አትሌት ድርቤ ወልተጂ ኣብ ሎስአንጀለስ ኣብ ዝተኻደ ውድድር ጉያ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ተዓዊታ

 

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት /11/2016 /ኢዜአ/አትሌት ድርቤ ወልተጂ ኣብ ሎስአንጀለስ ኣብ ዝተኻደ ውድድር ጉያ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ተዓዊታ።

ኣትሌት ድርቤ ነቲ ርሕቐት 3 ደቒቓ 55 ሰከንድን 25 ማይክሮ ሰከንድን ብምዝዛም ኢያ ቀዳመይቲ ወፂኣ።

ኣትሌት ፍሬወይኒ ሃይሉ ድማ 3 ደቒቓ 55 ሰከንድን 48 ማይኮሮ ሰከንድን ብምእታው ካልኣይ ደረጃ ከምዝሓዘት ኣብቲ ፌደሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም