ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ፥ ህዝቢ ካብ ስኑዓት ሓበሬታታት  ንኸክላኸል ብዙሕ ክሰርሕ ከምዝግባእ ተገሊፁ

106


 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/17/ 2016 /ኢዜአ/ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ፥ ህዝቢ ካብ ስኑዓት ሓበሬታታት  ንክክላኸል ብዙሕ ክሰርሕ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዴሞክራሲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብቲ ኣገልግሎት ተረኪቦም ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እቲ ቤት ዕዮ ተዓዚቡ።

ሓፈሻዊ ስራሕቲ እቲ ኣገልግሎት ብምርኣይ ምስ ሚኒስትር፣ ሚኒስትር ዴኤታታትን ዋና ኣፈፀምቲ ስራሕን እቲ ትካል ዘቲዩ።

ኣካቢ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣይተ እውነቱ ኣለነ፥ መንግስቲ ዝሓዞም ጉዳያት ልምዓት፣ ሰላም፣ ሰናይ ምምሕዳርን ካልኦት ኣጀንዳታትን ንህዝቢ ክበፅሑ ኣብ ምግባር እቲ ትካል ጠመተ ሂቡ ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ዝገብሮም ዘሎ ስራሕቲ ኣብዛ ሃገር ዘሎ ፀገም ዝፈትሑ ብምዃኖም ኣጀንዳታት እቲ ኮሚሽን ንህዝቢ ተበፃሕቲ ክኾኑ ኣብ ምግባር እውን ጠመተ ከምዘድሊ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም