ሰናይት ኣሰፋ፡ ካብ ሰርከስ ትግራይ ኣብ ዓለማዊ መድረኻት ዝደመቐት ኰኾብ

95





 

ሰርከስ ንዓይ ዓለመይ፡ ህይወተይ እዩብምባል እያ ትገልፆ። ህይወተይ ኢላ ካብ ትገልፆን ትነብሮን ዘላ ሕልሚ ቍልዕነታ ዝረኸበቶ ዓብይ ከስቢ፡ንኻልኦት ኣብነት ምዃነይትብል፡ እዛ ኣብ ትግራይ ተወሊዳ ዝዓበየት፡ ኣብ ዓበይቲ መድረኻት ዓለም ብሰርከስ ዝደመቐት ሰናይት ኣሰፋ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እትነብር ዘላ ሰናይት፡ ኣብ ኣሜሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ስጳኛ፡ ስዊዘርላንድ፡ ዱባይ፡ ቻይና፡ ጀርመን፡ ሮማንያ፡ ቤላሩስን ኣውስትራልያን ብዘቕረበቶ ዘደንቕ ምርኢት ኰኾብ መድረኽ ኰይና ደሚቓ ኣላ።

እዛ ኣብ ዓለምለኻዊ ንጥፈታት ሰርከስ እትዋሳእ መንእሰይ ሰናይት፡ ኣብ ትግራይ ከተማ ውቕሮ እያ ተወሊዳ፤ ኣብ ከተማ መቐለ ድማ ዓብያ።

ሰናይት፡ ገና ጓል 11 ዓመት ህጻን እንተላ እያ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ሰርከስ ትግራይ፡ ጥበብ ሰርከስ ዝቐሰመት።

ሰርከስ ትግራይ ንብዙሓት ከምዚ ከማይ ዘፍረየ ገዛ እዩ። ኣነውን ሰርከስ ኣብዚ ምጅማረይ፡ ብጣዕሚ ዕድለኛ እየ።

እታ ብፍቕሪ ሰርከስ ዝተሳሕበት ሰናይት፡ሰርከስ ይትረፍኪ፡ ኣብ ትምህርትኺ ኣድህቢ፡ ዝብል ማዕዳን ፀቕጢ ስድራኣን ማሕበረሰባን በዲሃ ነቲ እትፈትዎ ሞያ ሰርከስ ብፍቕሪ ስዒባቶ።

ኣብ ኢትዮጵያ ይዅን ኣብ ትግራይ ንወለድኻ ኢኻ ትሰምዕ። ወለደይካብ ሰርከስ፡ ትምህርቲ ይሓይሽብምባል፡ ፀቕጢ ይገብሩለይ ነይሮም። ካብ ስድራይ ይዅን ካብ ኣዕሩኽተይ ተቓውሞ ይበዝሓኒ ነይሩ።

ሰባትንቤተሰብኪ ዘይትሰምዒ ሰርከስ እንታይ ክገብረልኪ? ጓል እንድኺ ኣብ ገዛኺ ኮፍ ዘይትብሊ?’ ይብሉኒ ነይሮም። ግን ንሞያ ሰርከስ ስለ ዝፈተኹዎ ውሽጠይ ኣይተቐበሎንትብል፡ ነቲ ዘጋጥማ ዝነበረ ብድሆታት ብምዝካር።

ብሓደ ወገን፡ኣይፋሉን ኣብ ትምህርትኺ ኣድህቢዝብል ማዕዳን ፀቕጥን ወለዳ ክትመልእ፡ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ ንሰርከስ ዘለዋ ድሌት ክተተግብር ግድል ኰይኑዋ።

ትምህርቲ ምሉእ መዓልቲ እመሃር እሞ፡ ኣጋ ምሸት ምስ መሓዛይ ከፅንዕ እየ ኢለ፡ ንወለደይ ኣታሊለ ናብ ሰርከስ ይኸይድ። ሓደ ሓደ ግዘ ኣቦይን ኣደይን ከይጥርጥሩኒ፡ ሰርከስ ዝሰርሐሉታይትብውሽጢ፡ ብላዕሊ ድማ ቀምሽ ተኸዲነ፡ ደብተርን ቦርሳን ሒዘ እየ ዝኸይድ ነይረ።

ASSEFA

ብሰንኪ ድሌት ጓሎም ስድራ እንዳ ኣቦይ ኣሰፋ ኣብ ክልተ ተኸፈለ

ኣደይ መምህርውን ስለ ዝዀነት፡ ንኣቦይ፡ድሌታ እንተዀይኑ ሰርከስ ትቐፅልትብሎ ነይራ፤ ኣቦይ ግን ኣይተቐበላን።

ናብ ሰርከስ ኣብ ትኸደሉ እዋን፡ ወላዲታናብ ዕዳጋ እየ ልኢኸያእናበለት ብዙሕ እዋን ትሽፍነላ ከም ዝነበረት ትዝክር። ሓደ መዓልቲ ግን፡ ሕዚ ብሂወት ምስ ዘየለዉ ወላዲኣ ኣይተ ኣሰፋ ጐፍ ንጐፍ ክትገጥም ዝገብር ህሞት ተፈጠረ። ሰናይት ነታ መዓልቲ እቲኣ ፍፁም ኣይትርሰዓን።

ንምርኢት ኣብ ንለማመደሉ ዝነበርና እዋን፡ ኣብኡ ሓዲረ። ኣቦይ ካብ ስራሕ ኣምስዩ መጺኡ ይድቅስ እሞ፡ ንግሆ ተሲኡሰናይት ናበይ ከይዳ?’ ኢሉ ይሓትት። ኣደይልኢኸያኢላ። ሃንደበት ንሓፍተይ ይሓታ እሞ፡ገዛ ኣይሓደረትንትብሎ። ኣቦይ፡ ናብቲ ሰርከስ ዝሰርሐሉ ቦታ ሓታቲቱ መፂኡ። ርእይ ምስ ኣበልኽዎ ብስምባደ መኺኸከመይ ገይሩ ኣግንዩኒ ኢለ ደንጊፀናብ ገዛ ወሲዱ ሓመድ ድፋጫይ ኣውፂኡኒ። እቲ መውቃዕቲ ግን ዝያዳ ፍቕሪ ሰርከስ ኣሕዲሩለይትብል።

ወላዲኣ፡ ሰናይት ኣብ ናይ ውልቀ ቤት ትምህርቲ ምሉእ መዓልቲ ክትመሃር ካብ ምግባር ሓሊፎም፡ ጓሎም ናብ ሰርከስ ንከይትኸይድ የኽእል እዩ ዝበልዎ ኵሉ ገይሮም፡ ኣይሰመረሎምን።

'ሕልመይ ዘግሃደ ዕድል'

ሰናይት ኣሰፋ፡ ኣብ ውድድር ሮማንያ ታለንት

ሰናይት እግሪ እግሪ ኣቦኣ ሓልያ ሞሊቓ ናብ ሰርከስ ክትኸይድ፡ ኣይት ኣሰፋ ኣብ ገዛኣ ኣብ ዝሰኣኑዋ ክቝጥዑ ዓመታት ሓሊፉ።

ሓደ እዋን ግና ሓንቲ ሞንጐልያዊት ኣሰልጣኒት ሰርከስ፡ ኣብ ሰርከስ ዝነጥፋ ኣዋልድ ክትምልምል፡ ናብ መቐለ መፀት።

ምምፃእ እዛ ወፃእተኛ፡ ንሰናይትሕልማ ዘግሃደ ዕድልኰነ። ሓደ ምስ ወላዲኣ ዝነበራ ኣፈላላይ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ክትፈትሕ፡ ካልኣይ ድማ መፃኢኣ ንኸተጣጥሕ፡ ትብዓት ኣስነቓ።

ንኣቦይ እዚ ዓብይ ዕድል ስለዝዀነ፡ ሰርከስ ክሰርሕ ክትፈቕደለይ ኣለካ። ናብ ትምህርቲውን ኣይኸይድን ኢለዮ። ኣይተቐበሎንእታ ሞንጐልያዊት ናብ ዘዳለወቶ ዕፁው መሰልጠኒ ቦታ፡ ንኽልተ ሰሙን ካብ ገዛ ጠፊአ ከይደ።

ምጥፋእ ሰናይት፡ ወላዲኣ ኣብ መወዳእታ ንድሌት ጓሎም ክቕበሉ ኣገዲዱዎም።

 

ሰናይት፡ ድሕሪ እቲ በታ ሞንጐልያዊት ዝረኸበቶ ስልጠናን ዕድልን፡ ጓል 14 ዓመት እንተላ፡ በቲ እትፈትዎን ልዕሊ ትምህርቲ ቀዳምነት ዝሃበቶን ሞያ ናብ ቻይና ብምኻድ፡ ንፈለማ እዋን ንዓለምለኸ ተመልከትቲ ብጕጅለ ምርኢት ሰርከስ ኣርአየት።

ኣብ ቻይና ንክልተ ወርሒ ዝገበርክዎ ጕዕዞ ሰርከስ ፅቡቕን ዕዉትን ነይሩ። ገና ጓል 14 ዓመት ኰይነ፡ እሞ ድማ ንመጀመርታ እዋን ካብ ዓደይ ወፂአ ምርኢት ዘርኣኹሉ፣ ዝቃወሙኒ ዝነበሩውን፡በቃ ሰርከስ መገዲ ህይወታኢሎም ምቅዋሞም ገዲፎም ክቕበሉኒ ዘኽኣለ ስለዝነበረ፡ ኣብ ህይወተይ ዘይርስዖ መድረኽትብል።

እዚ ኣብ ቻይና ዝነበራ መድረኽ፡ ሰናይት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ምርኢት ከተቕርብ ኣፍደገ ዝኸፈተ ዕድል ነይሩ። ሰናይት ድሕሪ ናይ ቻይና መገሻኣ፡ ኣብ ዱባይ፡ ስጳኛን ስዊዘርላንድን ምስ ጕጅለ ሰርከስ ምርኢት ኣቕሪባ።

ብድሕሪ እዚ ድማ፡ ብውልቃ ብዙሕ ዕድላት ረኺባ።

ሓቂ ንምዝራብ ብጕጅለ ምስራሕ ብሕታውነት ከይስመዓካ ዝገብር እንተዀነ፡ ብውልቅኻ ምስራሕ ግን ንርእስኻ ሓላፍነት ስለ እትወስድ ክትጥንክር ይገብረካዩ፤ ካብ ብጕጅለ ብውልቀይ ዝሰራሕኽዎ ስራሕ ዕውትቲ ክኸውን ኣኽኢሉኒ ኢለ እሓስብትብል።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንምርኢት ኣብ ትኸደሉ ኣባላት ጕጅለኣ ዝነበራ መሓዙታ፡ ኣብ ዘዝኸዳኦ ሃገር ክተርፋ እንከተዋ፡ ሰናይት ነዚ ኣይመረጸቶን።

ብዝወጻእክዎ ክተርፍ ኣይደለኹን፤ ምኽንያቱ ብኽእለተይ ክዕወት እናኽኣልኩ ንምንታይ እየ ዝተርፍ? ኢለ እየ ዝኣምን። ኣብ ዝጠዓመካ ሃገር ንምትራፍ ቀሊል እዩ ነይሩ፤ ግና ካብ ናይ ህይወት መስመርካ እዩ ዘውፅአካትብል፡ ሰባት ንዕላማኦም ጽኑዓት ክዀኑ ከም ዘለዎም ብምሕባር።

እምበር እቲ ነብሳ ዓፅሚ ኣለዎ ?’

 

ኣብ ኣሜሪካ ውድድርኣሜሪካስ ጎት ታለንት ላስቬጋስ፡ ኒውዮርክ፡ ጀርመን፡ ሮማንያ- ‘ሮማንያ ጎት ታለንት ቤላሩስ፡ ኣውስትራልያ-‘ሲድኒ ኦፍ ሃውስን፡ ዓባይ ብሪጣንያ-‘ለንደን ፓላድዮን፡ ሰናይት ኣብ መድረኽ ክትደምቕን ሰብነታ ክተዓፃፀፍን ብቐጥታ ዝተዓዘቡ ተመልከትቲ፡ ብኽእለታ ተደኒቘምን ንኢዶማን እዮም።

ሰናይት ኣሰፋ ምስ ዳኛኣሜሪካስ ጎት ታለንትሳይመን ኮወል፡ ኣብ ሎስኣንጀለስ ውድድርኣሜሪካስ ጎት ታለንትምስ ሰርከስ ዲሰለይ ምርኢት ኣብ ዘቕረበትሉ እዋን

ሰናይት እትሰርሖ ቅዲ ሰርከስኮንትሮሽን’ (ምትዕጽጻፍ) ዝበሃል ኰይኑ፡ ኣብ መድረኽ ደይባ ትፈጥሮም ዓይነታት ምርኢታትን ምህዞታትን፡ ንተዓዘብቲ ኣብ ኣድናቘት ኣጥሒሉ፡እምበር እቲ ነብሳ ዓፅሚ ኣለዎ ?’ ብምባል ኣስደሚሙዎምዩ። ሰብነታ ከም ፕላስቲክ ዝተዓጻጸፍ።

እዚ ዓይነት ቅዲ ቀሊል ከም ዘይኮነ እትገልፅ ሰናይት፡ ክንዮ እቲ ተፈጥሮኣዊ ብቕዓታ ተዓጻጻፍነት ሰብነታ ንምቕጻል፡ መዓልታዊ ልምምድ ከም ትገብር ትገልፅ።

ቈልዓ ኰይነ ሰርከስ እንትሰርሕ፡ ሕማም ዝስመዓኒ ኣይመስለንን፤ ሕቘይ ብተፈጥሮ ብጣዕሚ ዝዕፀፍ። እቲ ስራሕ እናማዕበልክዮ ምስ ትመፂ ግና፡ ቅሩብ እናኸበደ እዩ ዝኸይድ። ስለዚ ተዓጻጻፋይነት ሰብነተይ ንምሕላው፡ መዓልታዊ ንኽልተ ሰዓት ልምምድ እገብርትብል።

ካብ መዓልታዊ ልምምድ ብተወሳኺ፡ ምግብታት ኣገዳሲ ተራ ስለዝህልዎም፡ እትበልዖም ምግብታትውን ተጠንቂቓን መሪፃን እያ ትምገብ።

ደቂኣንስትዮ መፃኢአን ብርሃን እዩ። ኣነ ኵሉ ግዘ መፃእየይ እየ ዝሓስብ፤ መፃኢኺ ትሓስቢ እንተዄንኪ ብግዝያዊ ነገር ኣይትታለልን።ሕዚ እንታይ እየ ዝገብር ዘለኹ? ንመፃኢ እንታይ እየ ክኸውን ዝደልይ?’ ኢለን ንባዕለን እንተሓቲተን፡ እቲ መልሲ ክረኽብኦ እየንብምባል፡ ተመኵሮ ህይወታ ተካፍል።

ሰናይት፡ ካብቲ እትፈትዎ ሰርከስ ብተወሳኺ፡ ንርእሳ ኣብ ኢንዳስትሪ ፊልምውን ክትርእያ ትብህግ። ነዚ ድሌታ ጋህዲ ንምግባር ድማ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ለንደን ኮሌጅ ሲቲ ሊት-City Lit College ትምህርቲ ተዋስኦንሞካፕ ትመሃር ኣላ።

ካብ ሰርከስ ብተወሳኺኣክቲንግእፈቱ እየ። ምስ ኮንትሮሽን (ምትዕፅፃፍ) ብዝዛመድ ናብ ፊልም ክኣቱ እደሊ። ነዚ ኣብ ዝምችው ፅቡቕ ዓዲ ስለዘለኹ፡ ንድሌተይ የማዕብሎ ኣለኹትብል።

እዛ ኰኾብ ሰርከስ ዝዀነት ሰናይት ኣሰፋ፡ ገና ጓል 11 ዓመት ኰይና ኢላ ኣብ ዝጀመረቶ ጥበብ ሰርከስ፡ 13 ዓመታት ሰሪሓ ኣላ።

ፈተና ህይወት ሰጊረ ኣብዚ ብርኪ ምብፃሕ፣ ኣሰልጠንተይ እቲ ዝሓለፍክዎ ፈተና ተረዲእዎም ድማ ንኻልኦት ከም ኣብነት ክገልፁኒ ምርኣይ፣ ንካልኦት ኣዋልድ ኣብነት ምዃነይ ብጣዕሚ እሕጎስን ፅቡቕ እስመዓንን። እዘን ኣዋልድ እውን ይጥንክራትብል።

እዚ ኣብ ልባ ዝሓደረ ፅቡቕ ስምዒት ከኣ፡ ኣዋልድ ሰገናት በቲ ንሳ ዝሓለፈቶ ብድሆ ከይሓልፋ፡ ንመፃኢ ዓብይ ሕልሚ ክትሕልን ከም ዝደረኻ ትገልፅ።

ኣምላኽ ዓድና ሰላም እንተገይሩልና፡ ኣነ ብሰርከስ ዝረኸብክዎ ዕድልን ዓወትን፡ ካልኦት ኣዋልድውን ንክረኽብኦ፡ ኣብ ትግራይ ቤት-ትምህርቲ ሰርከስ ብምኽፋት፡ ንኣዋልድ ሰርከስ ከምህር እምነብምባል፡ ንቢቢሲ ባህጊ ፅባሓ ገሊፃ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም