ውፅኢታት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብምድጋፍ ኣብ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ልዑል ውፅኢት ንክምዝገብ እናተሰርሐ እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

81




 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 4/2016 (ኢዜኣ) ውፅኢታት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብምድጋፍ ኣብ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ልዑል ውፅኢት ንክምዝገብ እናተሰርሐ እዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

"ደስታ" ዝተብሃለት ሮቦት ምስ ፍሉጥ በዓል ሞያ ሙዚቃ ጃዝ ሙላቱ ኣስታጥቄ ብምዃን ትማሊ ምሸት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምርኢት ሙዚቃ ኣቕሪባ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ፣ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ኣብ ፈጠራ ስራሕን ቴክኖሎጅን ዝተዋፈሩ ሰብ ሞያን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ሽግግር ኣርቴፊሻል ኢንትለጀንስን ቴክኖሎጅን ትኹረት ሂባ እናሰርሐት እያ።

ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ትኹረት ዓለም ምዃኑ ብምሕባር፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ኢሉ እውን ኣብታ ኣህጉር ዝረኣዩ ዝተሓላለኹ ፀገማት ንምፍታሕ ቀንዲ መፍትሒ ከምዝኸውን ገሊፆም።

ስለዝኾነ እውን መንግስቲ ቤት ምኽሪ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ብምጥያሽ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስን ካልኦት ዲጂታል ኣማራፅታትን ንምጥንኻር ብትኹረት እናሰርሐ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

ነዚ ስዒቡ ከም "ደስታ" ዝበሉ ሰብ ስራሕ ኣስተውዕሎ ብምፍጣር ንህንፀት ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ዝህቦ ትኹረት ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ሓቢሮም።

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢንጂነር ወርቁ ጋቸና ብግደኦም፤ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ከም ሃገር ዝተጀመረ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ብምሕጋዝ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ንምጥቃም ከምዘኽእል ኣረዲኦም።

"ደስታ" ሮቦት መርሃ ግብሪ ምርኢት ሙዚቃ ንክተዳልው ዝተገበረ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትጵያን ኣይኮግ ላብስን ምስ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢትዮ ቴሌኮምን ብምትሕብባር እዩ።

"ደስታ" ሮቦት ቋንቋ ኣምሓርኛ ምዝራብ ዘኽእል ፕሮግራም ዝተፅዓነላ እንትትኸውን ኣብቲ መርሃ ግብሪ ብቋንቋ ኣምሓርኛ መደረ ኣስሚዓ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም