ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዘህነፆ ማእኸል ኢኖቬሽን ኣመሪቑ - ኢዜአ ትግርኛ
ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዘህነፆ ማእኸል ኢኖቬሽን ኣመሪቑ
61
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/13/ 2016 /ኢዜአ/ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ብምትሕብባር ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኮሪያ (ኮይካ) ዘህነፆ (ኢኖቪስ ኬ ኢትዮጵያ) ዝተብሃለ ማእኸል ኢኖቬሽን ኣመሪቑ።
እቲ ማእኸል ኣብ ውሽጢ ኣይሲቲ ፓርክ ዝተሃነፀ እንትኸውን÷ ንስታርት ኣፕታትን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ መናእሰይ ፈጠርቲ ስራሕ ብመሰረተ ልምዓት ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ተሓጊዞም ዝውገኑ ተግባራት ሃሓጋዚ ማእኸል ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡
ኣብቲ መድረኽ መደረ ዝገበሩ ሚኒስትር ዴዜታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ባይሳ በዳዳ÷ እቲ ማእኸል ኣብ ህንፀት ዲጂታል ኢትዮጵያ ብፅሒቱ ከማዝዋፃእ ገሊፆም፡፡
ብፍላይ ፈጠርቲ ስራሕ ሰብ ሞያ ስታርትኣፕ ሓሳባት ንምምዕባል ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ተዛሪቦም፡፡
ምክትል ፕሬዚዳንት ኮይካ ዶንግ ሆ ኪም ብግደኦም÷ ኮይካ ኣብ ኢትዮጵያ ብዓውዲታት ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም፡፡