ዘፈር ኮሙዩኒኬሽን ምጥንኻር ንተበፃሕነት መረዳእታን ንሃገራዊ ምርድዳእን መሰረት 'ዩ

113



 

አዲስ አበባ/ሚያዚያ/15/2016/ኢዜአ/ ንዘፈር ኮሙዩኒኬሽን ምጥንኻር ንተበፃሕነት መረዳእታን ንሃገራዊ ምርድዳእን መሰረት ምዃኑ ግልጋሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ግልጋሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ፌዴሪኢ ካብ ትካላት መንግስቲ ፌደራልን ክልላትን ንዝተውፃእፅኡ ኣመራርሓታት ኮሙዩኒኬሽንን ርክብ ህዝብን ንሓደ ሰሙን እናሃቦ ዝፀንሐ ስልጠና ዛዚሙ።

ኣብ መዛዘሚ እቲ ስልጠና ዝተረኸቡ ሚኒስትር ግልጋሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ፌዴሪኢ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ከምዝገለፅዎ፤ ዘፈር ኮሙዩኒኬሽን ምጥንኻር ተበፃሕነት መረዳእታ ንምርግጋፅን ሃገራዊ ምርድዳእ ንምጥንኻርን እናተተገበሩ ካብ ዝርከቡ ፃዕርታት እቲ ሓደ 'ዩ።

ሃገራዊ ምርድዳእን ግደ ትካላት ኮሙዩኒኬሽንን ብዝብል ኣብ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓ፣ ህንፀት ባህሊ ሰላም፣ ሃገራዊ ኣንፈታት ፖሊሲ ልምዓትን ህንፀት ህዝባዊ ትርኽትን ጠመተ ዝገበረ ስልጠና ዓቕሚ ዘፈር ኮሙዩኒኬሽን ዘጠናኽር ምዃኑ ተመላኺቱ።

እቲ ስልጠና ብብርኪ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ፌደራልን ክልላትን ክሳብ ታሕተዋይ መሓውርን በዓል ሞያን ክወርድ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ።

ድልየት መረዳእታ ህዝቢ ንምምላእ ግደ ኮሙዩኒኬሽን ዕዙዝ ምዃኑ ዘመላኸቱ እቶም ሚኒስትር ኹሎም መማረፅታት ሚድያ ብምጥቃም ፖሊሲታት፣ ስትራቴጂታት፣ ትልምታትን ኣፈፃፅማታትን ተበፃሕቲ ምግባር ከምዝግባእ ምግንዛቦም መረዳእታ እቲ ግልጋሎት የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም