ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ካብ መላእ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ኣባላት ጉጅለ ልኡኻት ባህሊ ስፖርት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ሰናይ ፀጋታት ንምህናፅ ዝገበርዎ ፃዕሪ ኣመስጊነን

99



 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 17/2016 (ኢዜኣ) ካብ መላእ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ኣባላት ጉጅለ ልኡኻት ባህሊ ስፖርት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ሰናይ ፀጋታትና ንምህናፅ ንዝገበርዎ ፃዕሪ ነመስግን ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እቶም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ዝርከብ መበል 21 ውድድር ባህሊ ስፖርትታት ኢትዮጵያን መበል 17 ፌስቲቫል ባህልን ዝተሳተፉ ኣብቲ ከተማ ዝተሃነፁ ስራሕቲ ልምዓት ጎብንዮም።

እተን ከንቲባ እቲ ዑደት ኣመልኪተን ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓለለፍኦ መልእኽቲ፤ እቶም ጉጅለ ልኡኻት እቲ ምምሕዳር ከተማ ዝሰርሖም ዘሎ ማእኸላት ስፖርትን ህንፀት ስብእና መናእሰይን ከምኡ እውን ተፈጥሮኣዊ ፀጋ ዘለዎም መናእሰይ ምስ ራእዮም ምርኻብ ዘኽእል ስራሕ ህንፀት ወለዶን ንመካየዲ ዓለም ለኸ ውድድር ስፖርት ዝስራሕ ዘሎ ኢንተርናሽናል ስታዴምን ምዕዛቦም ገሊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም