ጉያ ጎደና 10 ኪሎ ሜትሮ-  ኢትዮጵያ ተፍርይ ንምክያድ ዝግበር ምድላው ተዛዚሙ

60

 

አዲስ አበባ/ሚያዚያ/9/2016/ኢዜአ/13 ሚያዝያ 2016 . ንዝካየድ ጉያ ጎደና 10 ኪሎ ሜትሮ-  ኢትዮጵያ ተፍርይ ምድላው ከምዝተዛዘመ ሚኒስትር ዴኤታ ኢንዱስትሪ ታረቀኝ ቡሉልታ ገሊፆም።

እቲ ጉያ ዘፈር ኣፍራይ ኢንዱስትሪ ምስ ስፖርት ንምትእስሳርን ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ፈርዮም ናብ ዓለም ለኸ ክለባት ዝቐርቡ ዕጥቅታት ንምፍላጥን ዝዓለመ ምዃኑ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ተዛሪቦም።

ልዕሊ 10 ሽሕ ውልቀሰባት ኣብቲ ጉያ ንምስታፍ ዝተመዝገቡ እንትኸውን ካብ 22 ክለባት ዝተውፃእፅኡ ኣትሌታት 'ውን ክሳተፉ 'ዮም።

ኣብ ውድድር ጉያ ኢትዮጵያ ተፍርይ ብምስታፍ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሓምሻይ ንዝወፁ ኣፍረይቲ ተወዳደርቲ ክሳብ 250 ሽሕ ብር፣ ንክለባት ክሳብ 100 ሽሕ ብር ሽልማት ከምዝተዳለወ ሚኒስትር ዴኤታ ታረቀኝ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም