አብ ኢትዮጵያ ስታርት አፓት ብስፍሓት ናብ ዐዳጋ ንምእታው ነቲ ስነ ምህዳር ጡጡሕ ናይ ምግባር ስራሕ እናተሰርሓ እዩ

67




 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/4/ 2016 /ኢዜአ/አብ ኢትዮጵያ ስታርት አፓት ብስፍሓት ናብ ዐዳጋ ንምእታው ነቲ ስነ ምህዳር ጡጡሕ ናይ ምግባር ስራሕ እናተሰርሓ እዩ ተባሂሉ

 ኣብ ኢትዮጵያ ስታርት ኣፕና ብህፁፅ፣ ብፅርየትን ስፍሓትን ናብ ዕዳጋ ንምእታው ይስራሕ ከምዘሎ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣፍሊጡ።

ክሳብ 20 ሚያዚያ 2016 . ዝፀንሕ ኤግዚብሽን "ስታርት ኣፕ" ኢትዮጵያ ኣብ ሙዚየን ሳይንስ ንዑደተኛታት ክፍቲ ኮይኑ።

ስታርት ኣፓት ዘለዉዎ እወንታዊ ዕድላት ብምጥቃም ውፅኢታዊ ንክኾኑ ናይ ምድጋፍ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ባይሳ በዳዳ (/)  ተዛሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ስታርት ኣፕ ንምድጋፍን ንምትብባዕን ዝተዘርገሐ ኣሰራርሓ ናይ ወፃኢ ስታርት ኣፕና ከምዝእንግድ ሓቢሮም።

ዕላማ እቲ ኤግዚብሽን፥ ስታርት ኣፓት ዘለዎም ፍሪያት፣ ኣገልግሎትን ምህዞን፣ ትካላት፣ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተምሃሮን ንክርእይዎ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ሰብ ሃፍቲን ስታርት ኣፓትን ዝምድና ንክፍጠር ምግባር ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም