ጃስሚን ነቲ ‘በርክሊ ማራቶን’ ዝተሰመየ፡ 160 ኪሎ ሜትር ዝሽፍንን ልዕሊ 18 ሽሕ ሜትር ዓቐብን ቁልቁለትን ዘለዎ ውድድር ብትሕቲ 60 ሰዓታት  ክትዛዝሞ ክኢላ-ንመለእ ዓለም ዘደነቐ ዓዎት

49

 

አዲስ አበባ/መጋቢት/16/2016/ኢዜአ/ ብሪጣንያዊት ጃስሚን ፓሪስ ነቲ ኣብ ዓለም ዝኸበደ ውድድር ጉያ ዝፈጸመት ፈላሚት ጓል ኣንስተይቲ ኰይና።

ጃስሚን ነቲበርክሊ ማራቶንዝተሰመየ፡ 160 ኪሎ ሜትር ዝሽፍንን ልዕሊ 18 ሽሕ ሜትር ዓቐብን ቁልቁለትን ዘለዎ ውድድር ብትሕቲ 60 ሰዓታት እያ ክትዛዝሞ ክኢላ።

ንሳ፡ ነቲ ኣብ ቴነሲ ኣሜሪካ ዝካየድ ውድድር ኣብ ውሽጢ 60 ሰዓታት ክትፍጽሞ እኳ እንተነበራ፤ 1 ደቒቕን 39 ካልኢትን ምስተረፋ እያ ዛዚማቶ።

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ደገፍቲ ነቲ ውድድር ኣብ ግዚኣ ክትዛዝሞ ድያ ብዝብል ሻቕሎት ብዓርቢ ብቐጥታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተኸታቲሎምዎ።

ኣብ ምዝዛም እቲ ውድድር ኣብ ከቢድ ድኻም ዝነበረት እታ ሰበይቲ፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ህንጻጽ ምስ ሰገረት ኣብ ባይታ ረፋዕ ኢላ ተራእያ።

ንደቂ ተባዕትዮ ሓዊስካ፡ ካብ 1989 ጀሚሩ ነዚ ውድድር ብትሕቲ 60 ሰዓት ዝፈጸምዎ 20 ሰባት ጥራይ እዮም።

ጓል 40 ዓመት ጃስሚን ነቲ ውድድር ንምፍጻም፡ ኣኽራናት ክትሓኵርን ክትወርድን፣ ብጸላም ብጫካታትን ጣሻን ክትጐዪ ኔርዋ።

ጃስሚን ቅድሚ እቲ ውድድር፡ ሓደ እዋን ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ኣብ በርክሊ ማራቶን ንምጕያይ ክሓስብ ጸኒሐ ኣለኹ። ኣዝዩ ከቢድ፤ ዘይከኣል ክኸውን ከምዝኽእል እፈልጥ እየ። እቲ ኣይከኣልን እዩ ኢለ ምሕሳበይ ግና ነቲ ውድድር ዝያዳ ክደልዮ ጌሩ ኣሎ፡ኢላ ኔራ።

እዚ ውድድር ዝተበገሰ፡ ኣብ 1977 ጀምስ ኤርል ረይ ዝተባሃለ እሱር ካብ ቤት ማእሰርቲ ንዘምለጠሉ ኵነታት ብምምርኳስ እዩ።

ብቕትለት ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣብ ማእሰርቲ ዝነበረ ጀምስ፡ ብረሺይ ማውንቴን ካብ ዝተባሃለ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምምላጡ፡ ነዊሕ ርሕቐት እኳ እንተዘይጓዓዘ ካብ ፖሊስ ንምምላጥ 50 ሰዓታት ኣብ ጫካ ጐይዩ ኔሩ።

ጃስሚን ቅድሚ በርክሊ ማራቶንውን ኣብ ካልእ ከቢድ ናይ ጐደና ጕያ ተወዳዲራ ብምዕዋት ታሪኽ ሰሪሓ እያ።

ኣደ ክልተ ቈልዑ ዝኾነት ጃስሚን ኣብ 2019 430 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ ውድድር ጉያ 83 ሰዓትን 12 ደቓይቕን ብምዝዛም ነቲ ዝጸንሐ ክብረወሰን 12 ሰዓታት ምምሕያሽ ክኢላ እያ።

ንሳ ኣብቲ ውድድር ድሕሪ ምዕዋታ ኣብ ዝወጸ ጸብጻባት፡ እታ ኣደ ኣብ መንጐ እቲ ውድድር ንዕሸል ውሉዳ ጸባ ጡብ ሓሊባ ከምዝሃበት ተገሊጹ ኔሩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም