ኣብ ኢትዮጵያ ስፖርት ጉስጢት ውፅኢታዊ ንክኸውን ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ከስረሐሉ ይግባእ-ስፖርተኛታት ጉስጢት

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/23/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ኢትዮጵያ ስፖርት ጉስጢት ውፅኢታዊ ንክኸውን ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ከስረሐሉ ከም ዝግባእ ስፖርተኛታት ጉስጢት ሓቢረን

እተን ኣብ መበል 13 ፀወታታት መላእ ኣፍሪካ ወርቂ ዘርከባ ስፖርተኛታት እቲ ዓውዲ ቤተልሄም ገዛኸኝን ቤተል ወልዴ  ድሕሪ ዓመታት ብጉስጢት ስፖርት ደቂ ኣኒስቲዮ ሽም ሃገረን ብምፅወዐን ምሕጓሰን ገሊፀን።

እቲ መድረኽ፥ ንኣትሌታት ፈላማይ ዓለም ለኻዊ ውድድር ምስ ምዃኑን ኣብ ኣክራ ዝነበረ ኣፀጋሚ ኩነታት ከይበደሀንን ተጋጠምተን ምርተዐን ተዛሪበን።

ኣብ ቀፃሊ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ውድድራት ውፅኢት ንምምዝጋብ ከምዝሰርሓ እውን ሓቢረን።

እቲ ዓውዲ ውፅኢታዊ ዝገብር ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ይኹን እንበር ኣብ ኢትዮጵያ ዝተውሃቦ ጠመተ ትሑት

ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ስለዝኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ስፖርት ጉስጢት ውፅኢታዊ ንክኸውን ካብ ፕሮጀከት ጀሚሩ ከስረሐሉ ይግባእ ኢለን።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም