ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዘህነፆ ማእኸል ኢኖቬሽን ኣመሪቑ

61

 

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/13/ 2016 /ኢዜአ/ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ብምትሕብባር ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኮሪያ (ኮይካ) ዘህነፆ (ኢኖቪስ ኢትዮጵያ) ዝተብሃለ ማእኸል ኢኖቬሽን ኣመሪቑ።

እቲ ማእኸል ኣብ ውሽጢ ኣይሲቲ ፓርክ ዝተሃነፀ እንትኸውን÷ ንስታርት ኣፕታትን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ መናእሰይ ፈጠርቲ ስራሕ ብመሰረተ ልምዓት ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ተሓጊዞም ዝውገኑ ተግባራት ሃሓጋዚ ማእኸል ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ መድረኽ መደረ ዝገበሩ ሚኒስትር ዴዜታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ባይሳ በዳዳ÷ እቲ ማእኸል ኣብ ህንፀት ዲጂታል ኢትዮጵያ ብፅሒቱ ከማዝዋፃእ ገሊፆም፡፡

ብፍላይ ፈጠርቲ ስራሕ ሰብ ሞያ ስታርትኣፕ ሓሳባት ንምምዕባል ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ተዛሪቦም፡፡

ምክትል ፕሬዚዳንት ኮይካ ዶንግ ኪም ብግደኦም÷ ኮይካ ኣብ ኢትዮጵያ ብዓውዲታት ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም