ኣብ ሻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ፒኤስጂን ቦሩሲያ ዶርትሙንድን ናብ ፍርቂ ፍፃመ ሓሊፈን - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ሻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ፒኤስጂን ቦሩሲያ ዶርትሙንድን ናብ ፍርቂ ፍፃመ ሓሊፈን
![](/documents/42166/0/%E1%8A%A9%E1%88%B5+%283%29.jpg/589ee832-7aab-00ff-24e8-0324f748243d?version=1.0&t=1713336896186&download=true)
ኣዲስ ኣበባ /ሚያዝያ/9/ 2016 /ኢዜአ/ትማሊ ምሸት ሰዓት 4:00 ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ርብዒ ፍፃመ ሻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ፒኤስጂን ቦሩሲያ ዶርትሙንድን ናብ ፍርቂ ፍፃመ ሓሊፈን።
ባርሴሎና ኣብ ሜዳኣ ንፈረንሳዊት ጋንታ ፓሪስ ሴንት ዠርሜይን (ፒኤስጂ) ኣተኣናጊዳ 4 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ተሳዒራ።
ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፓሪስ ፓርክ ዴፕሪንስ ዝገበረኦ ፀወታ ባርሴሎና 3 ን 2 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ዝተመለሰት ይኹን እምበር ብድምር ውፅኢት 6 ን 4 ብምስዓራ ካብቲ ሻምፒዮና ወፂኣ።
ብካሊእ መዳይ ስፔናዊት ጋንታ ኣትሌቲኮ ማድሪድን ጀርመናዊት ጋንታ ቦሩሲያ ዶርትሙንድን ኣብ ዝገበረኦ ናይ መልሲ ፀወታ ቦሩሲያ ዶርትሙንድ ኣብ ሜዳኣ ሲግናል ኢዱና ፓርክ 4 ን 2 ስዒራ።
ኣብ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ቦሩሲያ ዶርትሙንድ ኣብ ሜዳ ኣትሌቲኮ ማድሪድ ዋንዳ ሜትሮፖሊታኖ 2 ን 1 ትሰዓር እምበር ትማሊ ብዝረኸበቶ ዓወት ብድምር ውፅኢት 5 ን 4 ብምስዓር ናብ ፍርቂ ፍፃመ ሓሊፋ።