ሰናይት ኣሰፋ፡ ካብ ሰርከስ ትግራይ ኣብ ዓለማዊ መድረኻት ዝደመቐት ኰኾብ - ኢዜአ ትግርኛ
ሰናይት ኣሰፋ፡ ካብ ሰርከስ ትግራይ ኣብ ዓለማዊ መድረኻት ዝደመቐት ኰኾብ

ኣብዚ እዋን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እትነብር ዘላ ሰናይት፡ ኣብ ኣሜሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ስጳኛ፡ ስዊዘርላንድ፡ ዱባይ፡ ቻይና፡ ጀርመን፡ ሮማንያ፡ ቤላሩስን ኣውስትራልያን ብዘቕረበቶ ዘደንቕ ምርኢት ኰኾብ መድረኽ ኰይና ደሚቓ ኣላ።
እዛ ኣብ ዓለምለኻዊ ንጥፈታት ሰርከስ እትዋሳእ መንእሰይ ሰናይት፡ ኣብ ትግራይ ከተማ ውቕሮ እያ ተወሊዳ፤ ኣብ ከተማ መቐለ ድማ ዓብያ።
“ሰርከስ ትግራይ ንብዙሓት ከምዚ ከማይ ዘፍረየ ገዛ እዩ። ኣነ’ውን ሰርከስ ኣብዚ ምጅማረይ፡ ብጣዕሚ ዕድለኛ እየ።”
እታ ብፍቕሪ ሰርከስ ዝተሳሕበት ሰናይት፡ ‘ሰርከስ ይትረፍኪ፡ ኣብ ትምህርትኺ ኣድህቢ፡ ዝብል ማዕዳን ፀቕጢ ስድራኣን ማሕበረሰባን በዲሃ ነቲ እትፈትዎ ሞያ ሰርከስ ብፍቕሪ ስዒባቶ።
“ኣብ ኢትዮጵያ ይዅን ኣብ ትግራይ ንወለድኻ ኢኻ ትሰምዕ። ወለደይ ‘ካብ ሰርከስ፡ ትምህርቲ ይሓይሽ’ ብምባል፡ ፀቕጢ ይገብሩለይ ነይሮም። ካብ ስድራይ ይዅን ካብ ኣዕሩኽተይ ተቓውሞ ይበዝሓኒ ነይሩ።
ሰባት ‘ንቤተሰብኪ ዘይትሰምዒ ሰርከስ እንታይ ክገብረልኪ’ዩ? ጓል እንድኺ ኣብ ገዛኺ ኮፍ ዘይትብሊ?’ ይብሉኒ ነይሮም። ግን ንሞያ ሰርከስ ስለ ዝፈተኹዎ ውሽጠይ ኣይተቐበሎን” ትብል፡ ነቲ ዘጋጥማ ዝነበረ ብድሆታት ብምዝካር።
ብሓደ ወገን፡ ‘ኣይፋሉን ኣብ ትምህርትኺ ኣድህቢ’ ዝብል ማዕዳን ፀቕጥን ወለዳ ክትመልእ፡ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ ንሰርከስ ዘለዋ ድሌት ክተተግብር ግድል ኰይኑዋ።
“ትምህርቲ ምሉእ መዓልቲ እመሃር እሞ፡ ኣጋ ምሸት ምስ መሓዛይ ከፅንዕ እየ ኢለ፡ ንወለደይ ኣታሊለ ናብ ሰርከስ ይኸይድ። ሓደ ሓደ ግዘ ኣቦይን ኣደይን ከይጥርጥሩኒ፡ ሰርከስ ዝሰርሐሉ ‘ታይት’ ብውሽጢ፡ ብላዕሊ ድማ ቀምሽ ተኸዲነ፡ ደብተርን ቦርሳን ሒዘ እየ ዝኸይድ ነይረ።”
ብሰንኪ ድሌት ጓሎም ስድራ እንዳ ኣቦይ ኣሰፋ ኣብ ክልተ ተኸፈለ…።
“ኣደይ መምህር’ውን ስለ ዝዀነት፡ ንኣቦይ፡ ‘ድሌታ እንተዀይኑ ሰርከስ ትቐፅል’ ትብሎ ነይራ፤ ኣቦይ ግን ኣይተቐበላን።”
ናብ ሰርከስ ኣብ ትኸደሉ እዋን፡ ወላዲታ ‘ናብ ዕዳጋ እየ ልኢኸያ’ እናበለት ብዙሕ እዋን ትሽፍነላ ከም ዝነበረት ትዝክር። ሓደ መዓልቲ ግን፡ ሕዚ ብሂወት ምስ ዘየለዉ ወላዲኣ ኣይተ ኣሰፋ ጐፍ ንጐፍ ክትገጥም ዝገብር ህሞት ተፈጠረ። ሰናይት ነታ መዓልቲ እቲኣ ፍፁም ኣይትርሰዓን።
“ንምርኢት ኣብ ንለማመደሉ ዝነበርና እዋን፡ ኣብኡ ሓዲረ። ኣቦይ ካብ ስራሕ ኣምስዩ መጺኡ ይድቅስ እሞ፡ ንግሆ ተሲኡ ‘ሰናይት ናበይ ከይዳ?’ ኢሉ ይሓትት። ኣደይ ‘ልኢኸያ’ ኢላ። ሃንደበት ንሓፍተይ ይሓታ እሞ፡ ‘ገዛ ኣይሓደረትን’ ትብሎ። ኣቦይ፡ ናብቲ ሰርከስ ዝሰርሐሉ ቦታ ሓታቲቱ መፂኡ። ርእይ ምስ ኣበልኽዎ ብስምባደ መኺኸ…ከመይ ገይሩ ኣግንዩኒ ኢለ ደንጊፀ…ናብ ገዛ ወሲዱ ሓመድ ድፋጫይ ኣውፂኡኒ። እቲ መውቃዕቲ ግን ዝያዳ ፍቕሪ ሰርከስ ኣሕዲሩለይ” ትብል።
ወላዲኣ፡ ሰናይት ኣብ ናይ ውልቀ ቤት ትምህርቲ ምሉእ መዓልቲ ክትመሃር ካብ ምግባር ሓሊፎም፡ ጓሎም ናብ ሰርከስ ንከይትኸይድ የኽእል እዩ ዝበልዎ ኵሉ ገይሮም፡ ኣይሰመረሎምን።
'ሕልመይ ዘግሃደ ዕድል'
ሰናይት እግሪ እግሪ ኣቦኣ ሓልያ ሞሊቓ ናብ ሰርከስ ክትኸይድ፡ ኣይት ኣሰፋ ኣብ ገዛኣ ኣብ ዝሰኣኑዋ ክቝጥዑ ዓመታት ሓሊፉ።
ሓደ እዋን ግና ሓንቲ ሞንጐልያዊት ኣሰልጣኒት ሰርከስ፡ ኣብ ሰርከስ ዝነጥፋ ኣዋልድ ክትምልምል፡ ናብ መቐለ መፀት።
ምምፃእ እዛ ወፃእተኛ፡ ንሰናይት “ሕልማ ዘግሃደ ዕድል” ኰነ። ሓደ ምስ ወላዲኣ ዝነበራ ኣፈላላይ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ክትፈትሕ፡ ካልኣይ ድማ መፃኢኣ ንኸተጣጥሕ፡ ትብዓት ኣስነቓ።
“ንኣቦይ እዚ ዓብይ ዕድል ስለዝዀነ፡ ሰርከስ ክሰርሕ ክትፈቕደለይ ኣለካ። ናብ ትምህርቲ’ውን ኣይኸይድን ኢለዮ። ኣይተቐበሎን… እታ ሞንጐልያዊት ናብ ዘዳለወቶ ዕፁው መሰልጠኒ ቦታ፡ ንኽልተ ሰሙን ካብ ገዛ ጠፊአ ከይደ።”
ምጥፋእ ሰናይት፡ ወላዲኣ ኣብ መወዳእታ ንድሌት ጓሎም ክቕበሉ ኣገዲዱዎም።
ሰናይት፡ ድሕሪ እቲ በታ ሞንጐልያዊት ዝረኸበቶ ስልጠናን ዕድልን፡ ጓል 14 ዓመት እንተላ፡ በቲ እትፈትዎን ልዕሊ ትምህርቲ ቀዳምነት ዝሃበቶን ሞያ ናብ ቻይና ብምኻድ፡ ንፈለማ እዋን ንዓለምለኸ ተመልከትቲ ብጕጅለ ምርኢት ሰርከስ ኣርአየት።
“ኣብ ቻይና ንክልተ ወርሒ ዝገበርክዎ ጕዕዞ ሰርከስ ፅቡቕን ዕዉትን ነይሩ። ገና ጓል 14 ዓመት ኰይነ፡ እሞ ድማ ንመጀመርታ እዋን ካብ ዓደይ ወፂአ ምርኢት ዘርኣኹሉ፣ ዝቃወሙኒ ዝነበሩ’ውን፡ ‘በቃ ሰርከስ መገዲ ህይወታ’ዩ’ ኢሎም ምቅዋሞም ገዲፎም ክቕበሉኒ ዘኽኣለ ስለዝነበረ፡ ኣብ ህይወተይ ዘይርስዖ መድረኽ’ዩ” ትብል።
እዚ ኣብ ቻይና ዝነበራ መድረኽ፡ ሰናይት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ምርኢት ከተቕርብ ኣፍደገ ዝኸፈተ ዕድል ነይሩ። ሰናይት ድሕሪ ናይ ቻይና መገሻኣ፡ ኣብ ዱባይ፡ ስጳኛን ስዊዘርላንድን ምስ ጕጅለ ሰርከስ ምርኢት ኣቕሪባ።
ብድሕሪ እዚ ድማ፡ ብውልቃ ብዙሕ ዕድላት ረኺባ።
“ሓቂ ንምዝራብ ብጕጅለ ምስራሕ ብሕታውነት ከይስመዓካ ዝገብር’ኳ እንተዀነ፡ ብውልቅኻ ምስራሕ ግን ንርእስኻ ሓላፍነት ስለ እትወስድ ክትጥንክር ይገብረካ’ዩ፤ ካብ ብጕጅለ ብውልቀይ ዝሰራሕኽዎ ስራሕ ዕውትቲ ክኸውን ኣኽኢሉኒ ኢለ እሓስብ” ትብል።
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንምርኢት ኣብ ትኸደሉ ኣባላት ጕጅለኣ ዝነበራ መሓዙታ፡ ኣብ ዘዝኸዳኦ ሃገር ክተርፋ እንከተዋ፡ ሰናይት ነዚ ኣይመረጸቶን።
“ብዝወጻእክዎ ክተርፍ ኣይደለኹን፤ ምኽንያቱ ብኽእለተይ ክዕወት እናኽኣልኩ ንምንታይ እየ ዝተርፍ? ኢለ እየ ዝኣምን። ኣብ ዝጠዓመካ ሃገር ንምትራፍ ቀሊል እዩ ነይሩ፤ ግና ካብ ናይ ህይወት መስመርካ እዩ ዘውፅአካ” ትብል፡ ሰባት ንዕላማኦም ጽኑዓት ክዀኑ ከም ዘለዎም ብምሕባር።
‘እምበር’ከ እቲ ነብሳ ዓፅሚ ኣለዎ ዶ?’
ኣብ ኣሜሪካ ውድድር ‘ኣሜሪካስ ጎት ታለንት’፡ ላስቬጋስ፡ ኒውዮርክ፡ ጀርመን፡ ሮማንያ- ‘ሮማንያ ጎት ታለንት’፡ ቤላሩስ፡ ኣውስትራልያ-‘ሲድኒ ኦፍ ዘ ሃውስ’ን፡ ዓባይ ብሪጣንያ-‘ለንደን ፓላድዮ’ን፡ ሰናይት ኣብ መድረኽ ክትደምቕን ሰብነታ ክተዓፃፀፍን ብቐጥታ ዝተዓዘቡ ተመልከትቲ፡ ብኽእለታ ተደኒቘምን ንኢዶማን እዮም።
ሰናይት እትሰርሖ ቅዲ ሰርከስ ‘ኮንትሮሽን’ (ምትዕጽጻፍ) ዝበሃል ኰይኑ፡ ኣብ መድረኽ ደይባ ትፈጥሮም ዓይነታት ምርኢታትን ምህዞታትን፡ ንተዓዘብቲ ኣብ ኣድናቘት ኣጥሒሉ፡ ‘እምበር’ከ እቲ ነብሳ ዓፅሚ ኣለዎ ዶ?’ ብምባል ኣስደሚሙዎም’ዩ። ሰብነታ ከም ፕላስቲክ’ዩ ዝተዓጻጸፍ።
እዚ ዓይነት ቅዲ ቀሊል ከም ዘይኮነ እትገልፅ ሰናይት፡ ክንዮ እቲ ተፈጥሮኣዊ ብቕዓታ ተዓጻጻፍነት ሰብነታ ንምቕጻል፡ መዓልታዊ ልምምድ ከም ትገብር ትገልፅ።
“ቈልዓ ኰይነ ሰርከስ እንትሰርሕ፡ ሕማም’ኳ ዝስመዓኒ ኣይመስለንን፤ ሕቘይ ብተፈጥሮ ብጣዕሚ’ዩ ዝዕፀፍ። እቲ ስራሕ እናማዕበልክዮ ምስ ትመፂ ግና፡ ቅሩብ እናኸበደ እዩ ዝኸይድ። ስለዚ ተዓጻጻፋይነት ሰብነተይ ንምሕላው፡ መዓልታዊ ንኽልተ ሰዓት ልምምድ እገብር” ትብል።
ካብ መዓልታዊ ልምምድ ብተወሳኺ፡ ምግብታት ኣገዳሲ ተራ ስለዝህልዎም፡ እትበልዖም ምግብታት’ውን ተጠንቂቓን መሪፃን እያ ትምገብ።
ሰናይት፡ ካብቲ እትፈትዎ ሰርከስ ብተወሳኺ፡ ንርእሳ ኣብ ኢንዳስትሪ ፊልም’ውን ክትርእያ ትብህግ። ነዚ ድሌታ ጋህዲ ንምግባር ድማ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ለንደን ኮሌጅ ሲቲ ሊት-City Lit College ትምህርቲ ተዋስኦን ‘ሞካፕ’ን ትመሃር ኣላ።
“ካብ ሰርከስ ብተወሳኺ ‘ኣክቲንግ’ እፈቱ እየ። ምስ ኮንትሮሽን (ምትዕፅፃፍ) ብዝዛመድ ናብ ፊልም ክኣቱ እደሊ። ነዚ ኣብ ዝምችው ፅቡቕ ዓዲ ስለዘለኹ፡ ንድሌተይ የማዕብሎ ኣለኹ” ትብል።
እዛ ኰኾብ ሰርከስ ዝዀነት ሰናይት ኣሰፋ፡ ገና ጓል 11 ዓመት ኰይና ሀ ኢላ ኣብ ዝጀመረቶ ጥበብ ሰርከስ፡ ን13 ዓመታት ሰሪሓ ኣላ።
“ፈተና ህይወት ሰጊረ ኣብዚ ብርኪ ምብፃሕ፣ ኣሰልጠንተይ እቲ ዝሓለፍክዎ ፈተና ተረዲእዎም ድማ ንኻልኦት ከም ኣብነት ክገልፁኒ ምርኣይ፣ ንካልኦት ኣዋልድ ኣብነት ምዃነይ ብጣዕሚ እሕጎስን ፅቡቕ እስመዓንን። እዘን ኣዋልድ እውን ይጥንክራ” ትብል።
እዚ ኣብ ልባ ዝሓደረ ፅቡቕ ስምዒት ከኣ፡ ኣዋልድ ሰገናት በቲ ንሳ ዝሓለፈቶ ብድሆ ከይሓልፋ፡ ንመፃኢ ዓብይ ሕልሚ ክትሕልን ከም ዝደረኻ ትገልፅ።
“ኣምላኽ ዓድና ሰላም እንተገይሩልና፡ ኣነ ብሰርከስ ዝረኸብክዎ ዕድልን ዓወትን፡ ካልኦት ኣዋልድ’ውን ንክረኽብኦ፡ ኣብ ትግራይ ቤት-ትምህርቲ ሰርከስ ብምኽፋት፡ ንኣዋልድ ሰርከስ ከምህር እምነ” ብምባል፡ ንቢቢሲ ባህጊ ፅባሓ ገሊፃ።