ሳይንስን ቴክኖሎጅን
ዘፈር ኮሙዩኒኬሽን ምጥንኻር ንተበፃሕነት መረዳእታን ንሃገራዊ ምርድዳእን መሰረት 'ዩ
Apr 23, 2024 100
  አዲስ አበባ/ሚያዚያ/15/2016/ኢዜአ/ ንዘፈር ኮሙዩኒኬሽን ምጥንኻር ንተበፃሕነት መረዳእታን ንሃገራዊ ምርድዳእን መሰረት ምዃኑ ግልጋሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ። ግልጋሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ፌዴሪኢ ካብ ትካላት መንግስቲ ፌደራልን ክልላትን ንዝተውፃእፅኡ ኣመራርሓታት ኮሙዩኒኬሽንን ርክብ ህዝብን ንሓደ ሰሙን እናሃቦ ዝፀንሐ ስልጠና ዛዚሙ። ኣብ መዛዘሚ እቲ ስልጠና ዝተረኸቡ ሚኒስትር ግልጋሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ፌዴሪኢ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ከምዝገለፅዎ፤ ዘፈር ኮሙዩኒኬሽን ምጥንኻር ተበፃሕነት መረዳእታ ንምርግጋፅን ሃገራዊ ምርድዳእ ንምጥንኻርን እናተተገበሩ ካብ ዝርከቡ ፃዕርታት እቲ ሓደ 'ዩ። “ሃገራዊ ምርድዳእን ግደ ትካላት ኮሙዩኒኬሽንን” ብዝብል ኣብ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓ፣ ህንፀት ባህሊ ሰላም፣ ሃገራዊ ኣንፈታት ፖሊሲ ልምዓትን ህንፀት ህዝባዊ ትርኽትን ጠመተ ዝገበረ ስልጠና ዓቕሚ ዘፈር ኮሙዩኒኬሽን ዘጠናኽር ምዃኑ ተመላኺቱ። እቲ ስልጠና ብብርኪ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ፌደራልን ክልላትን ክሳብ ታሕተዋይ መሓውርን በዓል ሞያን ክወርድ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ። ድልየት መረዳእታ ህዝቢ ንምምላእ ግደ ኮሙዩኒኬሽን ዕዙዝ ምዃኑ ዘመላኸቱ እቶም ሚኒስትር ኹሎም መማረፅታት ሚድያ ብምጥቃም ፖሊሲታት፣ ስትራቴጂታት፣ ትልምታትን ኣፈፃፅማታትን ተበፃሕቲ ምግባር ከምዝግባእ ምግንዛቦም መረዳእታ እቲ አግልጋሎት የመላኽት።
"ኣስተውሎት" ዝተብሃለ ሳይንሳዊ ፊልም ዓበይቲ ንጥበብ ሳይንስ እዚ ዘበን ዘለዎም ድሌት ዝውስኽ እዩ-ተምሃሮ
Apr 17, 2024 109
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 9/2016 (ኢዜኣ) "ኣስተውሎት" ዝተብሃለ ሳይንሳዊ ፊልም ዓበይቲ ንጥበብ ሳይንስ እዚ ዘበን ዘለዎም ድሌት ዝውስኽን ተስፋ ኢትጵያ ዘርእን ምዃኑ ኣብ ምረቓ እቲ ፊልም ዝተረኸቡ ተምሃሮ ገሊፆም። ብኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ዝተዳለወ "ኣስተውሎት" ዝተብሃለ ሳይንሳዊ ፊልም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ተመሪቑ። እዚ ሓቃዊ ታሪኽ መሰረት ገይሩ ዝተዳለወ ፊልም፤ ፍሉጣትን ሓደሽትን ተዋሳእቲ ዝተሳተፍሉ እንትኸውን ቴክኖሎጂ ሰብ ስራሕ ኣስተውዕሎ ዝበፅሐሉ ብርኪ፣ተሞኩሮ ኢትዮጵን ተስፋ መፃኢ ወለዶን ዘርኢ እዩ። ተምሃሮ ቤት ትምህርቲ 2ይ ብርኪ ጥቁር ኣንበሳ ቃልአብ ሲሳይን ብሌን ኤልያስን፤ እዚ ፊልም ሳይንሳዊ ጥበብ ሰብ ስራሕ ኣስተውዕሎ ዘለዎ ኩለ መዳያዊ ረብሓ ብኣግባቡ ዝተረዳእናሉ እዩ ኢሎም። ተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ሓዳሪ ኣወዳት ገላን ዝኾኑ ኣብዲ መገርሳ፣ ኤባ ዓለሙን በረከት ደስታን ብግደኦም፤ ኢትጵያ ብሰብ ስራሕ ኣስተውዕሎ ዝሰርሐቶም ዝተባብዑ ስራሕቲ ካብቲ ፊልም ከምዝተረድኡ ገሊፆም። ዓበይቲ ኣብ ቀፃሊ ብመዳይ ሳይንስ ልዑል ፍልጠት ንክሕዙን ሃገሮም ንምግልጋልን ዓብይ ድሌት ንክሓድሮም ዘኽእል ስራሕ ጥበብ ምዃኑ እውን ኣረዲኦም።
ውፅኢታት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብምድጋፍ ኣብ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ልዑል ውፅኢት ንክምዝገብ እናተሰርሐ እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
Apr 12, 2024 85
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 4/2016 (ኢዜኣ) ውፅኢታት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብምድጋፍ ኣብ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ልዑል ውፅኢት ንክምዝገብ እናተሰርሐ እዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም። "ደስታ" ዝተብሃለት ሮቦት ምስ ፍሉጥ በዓል ሞያ ሙዚቃ ጃዝ ሙላቱ ኣስታጥቄ ብምዃን ትማሊ ምሸት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምርኢት ሙዚቃ ኣቕሪባ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ፣ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ኣብ ፈጠራ ስራሕን ቴክኖሎጅን ዝተዋፈሩ ሰብ ሞያን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ሽግግር ኣርቴፊሻል ኢንትለጀንስን ቴክኖሎጅን ትኹረት ሂባ እናሰርሐት እያ። ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ትኹረት ዓለም ምዃኑ ብምሕባር፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ኢሉ እውን ኣብታ ኣህጉር ዝረኣዩ ዝተሓላለኹ ፀገማት ንምፍታሕ ቀንዲ መፍትሒ ከምዝኸውን ገሊፆም። ስለዝኾነ እውን መንግስቲ ቤት ምኽሪ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ብምጥያሽ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስን ካልኦት ዲጂታል ኣማራፅታትን ንምጥንኻር ብትኹረት እናሰርሐ ከምዝርከብ ተዛሪቦም። ነዚ ስዒቡ ከም "ደስታ" ዝበሉ ሰብ ስራሕ ኣስተውዕሎ ብምፍጣር ንህንፀት ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ዝህቦ ትኹረት ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ሓቢሮም። ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢንጂነር ወርቁ ጋቸና ብግደኦም፤ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ከም ሃገር ዝተጀመረ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ብምሕጋዝ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ንምጥቃም ከምዘኽእል ኣረዲኦም። "ደስታ" ሮቦት መርሃ ግብሪ ምርኢት ሙዚቃ ንክተዳልው ዝተገበረ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትጵያን ኣይኮግ ላብስን ምስ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢትዮ ቴሌኮምን ብምትሕብባር እዩ። "ደስታ" ሮቦት ቋንቋ ኣምሓርኛ ምዝራብ ዘኽእል ፕሮግራም ዝተፅዓነላ እንትትኸውን ኣብቲ መርሃ ግብሪ ብቋንቋ ኣምሓርኛ መደረ ኣስሚዓ።
አብ ኢትዮጵያ ስታርት አፓት ብስፍሓት ናብ ዐዳጋ ንምእታው ነቲ ስነ ምህዳር ጡጡሕ ናይ ምግባር ስራሕ እናተሰርሓ እዩ
Apr 12, 2024 70
  ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/4/ 2016 /ኢዜአ/አብ ኢትዮጵያ ስታርት አፓት ብስፍሓት ናብ ዐዳጋ ንምእታው ነቲ ስነ ምህዳር ጡጡሕ ናይ ምግባር ስራሕ እናተሰርሓ እዩ ተባሂሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ስታርት ኣፕና ብህፁፅ፣ ብፅርየትን ስፍሓትን ናብ ዕዳጋ ንምእታው ይስራሕ ከምዘሎ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣፍሊጡ። ክሳብ 20 ሚያዚያ 2016 ዓ.ም ዝፀንሕ ኤግዚብሽን "ስታርት ኣፕ" ኢትዮጵያ ኣብ ሙዚየን ሳይንስ ንዑደተኛታት ክፍቲ ኮይኑ። ስታርት ኣፓት ዘለዉዎ እወንታዊ ዕድላት ብምጥቃም ውፅኢታዊ ንክኾኑ ናይ ምድጋፍ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ባይሳ በዳዳ (ዶ/ር) ተዛሪቦም። ኣብ ኢትዮጵያ ስታርት ኣፕ ንምድጋፍን ንምትብባዕን ዝተዘርገሐ ኣሰራርሓ ናይ ወፃኢ ስታርት ኣፕና ከምዝእንግድ ሓቢሮም። ዕላማ እቲ ኤግዚብሽን፥ ስታርት ኣፓት ዘለዎም ፍሪያት፣ ኣገልግሎትን ምህዞን፣ ትካላት፣ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተምሃሮን ንክርእይዎ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ሰብ ሃፍቲን ስታርት ኣፓትን ዝምድና ንክፍጠር ምግባር ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ብዓውደ ርእይ ስታርት ኣፕ ኢትዮጵያ ፀጋታት ፍርያት ግብርና ብምውሳኽ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዘሎ ተወዳዳሪነት ዘዕብዩ ስራሕቲ ፈጠራ ንምርኢት ቀሪቦም
Apr 11, 2024 49
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 3/2016 (ኢዜኣ) ብዓውደ ርእይ ስታርት ኣፕ ኢትዮጵያ ፀጋታት ፍርያት ግብርና ብምውሳኽ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዘሎ ተወዳዳሪነት ዘዕብዩ ስራሕቲ ፈጠራ ንምርኢት ቀሪቦም። ኣብዚ ፈጠራ ስራሕ መናእሰይ ንምፍላጥ 30 መጋቢት 2016 ዓ/ም ዝተኸፈተ ዓውደ ርእይ፤ ኣብ ቴክኖሎጂ ኢንፎርሜሽን፣ ግብርና፣ጥዕና፣ትምህርቲ፣ኢንዱስትሪ ፋይናንስን ካልኦት ዘፈራትን ዝተዋፈሩ ጀመርቲ ስታርት ኣፓት ይሳተፉ ኣለው። ካብዚኣቶም ድማ ኢትዮጵያ ፀጋ ናብ ወፃኢ ትልእኾም ፍርያታት ግብርና ብምውሳኽን ዝተዋደደ ሓበሬታ ንዓደግቲ ብምቕራብን ኣታዊ ንምዕባይ ዝሕግዙ ስራሕቲ ፈጠራ ዘቕረቡ መናእሰይ ይርከብዎም። መንእሰይ ሚኪያስ እስጢፋኖስ፤ እቲ ዓዳጊ ሓበሬታ ኣብ ንግዲ ወፃኢ ኢትጵያ ልዑል እጃም ዘለዎ ፍርያት ቡን ምክትታል ዘኽእሎ "ትሬሲንግ ኮፊ" ዝተብሃለ ቴክኖሎጂ ኣቕሪቡ። እዚ ቴክኖሎጂ ካብቲ መፍረያይ ጀሚሩ እቲ ዓዳጊ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ቡን ንክፈልጥ ዝሕግዝ እዩ ኢሉ። ስለዝኾነ እውን ኣፈላላይን ፅሬትን ቡን ኢትዮጵያ ዝተረጋገፀ ምዃኑ ግልፂ ሓበሬታ ንዓደግቲ ብምሃብ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዘለዎ ተወዳዳሪነት ብዝበለፀ ንምዕባይ ዘኽእል ምዃኑ ኣረዲኡ። ዋና መካየዲ ስራሕ መቀነባበሪ ፍርያታት ግብርናን ማሽናት ሕርሻንን ዘፍርዮ "ግሪን ቢን ማኑፋክቸሪንግ" ኣንዱዓምላክ መሃሪው፤ ፀጋ ፍርያታት ንግዲ ወፃኢ ንምውሳኽ ዝጠቕሙ ስራሕቲ ፈጠራ ኣቕሪቡ። ማሽናት ኣዝመሪኖ፣መድረቒ ዕርድን ቡንን ካብቶም ስራሕቲ ፈጠርኡ ምዃኖም እውን ሓቢሩ። መስራትን መካየዲ ስራሕን "ቢፋርም ቴክ" በጋሻው መብራቴ በቲ ዝተመረቐሉ ሞያ ግብርና ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ተቖፂሩ ክሰርሕ ዝተዓዘቦ ሕፅረት ቴክኖሎጂ ግብርና ንስራሕ ፈጠርኡ መበገሲ ከምዝኾኖ ተዛሪቡ። ሓረስታይ ምስ ወነንቲ ትራክተር መውቅዒ እኽልን ሰብ ሞያ ኦፕሬተር ትራክተርን ዘራኽብ ቴክኖሎጂ ምፍጣሩ እውን ገሊፁ። ስራሕ ግብርና ንምምዕባል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ንምብርካት ከምዝሕግዞ ብምግላፅ፤ መንግስቲ ንፈጠራ ስራሕ ዝሃቦ ትኹረት ውፅኢታዊ ንምዃን ተስፋ ከምዝሃቦ ፀሪሑ። ዓውደ ርእይ ስታርት ኣፕ ኢትዮጵያ ክሳብ 20 ሚያዝያ 2016 ዓ/ም ዝፀንሕ እንትኸውን ቀዳማይ ብርኪ፣ቀዳማይ ብርኪ ዝተሻገሩን ናብ ብርኪ ናብ ዕዳጋ ምሕዋስ ዝበፅሑን ስታርት ኣፓት ስራሕቶም ሒዞም ቀሪቦም እዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ሓሳብ ዘለዎም መናእሰይ ዓቕሞም ንህንፀት ዲጂታል ምጣነ ሃፍቲ፣ፈጠራ ስራሕን ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ንምስሓብን ከውዕልዎ መንግስቲ ብብርኪ ፖሊሲ ፍሉይ ትኹረት ሂብዎ እዩ።
ኩባንያ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ሁዋዌ ዓውዲ ፋይናንስ ብዲጂታል ንምሕጋዝ ዝዓለመ መድረኽ የሳልጥ አሎ
Mar 29, 2024 66
  ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/20/ 2016 /ኢዜአ/ኩባንያ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ሁዋዌ ዓውዲ ፋይናንስ ብዲጂታል ንምሕጋዝ ዝዓለመ መድረኽ የሳልጥ አሎ። እቲ ኩባኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ጀሚሩ መርሃ ግብሪ ዲጂታል ሰሙን እናካየደ ፀኒሑ። ትልሚ 2025 ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ኢሉ እውን ዓውዲ ፋይናንስ ብቴክኖሎጂ ንምሕጋዝ እቲ ዲጂታል ሰሙን ዘኸእል ኩነታት ዝፈጥር ከምዝኾነ ተሓቢሩ። እቲ መድረኽ ስርዓት ዲጂታል ፋይናንስ ዝዘመነ ንኽኸውንን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ግልጋሎት ፋይናንስ ንኽህሉ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ተገሊፁ። እቲ መድረኽ ካብዚ ብተወሳኺ÷ መካተቲን ዘላቕነት ዘለዎ ስርዓት ፋይናስን ንምፍጣር ኣብ ዝግበሩ ፃዕሪታት ግንዛበ ከምዝፈጥር ተሓቢሩ። ኩባንያ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ሁዋዌ ዘሰናደኦ መድረኽ ትካላት ፋይናንስ ዓቕሚ ተበፃሕነት ብምድንፋዕ ቀለልቲ መገዲታት ክፍሊት ብምዕባይ፣ መካተቲን ግልፂን ዝኾነ ስርዓት ፋይናንስ ኣብ ምህናፅ ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ተገሊፁ።
"ስትራቴጂ ዲጂታል ኢኮኖሚ እንእምቶ ለውጢ ምርግጋፅ ንኽከኣል ዝተሓንፀፀ 'ዩ" -ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
Mar 27, 2024 56
  አዲስ አበባ/መጋቢት/18/2016/ኢዜአ/ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢኮኖሚ እንእምቶ ልውጢ ምርግጋፅ ንኽከኣል ዝተሓንፀፀ 'ዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም። ገምጋም ኣፈፃፅማ ዲጂታል ኢትዮጵያ "ዝበልፀገትን ንኹሉ ትሓቁፍ ኢትዮጵያን ክንሃንፅ ኢና" ብዝብል ቴማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ተሳሊጡ። ኣብቲ መድረኽ ገምጋም ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዝገለፅዎ፤ ትግበራ ዲጂታል ኢኮኖሚ እንእምቶ ለውጢ ምርግጋፅ ንኽከኣል ዝተሓንፀፀ 'ዩ። ተዋሳእቲ ዲጂታል ኢኮኖሚ ክንኸውን እንተዘይኽኢልና ምዕቡል ናብራ ክንብህግ ኣይንኽእልን። ኣብ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ጉዳያት ዲጂታል ኢኮኖሚ መስመር እናሓዙ ምዃኖም ጠቒሶም ትግበርኡ ላዕልን ታሕትን ዘይብሉ ከምዘይኮነ ገሊፆም። ስትራቴጂ ዲጂታል ኢኮኖሚ ኣካታቲ፣ ቐሊልን ኣተሓሳስባ ኣእምሮ ዝቕይርን ምዃኑ ብምግላፅ 5G ንኢትዮጵያ ሕንቃቐ ዘይኮነስ ኣዝዩ ዘድሊ 'ዩ ኢሎም። ጥቕዓት ዲጂታል ዘመን ናይ ምክልኻል ዓቕሚ እናዓበየ ዝመፅእ ምዃኑ ገሊፆም፤ ኣብ ውሽጢ ኸይዲ ግዜ ንቴክኖሎጂ ዝቐረበ ወለዶ ምፍጣር ከምዘድሊ 'ውን ሓቢሮም። ብተወሳኺ ስትራቴጂካዊ ትልሚ ዲጂታል ኢኮኖሚ ዝነበሩ ፀገማት ንምቕራፍ ዝተዳለወ ምዃኑ ብምግላፅ ፀገም ፈታሒን ትልሚ ሃገር በቆል ሪፎርምን ምውፃእ ከምዘድለየ ኣረዲኦም።
ጃስሚን ነቲ ‘በርክሊ ማራቶን’ ዝተሰመየ፡ 160 ኪሎ ሜትር ዝሽፍንን ልዕሊ 18 ሽሕ ሜትር ዓቐብን ቁልቁለትን ዘለዎ ውድድር ብትሕቲ 60 ሰዓታት  ክትዛዝሞ ክኢላ-ንመለእ ዓለም ዘደነቐ ዓዎት
Mar 25, 2024 57
  አዲስ አበባ/መጋቢት/16/2016/ኢዜአ/ ብሪጣንያዊት ጃስሚን ፓሪስ ነቲ ኣብ ዓለም ዝኸበደ ውድድር ጉያ ዝፈጸመት ፈላሚት ጓል ኣንስተይቲ ኰይና። ጃስሚን ነቲ ‘በርክሊ ማራቶን’ ዝተሰመየ፡ 160 ኪሎ ሜትር ዝሽፍንን ልዕሊ 18 ሽሕ ሜትር ዓቐብን ቁልቁለትን ዘለዎ ውድድር ብትሕቲ 60 ሰዓታት እያ ክትዛዝሞ ክኢላ። ንሳ፡ ነቲ ኣብ ቴነሲ ኣሜሪካ ዝካየድ ውድድር ኣብ ውሽጢ 60 ሰዓታት ክትፍጽሞ እኳ እንተነበራ፤ 1 ደቒቕን 39 ካልኢትን ምስተረፋ እያ ዛዚማቶ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ደገፍቲ ነቲ ውድድር ኣብ ግዚኣ ክትዛዝሞ ድያ ብዝብል ሻቕሎት ብዓርቢ ብቐጥታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተኸታቲሎምዎ። ኣብ ምዝዛም እቲ ውድድር ኣብ ከቢድ ድኻም ዝነበረት እታ ሰበይቲ፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ህንጻጽ ምስ ሰገረት ኣብ ባይታ ረፋዕ ኢላ ተራእያ። ንደቂ ተባዕትዮ ሓዊስካ፡ ካብ 1989 ጀሚሩ ነዚ ውድድር ብትሕቲ 60 ሰዓት ዝፈጸምዎ 20 ሰባት ጥራይ እዮም። ጓል 40 ዓመት ጃስሚን ነቲ ውድድር ንምፍጻም፡ ኣኽራናት ክትሓኵርን ክትወርድን፣ ብጸላም ብጫካታትን ጣሻን ክትጐዪ ኔርዋ። ጃስሚን ቅድሚ እቲ ውድድር፡ ሓደ እዋን ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ “ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ኣብ በርክሊ ማራቶን ንምጕያይ ክሓስብ ጸኒሐ ኣለኹ። ኣዝዩ ከቢድ፤ ዘይከኣል ክኸውን ከምዝኽእል እፈልጥ እየ። እቲ ኣይከኣልን እዩ ኢለ ምሕሳበይ ግና ነቲ ውድድር ዝያዳ ክደልዮ ጌሩ ኣሎ፡” ኢላ ኔራ። እዚ ውድድር ዝተበገሰ፡ ኣብ 1977 ጀምስ ኤርል ረይ ዝተባሃለ እሱር ካብ ቤት ማእሰርቲ ንዘምለጠሉ ኵነታት ብምምርኳስ እዩ። ብቕትለት ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣብ ማእሰርቲ ዝነበረ ጀምስ፡ ብረሺይ ማውንቴን ካብ ዝተባሃለ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምምላጡ፡ ነዊሕ ርሕቐት እኳ እንተዘይጓዓዘ ካብ ፖሊስ ንምምላጥ ን50 ሰዓታት ኣብ ጫካ ጐይዩ ኔሩ። ጃስሚን ቅድሚ በርክሊ ማራቶን’ውን ኣብ ካልእ ከቢድ ናይ ጐደና ጕያ ተወዳዲራ ብምዕዋት ታሪኽ ሰሪሓ እያ። ኣደ ክልተ ቈልዑ ዝኾነት ጃስሚን ኣብ 2019፡ 430 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ ውድድር ጉያ ብ83 ሰዓትን 12 ደቓይቕን ብምዝዛም ነቲ ዝጸንሐ ክብረወሰን ብ12 ሰዓታት ምምሕያሽ ክኢላ እያ። ንሳ ኣብቲ ውድድር ድሕሪ ምዕዋታ ኣብ ዝወጸ ጸብጻባት፡ እታ ኣደ ኣብ መንጐ እቲ ውድድር ንዕሸል ውሉዳ ጸባ ጡብ ሓሊባ ከምዝሃበት ተገሊጹ ኔሩ።
ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ስትራቴጂ ሓሙሽተ ዓመት ንምዕዋት ምስ ዘፈር ውልቀ ብምትሕብባር ክሰርሕ እዩ-ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌ
Mar 19, 2024 72
  ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/ 10/2016 (ኢዜኣ) ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ስትራቴጂ ሓሙሽተ ዓመት ንምዕዋት ካብ ዝተትሓዙ ሽቶታት ሃገራዊ ፋይዳ ምስ ዘለዎም ዘፈራት ውልቀ ብምትሕብባር ምስራሕ እቲ ሓደ ምዃኑ ተጠባባቒ ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌ ገሊፆም። ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን ግሩፕ ፋሪስ ቴክኖሎጅን ኣብ ምርምርን ፈጠራ ስራሕን ብሓባር ምስራሕ ዘኽእሎም ስምምዕ ተፈራሪሞም። እቲ ስምምዕ ዝፈረምዎ ድማ ተጠባባቒ ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌን መስራትን ዋና ፈፃሚ ስራሕን ግሩፕ ፋሪስ ቴክኖሎጂ ኤልያስ ይርዳውን እዮም። ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ ስትራቴጂ ሓሙሽተ ዓመት ንምዕዋት ካብ ዝተትሓዙ ሽቶታት ሃገራዊ ፋይዳ ምስ ዘለዎም ዘፈራት ውልቀ ብምትሕብባር ምስራሕ እቲ ሓደ እዩ ኢሎም። ምስ ግሩፕ ፋሪስ ቴክኖሎጂ ዝተገበረ ስምምዕ እውን ኣካል እቲ ስትራቴጂ ምዃኑ ብምሕባር፤ ኣብ መፅናዕትን ምርምርን ከምኡ እውን ፈጠራ ስራሕ ብሓባር ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም። መስራትን ዋና ፈፃሚ ስራሕን ግሩፕ ፋሪስ ቴክኖሎጂ ኤልያስ ይርዳው ብግደኦም፤ እቲ ስምምዕ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዘለዎ ዕቑር ዓቕሚ ንምጥቃም ሰናይ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ ኣረዲኦም። እቲ ግሩፕ ምስ ቴክኖሎጂ ዝተኣሳሰሩ ፕሮጀክትታት ሓንፂፁ እናሰርሐ ምኳኑ ብምግላፅ፤ እቲ ስምምዕ ውፅኢታውነት እቶም ፕሮጀክትታት ብዝበለፀ ከምዘዕብዮ ሓቢሮም።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም