መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ሸቶ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ንምዕዋት ይሰርሕ አሎ-ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ


 

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/25/ 2016/ኢዜአ/መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ሸቶ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ምዕዋት ይሰርሕ  ኣሎ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኢትዮጵያ ካብ ዲጂታል ኢትዮጵያ ኢኒሼቲቭ ዝፈልፈለ ናይ 2025 ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ትልሚ ኣብ ምትግባር ትርከብ ኢሎም።

ኢኒሼቲቭ ዲጂታል ኢትዮጵያ ኩሉ ግዘ ናይ ሓደሽቲ ሓሳባት በዓል ዋና ብዝኾኑ ናይ ዓለም ሎሬት ሰላም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(/) ዝፈልፈለ ኢዩ ኢሎም።

ትግበራ ዲጂታል ካብ ኩሉ ንላዕሊ ኣብ ልምዓት ከተማ ዝተትሓዙ ሸቶታት ብምዕዋት ልዑል ብፅሒት ዘለዎ ከምዝኾነ ተኣሚኑ ብልዑል ኩነታት ይስፍሕፋሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ሸቶ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ምዕዋት ከምግቡእ ወሲዱ ይትግብር ኣሎ ክብሉ ኣብሪሆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም