ኣብ ቴክኖሎጂ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ትኹረት ዝገበረ ‘ኣስተውሎት’ ዝተብሃለ ፊልም ተመሪቑ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ቴክኖሎጂ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ትኹረት ዝገበረ ‘ኣስተውሎት’ ዝተብሃለ ፊልም ተመሪቑ
85
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/8/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ዙሪያ ቴክኖሎጂ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ትኹረት ዝገበረ ‘ኣስተውሎት’ ዝተብሃለ ፊልም ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም።
ብኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያን ሰውኛ ፕሮዳክሽንን ኢንተርቴይመንት ኣቢሉ ዝተሰናደአ ፊልም ‘ኣስተውሎት’÷ ንፈለማ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሰርሑ ሮቦታትን ሰባትን ብጥምረት ዝሰርሑዎ ፊልም ኢዩ ተባሂሉ፡፡
እቲ ፊልም ኣብ ሓቀኛ ታሪኽ ተመስሪቱ ዝተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።
ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ወርቁ ጋቸና (ኢ/ር)÷ “እቲ ፊልም ዝሐሸ ፅባሕ ንኽንርኢ ሎሚ ካብ ፅባሕ ብዝሓሸ መልክዑ ንኽንነብር ዝሕግዝ ኢዩ” ኢሎም።