ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ስትራቴጂ ሓሙሽተ ዓመት ንምዕዋት ምስ ዘፈር ውልቀ ብምትሕብባር ክሰርሕ እዩ-ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌ

68


 

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/ 10/2016 (ኢዜኣ) ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ስትራቴጂ ሓሙሽተ ዓመት ንምዕዋት ካብ ዝተትሓዙ ሽቶታት ሃገራዊ ፋይዳ ምስ ዘለዎም ዘፈራት ውልቀ ብምትሕብባር ምስራሕ እቲ ሓደ ምዃኑ ተጠባባቒ ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌ ገሊፆም።

ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን ግሩፕ ፋሪስ ቴክኖሎጅን ኣብ ምርምርን ፈጠራ ስራሕን ብሓባር ምስራሕ ዘኽእሎም ስምምዕ ተፈራሪሞም።

እቲ ስምምዕ ዝፈረምዎ ድማ ተጠባባቒ ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌን መስራትን ዋና ፈፃሚ ስራሕን ግሩፕ ፋሪስ ቴክኖሎጂ ኤልያስ ይርዳውን እዮም።

ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ ስትራቴጂ ሓሙሽተ ዓመት ንምዕዋት ካብ ዝተትሓዙ ሽቶታት ሃገራዊ ፋይዳ ምስ ዘለዎም ዘፈራት ውልቀ ብምትሕብባር ምስራሕ እቲ ሓደ እዩ ኢሎም።

ምስ ግሩፕ ፋሪስ ቴክኖሎጂ ዝተገበረ ስምምዕ እውን ኣካል እቲ ስትራቴጂ ምዃኑ ብምሕባር፤ ኣብ መፅናዕትን ምርምርን ከምኡ እውን ፈጠራ ስራሕ ብሓባር ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም።

መስራትን ዋና ፈፃሚ ስራሕን ግሩፕ ፋሪስ ቴክኖሎጂ ኤልያስ ይርዳው ብግደኦም፤ እቲ ስምምዕ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዘለዎ ዕቑር ዓቕሚ ንምጥቃም ሰናይ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

እቲ ግሩፕ ምስ ቴክኖሎጂ ዝተኣሳሰሩ ፕሮጀክትታት ሓንፂፁ እናሰርሐ ምኳኑ ብምግላፅ፤ እቲ ስምምዕ ውፅኢታውነት እቶም ፕሮጀክትታት ብዝበለፀ ከምዘዕብዮ ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም