ኣብ ሻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ፒኤስጂን ቦሩሲያ ዶርትሙንድን ናብ ፍርቂ ፍፃመ ሓሊፈን

46


 

ኣዲስ ኣበባ /ሚያዝያ/9/ 2016 /ኢዜአ/ትማሊ ምሸት ሰዓት 4:00 ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ርብዒ ፍፃመ ሻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ፒኤስጂን ቦሩሲያ ዶርትሙንድን ናብ ፍርቂ ፍፃመ ሓሊፈን።

ባርሴሎና ኣብ ሜዳኣ ንፈረንሳዊት ጋንታ ፓሪስ ሴንት ዠርሜይን (ፒኤስጂ) ኣተኣናጊዳ 4 1 ብዝኾነ ውፅኢት ተሳዒራ።

ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፓሪስ ፓርክ ዴፕሪንስ ዝገበረኦ ፀወታ ባርሴሎና 3 2 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ዝተመለሰት ይኹን እምበር ብድምር ውፅኢት 6 4 ብምስዓራ ካብቲ ሻምፒዮና ወፂኣ።

ብካሊእ መዳይ ስፔናዊት ጋንታ ኣትሌቲኮ ማድሪድን ጀርመናዊት ጋንታ ቦሩሲያ ዶርትሙንድን ኣብ ዝገበረኦ ናይ መልሲ ፀወታ ቦሩሲያ ዶርትሙንድ ኣብ ሜዳኣ ሲግናል ኢዱና ፓርክ 4 2 ስዒራ።

ኣብ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ቦሩሲያ ዶርትሙንድ ኣብ ሜዳ ኣትሌቲኮ ማድሪድ ዋንዳ ሜትሮፖሊታኖ 2 1 ትሰዓር እምበር ትማሊ ብዝረኸበቶ ዓወት ብድምር ውፅኢት 5 4 ብምስዓር ናብ ፍርቂ ፍፃመ ሓሊፋ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም