ኩነታት ፀባይ ኣየር እዚ ሰሙን ዝበፅሑ ኣእኻል ብኣግባቡ ንምእካብ ምችው ኩነታት ፈጢሩ እዩ-ሚኒስቴር ግብርና

 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 24/2016 (ኢዜኣ)  ኩነታት ፀባይ ኣየር እዚ ሰሙን ዝበፅሑ ኣእኻል ብኣግባቡ ንምእካብ ምችው ኩነታት ከምዝፈጠረ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ።

ሚኒስቴር ግብርና ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ  ኩነታት ፀባይ ኣየር እዚ ሰሙን ዝበፅሑ ኣእኻል ብኣግባቡ ንምእካብ ምችው ኩነታት ፈጢሩ እዩ ክብል ገሊፁ።

መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ልምዓት ሕርሻ ሚኒስቴር ግብርና ኣይተ ኢሳያስ ለማ፣ ዝሓሸ ዝናብን ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ግብርናን ስለዝነበሩ ኣብ ዘበነ ፍርያት 2015/16 513 ሚልዮን ኩንታል ፍርያት ንምርካብ ዝተትሓዘ ትልሚ ውፅኢታዊ ከምዝኸውን ኣብራህሪሆም።

ብኽነት ፍርያት ንምቕናስ ፀሓያማ ኩነታት ፀባይ ኣየር እዚ ሰሙን ብምጥቃም ዝበፅሑ ኣእኻል ብኣግባቡ ንምእካብ እናተሰርሐ ምዃኑ እውን ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም