“ስታርት ኣፕ ኢትዮጵያ” ንዕድል ስራሕ መናእሰይ ዝሙቺ ከባቢ ብምፍጣር ፀገም ዝፈትሑ ዓውዲታት ስራሕ ንምኽፋት ዝዓለመ ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
“ስታርት ኣፕ ኢትዮጵያ” ንዕድል ስራሕ መናእሰይ ዝሙቺ ከባቢ ብምፍጣር ፀገም ዝፈትሑ ዓውዲታት ስራሕ ንምኽፋት ዝዓለመ ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/27/ 2016 /ኢዜአ/“ስታርት አፕ ኢትዮጵያ” ንዕድል ስራሕ መናእሰይ ዝሙቺ ከባቢ ብምፍጣር ፀገም ዝፈትሑ ዓውዲታት ስራሕ ንምኽፋት ዝዓለመ ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይአ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ መናእሰይ ብምህዞ ሓሳብ ናብ ተግባር ዝቕይሩሉ ድጋፍ ፖሊሲ እቲ ዓውዲውን ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ስራሕቲ ዝሓለፉ 6 ዓማውቲ ዝተፈላለዩ መሓንቓት ብምፍታሕ ሰፋሕቲ ዕድላት ንምርካብ መገዲ ዝተኸፈተሉ ኢዩ ክብሉ እውን ገሊፆም።