ኩባንያ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ሁዋዌ ዓውዲ ፋይናንስ ብዲጂታል ንምሕጋዝ ዝዓለመ መድረኽ የሳልጥ አሎ


 

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/20/ 2016 /ኢዜአ/ኩባንያ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ሁዋዌ ዓውዲ ፋይናንስ ብዲጂታል ንምሕጋዝ ዝዓለመ መድረኽ የሳልጥ አሎ።

እቲ ኩባኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ጀሚሩ መርሃ ግብሪ ዲጂታል ሰሙን እናካየደ ፀኒሑ።

ትልሚ 2025 ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ኢሉ እውን ዓውዲ ፋይናንስ ብቴክኖሎጂ ንምሕጋዝ እቲ ዲጂታል ሰሙን ዘኸእል ኩነታት ዝፈጥር ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቲ መድረኽ ስርዓት ዲጂታል ፋይናንስ ዝዘመነ ንኽኸውንን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ግልጋሎት ፋይናንስ ንኽህሉ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ መድረኽ ካብዚ ብተወሳኺ÷ መካተቲን ዘላቕነት ዘለዎ ስርዓት ፋይናስን ንምፍጣር ኣብ ዝግበሩ ፃዕሪታት ግንዛበ ከምዝፈጥር ተሓቢሩ።

ኩባንያ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ሁዋዌ ዘሰናደኦ መድረኽ ትካላት ፋይናንስ ዓቕሚ ተበፃሕነት ብምድንፋዕ ቀለልቲ መገዲታት ክፍሊት ብምዕባይ፣ መካተቲን ግልፂን ዝኾነ ስርዓት ፋይናንስ ኣብ ምህናፅ ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም