ኣትሌት መዲና ኢሳ ብትሕቲ 20 ዓመት ውድድር ጒያ 5 ኪሎ ሜትሮ ክብረ ወሰን ዓለም ሰይራ

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/19/ 2016 /ኢዜአ/ኣትሌት መዲና ኢሳ ኩባኒያ ኣዲዳስ ኣብ ዘሰናደኦ ትሕቲ 20 ዓመት ውድድር ጒያ 5 ኪሎ ሜትሮ ክብረ ወሰን ዓለም ብምስባር ተዓዊታ።

እታ ጓል 19 ዓመት ኣትሌት፥ ነቲ ርሕቐት 14 ደቒቓን 38 ሰከንድን ብምዝዛም ኢያ ተዓዊታ።

ኣትሌት መልክናት ውዱ ካልአይቲ፣ ፎቲየን ተስፋይ ሳልሰይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድረን ዛዚመን።

ብደቂ ተባዕቲዮ ድማ፥ ኣትሌት ዮሚፍ ቀጀልቻ 13 ደቒቓ ብምእታው ተዓዊቱ።

ይሁኔ ኣዲሱ 5 ሰከንድታት ድሒሩ ብምእታው ካልኣይ ደረጃ ሒዙ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም