ኣብ ኣፈፃፅማ̍ ኢንሼቲቭ ዓብይ ሓምለዋይ መንደቕ ኣፍሪካ̍ ትኹረት ዝገበረ ኣኼባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ



 

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ/ 28/2016 (ኢዜኣ) ኣፈፃፅማ̍ ኢንሼቲቭ ዓብይ ሓምለዋይ መንደቕ ኣፍሪካ̍ ዝግምግም ኣኼባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ እናተኻየደ ይርከብ።

̍ኢንሼቲቭ ዓብይ ሓምለዋይ መንደቕ ኣፍሪካ̍ በረኻነት ንምክልኻል 8 ሽሕ ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍን ደኒ ኣብ ዞባ ሳሕል ንምትካል ዝዓለመ ዓብይ ፕሮጀክት እዩ።

ኣብቲ ኣኼባ፤ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ልምዓት ደኒ ኢትዮጵያ ዶክተር ሞቱማ ቶሌራ፣ተወከልቲ ግብርና ሕብረት ኣፍሪካ፣ልምዓት ገጠር፣ብሉ ኢኮኖምን ኮሚሽን ዘላቒ ከባብያዊ ኣየርን፣ኣብ ልምዓት ደኒ፣ሓለዋ ከባብን ሓምለዋይ ልምዓትን ዝሰርሑ ሃገራውን ዓለም ለኻውን ዝምልከቶም ኣካላት ተሳቲፎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም