ስፖርት - ኢዜአ ትግርኛ
ስፖርት
አትሌት ድርቤ ወልተጂ ኣብ ሎስአንጀለስ ኣብ ዝተኻደ ውድድር ጉያ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ተዓዊታ
May 19, 2024 5
ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት /11/2016 /ኢዜአ/አትሌት ድርቤ ወልተጂ ኣብ ሎስአንጀለስ ኣብ ዝተኻደ ውድድር ጉያ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ተዓዊታ። ኣትሌት ድርቤ ነቲ ርሕቐት ብ3 ደቒቓ 55 ሰከንድን 25 ማይክሮ ሰከንድን ብምዝዛም ኢያ ቀዳመይቲ ወፂኣ። ኣትሌት ፍሬወይኒ ሃይሉ ድማ 3 ደቒቓ 55 ሰከንድን 48 ማይኮሮ ሰከንድን ብምእታው ካልኣይ ደረጃ ከምዝሓዘት ኣብቲ ፌደሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ጋንታታት ትግራይ ካብ 2017 ጀሚረን ቅድሚ ኲናት ናብ ዝነበረኦ ሊግ ተመሊሰን ንኽወዳደራ ውሳነ ተመሓላሊፉ
May 1, 2024 163
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/23/ 2016 /ኢዜአ/ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ክልል ትግራይ ካብ 2017 ጀሚረን ቅድሚ ኲናት ናብ ዝነበረኦ ሊግ ተመሊሰን ንኽወዳደራ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ውሳነ ኣመሓላሊፉ። ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ብዝገበሮ ስሩዕ ኣኼባ ፥ ጋንታታት ክልል ትግራይ ካብ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ሙሉእ ብሙሉእ ቅድሚ ኲናት እናተወዳደራሉ ናብ ዝነበራ ሊግ ተመሊሰን ንኽወዳደራ ውሳነ ኣመሓላሊፉ ። ቅድሚ ሕዚ ኣመሓላሊፉዎ ዝነበረ ውሳነ ሙሉእ ብሙሉእ ብምስራዝ ካብ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ እተን ጋንታታት ቅድሚ ኲናት እናተወዳደራሉ ናብ ዝነበራ ሊግ ተመሊሰን ንኽወዳደራ ካብ መንግስቲ ዘቕረቦ ኣንፈት ብምቕባል ውሳነ ኣመሓላሊፉ። ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ እቲ ውሳነ ተግባራዊ ንኽገብሩ ንዝምልከቶም ኣካላት ብደብዳበ ከምዘፍለጠ ገሊፁ።
ኣትሌት መዲና ኢሳ ብትሕቲ 20 ዓመት ውድድር ጒያ 5 ኪሎ ሜትሮ ክብረ ወሰን ዓለም ሰይራ
Apr 27, 2024 198
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/19/ 2016 /ኢዜአ/ኣትሌት መዲና ኢሳ ኩባኒያ ኣዲዳስ ኣብ ዘሰናደኦ ትሕቲ 20 ዓመት ውድድር ጒያ 5 ኪሎ ሜትሮ ክብረ ወሰን ዓለም ብምስባር ተዓዊታ። እታ ጓል 19 ዓመት ኣትሌት፥ ነቲ ርሕቐት ብ14 ደቒቓን 38 ሰከንድን ብምዝዛም ኢያ ተዓዊታ። ኣትሌት መልክናት ውዱ ካልአይቲ፣ ፎቲየን ተስፋይ ሳልሰይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድረን ዛዚመን። ብደቂ ተባዕቲዮ ድማ፥ ኣትሌት ዮሚፍ ቀጀልቻ ብ13 ደቒቓ ብምእታው ተዓዊቱ። ይሁኔ ኣዲሱ ብ5 ሰከንድታት ድሒሩ ብምእታው ካልኣይ ደረጃ ሒዙ።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ካብ መላእ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ኣባላት ጉጅለ ልኡኻት ባህሊ ስፖርት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ሰናይ ፀጋታት ንምህናፅ ዝገበርዎ ፃዕሪ ኣመስጊነን
Apr 25, 2024 192
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 17/2016 (ኢዜኣ) ካብ መላእ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ኣባላት ጉጅለ ልኡኻት ባህሊ ስፖርት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ሰናይ ፀጋታትና ንምህናፅ ንዝገበርዎ ፃዕሪ ነመስግን ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። እቶም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ዝርከብ መበል 21 ውድድር ባህሊ ስፖርትታት ኢትዮጵያን መበል 17 ፌስቲቫል ባህልን ዝተሳተፉ ኣብቲ ከተማ ዝተሃነፁ ስራሕቲ ልምዓት ጎብንዮም። እተን ከንቲባ እቲ ዑደት ኣመልኪተን ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓለለፍኦ መልእኽቲ፤ እቶም ጉጅለ ልኡኻት እቲ ምምሕዳር ከተማ ዝሰርሖም ዘሎ ማእኸላት ስፖርትን ህንፀት ስብእና መናእሰይን ከምኡ እውን ተፈጥሮኣዊ ፀጋ ዘለዎም መናእሰይ ምስ ራእዮም ምርኻብ ዘኽእል ስራሕ ህንፀት ወለዶን ንመካየዲ ዓለም ለኸ ውድድር ስፖርት ዝስራሕ ዘሎ ኢንተርናሽናል ስታዴምን ምዕዛቦም ገሊፀን።
ኣርሰናል ኣብ መበል 34 ሰሙን ፀወታ ፕሪሜየር ሊግ እንግሊዝ ናብ መሪሕነት ተመሊሱ
Apr 21, 2024 191
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/13/ 2016 /ኢዜአ/ትማሊ ምሽት ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ፕሪሜየር ሊግ እንግሊዝ ኣርሴናል ናብ መሪሕነት ዘምፅኦ ዓወት ኣብ ልዕሊ ወልቭስ ኣመዝጊቡ። ናብ ስታድየም ሞሊኒክስ ብመምራሕ ምስ ወልቭስ ዝገጠመ ኣርሰናል፥ ሊሃንድሮ ትሮሳርድን ማርቲን ኦዲጋርድን ብዘመዝገብወን ሽቶታት ኢዩ 2 ን 0 ተዓዊቱ። ብመሰረት እዚ ኣርሴናል ነጥቡ ናብ 74 ክብ ብምባል ናብ መሪሕነት ተመሊሱ።
ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ ውድድር 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ኣብ ታሪክ መበል ሳልሳይ ቅልጡፍ ሰዓት ብምምዝጋብ ተዓዊታ
Apr 20, 2024 166
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/12/ 2016 /ኢዜአ/ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ ውድድር 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ኣብ ታሪክ መበል ሳልሳይ ቅልጡፍ ሰዓት ብምምዝጋብ ተዓዊታ። ኣብ ቻይና ዝያሜን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ጒያ ዲያመንድ ሊግ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ፥ ነቲ ርሕቐት ብ3 ደቒቓ 50 ሰኮንድን 30 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው ነቲ ውድድር ብቐዳምነት ዛዚማ። እቲ ዝኣተወትሉ ሰዓት ነቲ ርሕቐት ኣብ ታሪክ መበል ሳልሳይ ቅልጡፍ ሰዓት ብምዃን ከምዝተመዝገበረ ኣብ ኣትሌቲክስ ዓለም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ቤተልሔም ወልዴ ኣብ ሻምፒዮና ቦክሲንግ ኣፍሪካ ተዓዊታ
Apr 18, 2024 58
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/10/ 2016 /ኢዜአ/ቤተልሔም ወልዴ ኣብ ሻምፒዮና ቦክሲንግ ኣፍሪካ ኣብ ልዕሊ መጋጥምታ ዓወት ቐኒዕዋ። እቲ ተጓሳጢት ኣብ ካልኣይ ዙር ከቢድ ሚዛን ብምዕራፍ ብውሳነ ዳይና ከምዝተዓወተት ተገሊፁ። ኣብ ምድብ ደቂ ተባዕቲዮ፥ ኢትዮጵያ በምውካል ዝተሳተፉ ኣቡዱሰላም ኣቡበከር፣ ኣቡበከር ሰፋንን ኤርሚያስ መስፍንን ክምዝተስዓሩ ኣብ ፌዴሬሽን ጉስጢት ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ቤተልሔም ወልዴ ኣብ ሻምፒዮና ቦክሲንግ ኣፍሪካ ተዓዊታ ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/10/ 2016 /ኢዜአ/ቤተልሔም ወልዴ ኣብ ሻምፒዮና ቦክሲንግ ኣፍሪካ ኣብ ልዕሊ መጋጥምታ ዓወት ቐኒዕዋ። እቲ ተጓሳጢት ኣብ ካልኣይ ዙር ከቢድ ሚዛን ብምዕራፍ ብውሳነ ዳይና ከምዝተዓወተት ተገሊፁ። ኣብ ምድብ ደቂ ተባዕቲዮ፥ ኢትዮጵያ በምውካል ዝተሳተፉ ኣቡዱሰላም ኣቡበከር፣ ኣቡበከር ሰፋንን ኤርሚያስ መስፍንን ክምዝተስዓሩ ኣብ ፌዴሬሽን ጉስጢት ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ጉያ ጎደና 10 ኪሎ ሜትሮ- ኢትዮጵያ ተፍርይ ንምክያድ ዝግበር ምድላው ተዛዚሙ
Apr 17, 2024 68
አዲስ አበባ/ሚያዚያ/9/2016/ኢዜአ/13 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም ንዝካየድ ጉያ ጎደና 10 ኪሎ ሜትሮ- ኢትዮጵያ ተፍርይ ምድላው ከምዝተዛዘመ ሚኒስትር ዴኤታ ኢንዱስትሪ ታረቀኝ ቡሉልታ ገሊፆም። እቲ ጉያ ዘፈር ኣፍራይ ኢንዱስትሪ ምስ ስፖርት ንምትእስሳርን ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ፈርዮም ናብ ዓለም ለኸ ክለባት ዝቐርቡ ዕጥቅታት ንምፍላጥን ዝዓለመ ምዃኑ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ተዛሪቦም። ልዕሊ 10 ሽሕ ውልቀሰባት ኣብቲ ጉያ ንምስታፍ ዝተመዝገቡ እንትኸውን ካብ 22 ክለባት ዝተውፃእፅኡ ኣትሌታት 'ውን ክሳተፉ 'ዮም። ኣብ ውድድር ጉያ ኢትዮጵያ ተፍርይ ብምስታፍ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሓምሻይ ንዝወፁ ኣፍረይቲ ተወዳደርቲ ክሳብ 250 ሽሕ ብር፣ ንክለባት ክሳብ 100 ሽሕ ብር ሽልማት ከምዝተዳለወ ሚኒስትር ዴኤታ ታረቀኝ ገሊፆም።
ኣብ ሻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ፒኤስጂን ቦሩሲያ ዶርትሙንድን ናብ ፍርቂ ፍፃመ ሓሊፈን
Apr 17, 2024 54
ኣዲስ ኣበባ /ሚያዝያ/9/ 2016 /ኢዜአ/ትማሊ ምሸት ሰዓት 4:00 ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ርብዒ ፍፃመ ሻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ፒኤስጂን ቦሩሲያ ዶርትሙንድን ናብ ፍርቂ ፍፃመ ሓሊፈን። ባርሴሎና ኣብ ሜዳኣ ንፈረንሳዊት ጋንታ ፓሪስ ሴንት ዠርሜይን (ፒኤስጂ) ኣተኣናጊዳ 4 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ተሳዒራ። ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፓሪስ ፓርክ ዴፕሪንስ ዝገበረኦ ፀወታ ባርሴሎና 3 ን 2 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ዝተመለሰት ይኹን እምበር ብድምር ውፅኢት 6 ን 4 ብምስዓራ ካብቲ ሻምፒዮና ወፂኣ። ብካሊእ መዳይ ስፔናዊት ጋንታ ኣትሌቲኮ ማድሪድን ጀርመናዊት ጋንታ ቦሩሲያ ዶርትሙንድን ኣብ ዝገበረኦ ናይ መልሲ ፀወታ ቦሩሲያ ዶርትሙንድ ኣብ ሜዳኣ ሲግናል ኢዱና ፓርክ 4 ን 2 ስዒራ። ኣብ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ቦሩሲያ ዶርትሙንድ ኣብ ሜዳ ኣትሌቲኮ ማድሪድ ዋንዳ ሜትሮፖሊታኖ 2 ን 1 ትሰዓር እምበር ትማሊ ብዝረኸበቶ ዓወት ብድምር ውፅኢት 5 ን 4 ብምስዓር ናብ ፍርቂ ፍፃመ ሓሊፋ።
ሰናይት ኣሰፋ፡ ካብ ሰርከስ ትግራይ ኣብ ዓለማዊ መድረኻት ዝደመቐት ኰኾብ
Apr 8, 2024 105
“ሰርከስ ንዓይ ዓለመይ፡ ህይወተይ እዩ” ብምባል እያ ትገልፆ። ህይወተይ ኢላ ካብ ትገልፆን ትነብሮን ዘላ ሕልሚ ቍልዕነታ ዝረኸበቶ ዓብይ ከስቢ፡ “ንኻልኦት ኣብነት ምዃነይ’ዩ” ትብል፡ እዛ ኣብ ትግራይ ተወሊዳ ዝዓበየት፡ ኣብ ዓበይቲ መድረኻት ዓለም ብሰርከስ ዝደመቐት ሰናይት ኣሰፋ። ኣብዚ እዋን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እትነብር ዘላ ሰናይት፡ ኣብ ኣሜሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ስጳኛ፡ ስዊዘርላንድ፡ ዱባይ፡ ቻይና፡ ጀርመን፡ ሮማንያ፡ ቤላሩስን ኣውስትራልያን ብዘቕረበቶ ዘደንቕ ምርኢት ኰኾብ መድረኽ ኰይና ደሚቓ ኣላ። እዛ ኣብ ዓለምለኻዊ ንጥፈታት ሰርከስ እትዋሳእ መንእሰይ ሰናይት፡ ኣብ ትግራይ ከተማ ውቕሮ እያ ተወሊዳ፤ ኣብ ከተማ መቐለ ድማ ዓብያ። ሰናይት፡ ገና ጓል 11 ዓመት ህጻን እንተላ እያ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ሰርከስ ትግራይ፡ ጥበብ ሰርከስ ዝቐሰመት። “ሰርከስ ትግራይ ንብዙሓት ከምዚ ከማይ ዘፍረየ ገዛ እዩ። ኣነ’ውን ሰርከስ ኣብዚ ምጅማረይ፡ ብጣዕሚ ዕድለኛ እየ።” እታ ብፍቕሪ ሰርከስ ዝተሳሕበት ሰናይት፡ ‘ሰርከስ ይትረፍኪ፡ ኣብ ትምህርትኺ ኣድህቢ፡ ዝብል ማዕዳን ፀቕጢ ስድራኣን ማሕበረሰባን በዲሃ ነቲ እትፈትዎ ሞያ ሰርከስ ብፍቕሪ ስዒባቶ። “ኣብ ኢትዮጵያ ይዅን ኣብ ትግራይ ንወለድኻ ኢኻ ትሰምዕ። ወለደይ ‘ካብ ሰርከስ፡ ትምህርቲ ይሓይሽ’ ብምባል፡ ፀቕጢ ይገብሩለይ ነይሮም። ካብ ስድራይ ይዅን ካብ ኣዕሩኽተይ ተቓውሞ ይበዝሓኒ ነይሩ። ሰባት ‘ንቤተሰብኪ ዘይትሰምዒ ሰርከስ እንታይ ክገብረልኪ’ዩ? ጓል እንድኺ ኣብ ገዛኺ ኮፍ ዘይትብሊ?’ ይብሉኒ ነይሮም። ግን ንሞያ ሰርከስ ስለ ዝፈተኹዎ ውሽጠይ ኣይተቐበሎን” ትብል፡ ነቲ ዘጋጥማ ዝነበረ ብድሆታት ብምዝካር። ብሓደ ወገን፡ ‘ኣይፋሉን ኣብ ትምህርትኺ ኣድህቢ’ ዝብል ማዕዳን ፀቕጥን ወለዳ ክትመልእ፡ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ ንሰርከስ ዘለዋ ድሌት ክተተግብር ግድል ኰይኑዋ። “ትምህርቲ ምሉእ መዓልቲ እመሃር እሞ፡ ኣጋ ምሸት ምስ መሓዛይ ከፅንዕ እየ ኢለ፡ ንወለደይ ኣታሊለ ናብ ሰርከስ ይኸይድ። ሓደ ሓደ ግዘ ኣቦይን ኣደይን ከይጥርጥሩኒ፡ ሰርከስ ዝሰርሐሉ ‘ታይት’ ብውሽጢ፡ ብላዕሊ ድማ ቀምሽ ተኸዲነ፡ ደብተርን ቦርሳን ሒዘ እየ ዝኸይድ ነይረ።” ASSEFA ብሰንኪ ድሌት ጓሎም ስድራ እንዳ ኣቦይ ኣሰፋ ኣብ ክልተ ተኸፈለ…። “ኣደይ መምህር’ውን ስለ ዝዀነት፡ ንኣቦይ፡ ‘ድሌታ እንተዀይኑ ሰርከስ ትቐፅል’ ትብሎ ነይራ፤ ኣቦይ ግን ኣይተቐበላን።” ናብ ሰርከስ ኣብ ትኸደሉ እዋን፡ ወላዲታ ‘ናብ ዕዳጋ እየ ልኢኸያ’ እናበለት ብዙሕ እዋን ትሽፍነላ ከም ዝነበረት ትዝክር። ሓደ መዓልቲ ግን፡ ሕዚ ብሂወት ምስ ዘየለዉ ወላዲኣ ኣይተ ኣሰፋ ጐፍ ንጐፍ ክትገጥም ዝገብር ህሞት ተፈጠረ። ሰናይት ነታ መዓልቲ እቲኣ ፍፁም ኣይትርሰዓን። “ንምርኢት ኣብ ንለማመደሉ ዝነበርና እዋን፡ ኣብኡ ሓዲረ። ኣቦይ ካብ ስራሕ ኣምስዩ መጺኡ ይድቅስ እሞ፡ ንግሆ ተሲኡ ‘ሰናይት ናበይ ከይዳ?’ ኢሉ ይሓትት። ኣደይ ‘ልኢኸያ’ ኢላ። ሃንደበት ንሓፍተይ ይሓታ እሞ፡ ‘ገዛ ኣይሓደረትን’ ትብሎ። ኣቦይ፡ ናብቲ ሰርከስ ዝሰርሐሉ ቦታ ሓታቲቱ መፂኡ። ርእይ ምስ ኣበልኽዎ ብስምባደ መኺኸ…ከመይ ገይሩ ኣግንዩኒ ኢለ ደንጊፀ…ናብ ገዛ ወሲዱ ሓመድ ድፋጫይ ኣውፂኡኒ። እቲ መውቃዕቲ ግን ዝያዳ ፍቕሪ ሰርከስ ኣሕዲሩለይ” ትብል። ወላዲኣ፡ ሰናይት ኣብ ናይ ውልቀ ቤት ትምህርቲ ምሉእ መዓልቲ ክትመሃር ካብ ምግባር ሓሊፎም፡ ጓሎም ናብ ሰርከስ ንከይትኸይድ የኽእል እዩ ዝበልዎ ኵሉ ገይሮም፡ ኣይሰመረሎምን። 'ሕልመይ ዘግሃደ ዕድል' ሰናይት ኣሰፋ፡ ኣብ ውድድር ሮማንያ ታለንት ሰናይት እግሪ እግሪ ኣቦኣ ሓልያ ሞሊቓ ናብ ሰርከስ ክትኸይድ፡ ኣይት ኣሰፋ ኣብ ገዛኣ ኣብ ዝሰኣኑዋ ክቝጥዑ ዓመታት ሓሊፉ። ሓደ እዋን ግና ሓንቲ ሞንጐልያዊት ኣሰልጣኒት ሰርከስ፡ ኣብ ሰርከስ ዝነጥፋ ኣዋልድ ክትምልምል፡ ናብ መቐለ መፀት። ምምፃእ እዛ ወፃእተኛ፡ ንሰናይት “ሕልማ ዘግሃደ ዕድል” ኰነ። ሓደ ምስ ወላዲኣ ዝነበራ ኣፈላላይ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ክትፈትሕ፡ ካልኣይ ድማ መፃኢኣ ንኸተጣጥሕ፡ ትብዓት ኣስነቓ። “ንኣቦይ እዚ ዓብይ ዕድል ስለዝዀነ፡ ሰርከስ ክሰርሕ ክትፈቕደለይ ኣለካ። ናብ ትምህርቲ’ውን ኣይኸይድን ኢለዮ። ኣይተቐበሎን… እታ ሞንጐልያዊት ናብ ዘዳለወቶ ዕፁው መሰልጠኒ ቦታ፡ ንኽልተ ሰሙን ካብ ገዛ ጠፊአ ከይደ።” ምጥፋእ ሰናይት፡ ወላዲኣ ኣብ መወዳእታ ንድሌት ጓሎም ክቕበሉ ኣገዲዱዎም። ሰናይት፡ ድሕሪ እቲ በታ ሞንጐልያዊት ዝረኸበቶ ስልጠናን ዕድልን፡ ጓል 14 ዓመት እንተላ፡ በቲ እትፈትዎን ልዕሊ ትምህርቲ ቀዳምነት ዝሃበቶን ሞያ ናብ ቻይና ብምኻድ፡ ንፈለማ እዋን ንዓለምለኸ ተመልከትቲ ብጕጅለ ምርኢት ሰርከስ ኣርአየት። “ኣብ ቻይና ንክልተ ወርሒ ዝገበርክዎ ጕዕዞ ሰርከስ ፅቡቕን ዕዉትን ነይሩ። ገና ጓል 14 ዓመት ኰይነ፡ እሞ ድማ ንመጀመርታ እዋን ካብ ዓደይ ወፂአ ምርኢት ዘርኣኹሉ፣ ዝቃወሙኒ ዝነበሩ’ውን፡ ‘በቃ ሰርከስ መገዲ ህይወታ’ዩ’ ኢሎም ምቅዋሞም ገዲፎም ክቕበሉኒ ዘኽኣለ ስለዝነበረ፡ ኣብ ህይወተይ ዘይርስዖ መድረኽ’ዩ” ትብል። እዚ ኣብ ቻይና ዝነበራ መድረኽ፡ ሰናይት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ምርኢት ከተቕርብ ኣፍደገ ዝኸፈተ ዕድል ነይሩ። ሰናይት ድሕሪ ናይ ቻይና መገሻኣ፡ ኣብ ዱባይ፡ ስጳኛን ስዊዘርላንድን ምስ ጕጅለ ሰርከስ ምርኢት ኣቕሪባ። ብድሕሪ እዚ ድማ፡ ብውልቃ ብዙሕ ዕድላት ረኺባ። “ሓቂ ንምዝራብ ብጕጅለ ምስራሕ ብሕታውነት ከይስመዓካ ዝገብር’ኳ እንተዀነ፡ ብውልቅኻ ምስራሕ ግን ንርእስኻ ሓላፍነት ስለ እትወስድ ክትጥንክር ይገብረካ’ዩ፤ ካብ ብጕጅለ ብውልቀይ ዝሰራሕኽዎ ስራሕ ዕውትቲ ክኸውን ኣኽኢሉኒ ኢለ እሓስብ” ትብል። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንምርኢት ኣብ ትኸደሉ ኣባላት ጕጅለኣ ዝነበራ መሓዙታ፡ ኣብ ዘዝኸዳኦ ሃገር ክተርፋ እንከተዋ፡ ሰናይት ነዚ ኣይመረጸቶን። “ብዝወጻእክዎ ክተርፍ ኣይደለኹን፤ ምኽንያቱ ብኽእለተይ ክዕወት እናኽኣልኩ ንምንታይ እየ ዝተርፍ? ኢለ እየ ዝኣምን። ኣብ ዝጠዓመካ ሃገር ንምትራፍ ቀሊል እዩ ነይሩ፤ ግና ካብ ናይ ህይወት መስመርካ እዩ ዘውፅአካ” ትብል፡ ሰባት ንዕላማኦም ጽኑዓት ክዀኑ ከም ዘለዎም ብምሕባር። ‘እምበር’ከ እቲ ነብሳ ዓፅሚ ኣለዎ ዶ?’ ኣብ ኣሜሪካ ውድድር ‘ኣሜሪካስ ጎት ታለንት’፡ ላስቬጋስ፡ ኒውዮርክ፡ ጀርመን፡ ሮማንያ- ‘ሮማንያ ጎት ታለንት’፡ ቤላሩስ፡ ኣውስትራልያ-‘ሲድኒ ኦፍ ዘ ሃውስ’ን፡ ዓባይ ብሪጣንያ-‘ለንደን ፓላድዮ’ን፡ ሰናይት ኣብ መድረኽ ክትደምቕን ሰብነታ ክተዓፃፀፍን ብቐጥታ ዝተዓዘቡ ተመልከትቲ፡ ብኽእለታ ተደኒቘምን ንኢዶማን እዮም። ሰናይት ኣሰፋ ምስ ዳኛ ‘ኣሜሪካስ ጎት ታለንት’ ሳይመን ኮወል፡ ኣብ ሎስኣንጀለስ ውድድር ‘ኣሜሪካስ ጎት ታለንት’ ምስ ሰርከስ ዲሰለይ ምርኢት ኣብ ዘቕረበትሉ እዋን ሰናይት እትሰርሖ ቅዲ ሰርከስ ‘ኮንትሮሽን’ (ምትዕጽጻፍ) ዝበሃል ኰይኑ፡ ኣብ መድረኽ ደይባ ትፈጥሮም ዓይነታት ምርኢታትን ምህዞታትን፡ ንተዓዘብቲ ኣብ ኣድናቘት ኣጥሒሉ፡ ‘እምበር’ከ እቲ ነብሳ ዓፅሚ ኣለዎ ዶ?’ ብምባል ኣስደሚሙዎም’ዩ። ሰብነታ ከም ፕላስቲክ’ዩ ዝተዓጻጸፍ። እዚ ዓይነት ቅዲ ቀሊል ከም ዘይኮነ እትገልፅ ሰናይት፡ ክንዮ እቲ ተፈጥሮኣዊ ብቕዓታ ተዓጻጻፍነት ሰብነታ ንምቕጻል፡ መዓልታዊ ልምምድ ከም ትገብር ትገልፅ። “ቈልዓ ኰይነ ሰርከስ እንትሰርሕ፡ ሕማም’ኳ ዝስመዓኒ ኣይመስለንን፤ ሕቘይ ብተፈጥሮ ብጣዕሚ’ዩ ዝዕፀፍ። እቲ ስራሕ እናማዕበልክዮ ምስ ትመፂ ግና፡ ቅሩብ እናኸበደ እዩ ዝኸይድ። ስለዚ ተዓጻጻፋይነት ሰብነተይ ንምሕላው፡ መዓልታዊ ንኽልተ ሰዓት ልምምድ እገብር” ትብል። ካብ መዓልታዊ ልምምድ ብተወሳኺ፡ ምግብታት ኣገዳሲ ተራ ስለዝህልዎም፡ እትበልዖም ምግብታት’ውን ተጠንቂቓን መሪፃን እያ ትምገብ። “ደቂኣንስትዮ መፃኢአን ብርሃን እዩ። ኣነ ኵሉ ግዘ መፃእየይ እየ ዝሓስብ፤ መፃኢኺ ትሓስቢ እንተዄንኪ ብግዝያዊ ነገር ኣይትታለልን። ‘ሕዚ እንታይ እየ ዝገብር ዘለኹ? ንመፃኢ’ኸ እንታይ እየ ክኸውን ዝደልይ?’ ኢለን ንባዕለን እንተሓቲተን፡ እቲ መልሲ ክረኽብኦ እየን” ብምባል፡ ተመኵሮ ህይወታ ተካፍል። ሰናይት፡ ካብቲ እትፈትዎ ሰርከስ ብተወሳኺ፡ ንርእሳ ኣብ ኢንዳስትሪ ፊልም’ውን ክትርእያ ትብህግ። ነዚ ድሌታ ጋህዲ ንምግባር ድማ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ለንደን ኮሌጅ ሲቲ ሊት-City Lit College ትምህርቲ ተዋስኦን ‘ሞካፕ’ን ትመሃር ኣላ። “ካብ ሰርከስ ብተወሳኺ ‘ኣክቲንግ’ እፈቱ እየ። ምስ ኮንትሮሽን (ምትዕፅፃፍ) ብዝዛመድ ናብ ፊልም ክኣቱ እደሊ። ነዚ ኣብ ዝምችው ፅቡቕ ዓዲ ስለዘለኹ፡ ንድሌተይ የማዕብሎ ኣለኹ” ትብል። እዛ ኰኾብ ሰርከስ ዝዀነት ሰናይት ኣሰፋ፡ ገና ጓል 11 ዓመት ኰይና ሀ ኢላ ኣብ ዝጀመረቶ ጥበብ ሰርከስ፡ ን13 ዓመታት ሰሪሓ ኣላ። “ፈተና ህይወት ሰጊረ ኣብዚ ብርኪ ምብፃሕ፣ ኣሰልጠንተይ እቲ ዝሓለፍክዎ ፈተና ተረዲእዎም ድማ ንኻልኦት ከም ኣብነት ክገልፁኒ ምርኣይ፣ ንካልኦት ኣዋልድ ኣብነት ምዃነይ ብጣዕሚ እሕጎስን ፅቡቕ እስመዓንን። እዘን ኣዋልድ እውን ይጥንክራ” ትብል። እዚ ኣብ ልባ ዝሓደረ ፅቡቕ ስምዒት ከኣ፡ ኣዋልድ ሰገናት በቲ ንሳ ዝሓለፈቶ ብድሆ ከይሓልፋ፡ ንመፃኢ ዓብይ ሕልሚ ክትሕልን ከም ዝደረኻ ትገልፅ። “ኣምላኽ ዓድና ሰላም እንተገይሩልና፡ ኣነ ብሰርከስ ዝረኸብክዎ ዕድልን ዓወትን፡ ካልኦት ኣዋልድ’ውን ንክረኽብኦ፡ ኣብ ትግራይ ቤት-ትምህርቲ ሰርከስ ብምኽፋት፡ ንኣዋልድ ሰርከስ ከምህር እምነ” ብምባል፡ ንቢቢሲ ባህጊ ፅባሓ ገሊፃ።
ኣብ ኢትዮጵያ ስፖርት ጉስጢት ውፅኢታዊ ንክኸውን ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ከስረሐሉ ይግባእ-ስፖርተኛታት ጉስጢት
Apr 1, 2024 63
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/23/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ኢትዮጵያ ስፖርት ጉስጢት ውፅኢታዊ ንክኸውን ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ከስረሐሉ ከም ዝግባእ ስፖርተኛታት ጉስጢት ሓቢረን። እተን ኣብ መበል 13 ፀወታታት መላእ ኣፍሪካ ወርቂ ዘርከባ ስፖርተኛታት እቲ ዓውዲ ቤተልሄም ገዛኸኝን ቤተል ወልዴ ድሕሪ ዓመታት ብጉስጢት ስፖርት ደቂ ኣኒስቲዮ ሽም ሃገረን ብምፅወዐን ምሕጓሰን ገሊፀን። እቲ መድረኽ፥ ንኣትሌታት ፈላማይ ዓለም ለኻዊ ውድድር ምስ ምዃኑን ኣብ ኣክራ ዝነበረ ኣፀጋሚ ኩነታት ከይበደሀንን ተጋጠምተን ምርተዐን ተዛሪበን። ኣብ ቀፃሊ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ውድድራት ውፅኢት ንምምዝጋብ ከምዝሰርሓ እውን ሓቢረን። እቲ ዓውዲ ውፅኢታዊ ዝገብር ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ይኹን እንበር ኣብ ኢትዮጵያ ዝተውሃቦ ጠመተ ትሑት ከምዝኾነ ኣብሪሀን። ስለዝኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ስፖርት ጉስጢት ውፅኢታዊ ንክኸውን ካብ ፕሮጀከት ጀሚሩ ከስረሐሉ ይግባእ ኢለን።
አብ ክልል ትግራይ ጋንታታት መቐለ 70 እንደርታን ወልዋሎን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕነት ከቲመን
Mar 31, 2024 61
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/22/ 2016 /ኢዜአ/ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ መቐለ 70 እንደርታን ወልዋሎ ዩኒቨርሲቲ ዓድግራትን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕነት ከምዝከተማ ተገሊፁ። ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ክልቲኣን ጋንታት ፋይናንሳዊ ዓቕመን ዘጠናኽራሉን ዓርሰን ዝኽእላሉን መገዲ ኣብ ምንዳይ፣ ተተካእቲ ሰገናትን ስፖርት ኣብ ምፍራይ ብሓባር ክሰርሓ ኢየን። ብተወሳኺ ኣብ ዝውውርን ምውሕሓስ ተፃወቲን ሓዊሱ ብሓፈሻ ኣብ ኩለምዳዊ ዕብየት ስፖርትን ካልኦት ጋንታታን ክልል ትግራይ ስራሕቲ ንምስራሕ ዝዓለመ ስምምዕ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
አብ ሰርቢያ ቤልግራድ ውድድር ጉያ 6 ኪሎ ሜትሮ መናእሰይ ደቂ ኣኒስቲዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊተን
Mar 30, 2024 56
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/21/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ሰርቢያ ቤልግራድ ውድድር ጉያ 6 ኪሎ ሜትሮ መናእሰይ ደቂ ኣኒስቲዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊተን። እተን ኣትሌታት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ኢየን ተዓዊተን ተባሂሉ። ብመሰረት እዚ ኣትሌት ማርታ ኣለማየሁ፣ ኣሳየች ኣይቸውን ሮቤ ዲዳን ብቕደም ሰዓብ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድረን ምዝዛመን ተገሊፁ።
ኣብ ጋና ኣብ ዝተኻየደ መበል 13 መላእ ፀወታታት ኣፍሪካ ዝተሳተፈ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ
Mar 26, 2024 73
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/17/ 2016 /ኢዜአ/ ኣብ ጋና ኣብ ዝተኻየደ መበል 13 መላእ ፀወታታት ኣፍሪካ ዝተሳተፈ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ። እቲ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ፥ ሚኒስትር ዴኤታ ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር መስፍን ቸርነትን ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ረዳት ኮሚሽነር ደራርቱ ቱሉ ኣቀባብላ ገይረሙሉ። ኢትዮጵያ ኣብቲ ውድድር ብ165 ስፖርተኛታት ኣብ 5 ናይ ኦሊምፒክ ውድድራት ኣርባዕተ ኦሊምፒክ ዘይኮኑ ስፖርታት ብድምሩ ብ9 ዓይነታት ስፖርት ተሳቲፋ፡፡ 9 ወርቂ፣ 8 ብሩር፣ 5 ነሃስ ብሓፈሻ 22 ሜዳሊያታት ብምእካብ ሻምናይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድራ ዛዚማ።