ጋንታታት ትግራይ ካብ 2017 ጀሚረን ቅድሚ ኲናት ናብ ዝነበረኦ ሊግ ተመሊሰን ንኽወዳደራ ውሳነ ተመሓላሊፉ

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/23/ 2016 /ኢዜአ/ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ክልል ትግራይ ካብ 2017 ጀሚረን ቅድሚ ኲናት ናብ ዝነበረኦ ሊግ ተመሊሰን ንኽወዳደራ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ብዝገበሮ ስሩዕ ኣኼባ ጋንታታት ክልል ትግራይ ካብ 2017 . ጀሚሩ ሙሉእ ብሙሉእ ቅድሚ ኲናት እናተወዳደራሉ ናብ ዝነበራ ሊግ ተመሊሰን ንኽወዳደራ ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ቅድሚ ሕዚ ኣመሓላሊፉዎ ዝነበረ ውሳነ ሙሉእ ብሙሉእ ብምስራዝ ካብ 2017 . ጀሚሩ እተን ጋንታታት ቅድሚ ኲናት እናተወዳደራሉ ናብ ዝነበራ ሊግ ተመሊሰን ንኽወዳደራ ካብ መንግስቲ ዘቕረቦ ኣንፈት ብምቕባል ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ እቲ ውሳነ ተግባራዊ ንኽገብሩ ንዝምልከቶም ኣካላት ብደብዳበ ከምዘፍለጠ ገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም