“ስታርት ኣፕ ኢትዮጵያ” ንዕድል ስራሕ መናእሰይ ዝሙቺ ከባቢ ብምፍጣር ፀገም ዝፈትሑ ዓውዲታት ስራሕ ንምኽፋት ዝዓለመ ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)




ኣዲስ
ኣበባ/መጋቢት/27/ 2016 /ኢዜአ/ስታርት አፕ ኢትዮጵያ ንዕድል ስራሕ መናእሰይ ዝሙቺ ከባቢ ብምፍጣር ፀገም ዝፈትሑ ዓውዲታት ስራሕ ንምኽፋት ዝዓለመ ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይአ ኣሕመድ(/) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ መናእሰይ ብምህዞ ሓሳብ ናብ ተግባር ዝቕይሩሉ ድጋፍ ፖሊሲ እቲ ዓውዲውን ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ ኢሎም።

 ኣብ ስራሕቲ ዝሓለፉ 6 ዓማውቲ ዝተፈላለዩ መሓንቓት ብምፍታሕ ሰፋሕቲ ዕድላት ንምርካብ መገዲ ዝተኸፈተሉ ኢዩ ክብሉ እውን ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም