቢ ብርኩ ዘለዉ ኣመራርሓታትን ወሳኒ ግደ ኣበርኪቱ።

 ኣብዚ ዓመት ተመኩሮታት ዝሓለፉ ዓመታት ብምውዳድ ነቲ ለውጢ ብዝበለፀ ተግባራዊ ንምግባር ኹሎም ኣድለይቲ ቕድመ ምድላዋት እናተዛዘሙ 'ዮም።

በዚ መሰረት ብግልጋሎት ዜግነትን ብመሓውር መንግስትን ኣስታት 10 ሚሊዮን ኣባላት ማሕበረሰብ ብምንቅስቓስ ኣብ ኣስታት 3.3 ሚሊዮን ሄክታር መሬት ልምዓት ተፋሰስ፣ ስራሕቲ ዕቀባ ማይን ሓመድን ንምስራሕ ተተሊሙ። እቲ ስራሕ ናብ ጥረ ገንዘብ እንትቕየር 10 ቢሊዮን ዋጋ ይህልዎ።

ኣብ መወዳእታ 'ውን ኣብቲ ክሳብ ሕዚ ዝነበረ ዓወት ንዝተሳተፉ ክፋላት ሕብረተሰብ፣ ሰብ ሞያ ግብርናን በቢ ብርኩ ዘለዉ ኣካላት ኣመራርሓን እናመስገንኩ፤ ኣብ ቀረባ ብዕሊ ንዝጅመር ናይ ሎሚ ዓመት ወፍሪ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኩሉኹም መዳርግቲ ኣካላት ምድላው ንኽትገብሩ ፃውዒተይ እናቅረብኩ አብ ቀፃሊ አብ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ንዝህልው ምርብራብ ኩላህና ከምቲ ናይ ቅድሚ ሓዚ ድልዋት ንክንከውን ሕድሪ ይብል

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም