ፖለቲካ
እቲ ሃገራዊ ስምብራት ተረኽ ኢትዮጵያ ዝፅግን መሰረት ኣንቢሩ እዩ
Apr 2, 2026 1410
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 24/2018 (ኢዜኣ) እቲ ሃገራዊ ስምብራት ተረኽ ኢትዮጵያ ዝፅግን መሰረት ከም ዘንበረ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዋና ተፀዋዒ መንግሥቲ ሚኒስትር ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር) ገሊፆም። ሚኒስትር ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር) ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ሃገራዊ ለውጢ 24 መጋቢት 2010 ዓ/ም ሓባራዊ ዕቤት ብምስላጥ ስምብራት ተረኽ ኢትዮጵያ ዝፅግን መሰረት ኣንቢሩ እዩ። ኣወንታዊ ተረኽ ዝተረጋግዐ ሃገረ መንግሥቲ ብምህናፅ ዝማዕበለት ሃገር ንምህናፅ ወሳኒ እጃም ከም ዘለዎ እውን ሓቢሮም። ብኣንፃሩ ብኣሉታዊ መንገዲ ዝተሃነፀ ተረኽ ድማ ምትእስሳር ዜጋታት ብምልሕላሕ ንዘላቒ ሰላምን ድሕንነትን ፀገም ብምፍጣር ሃገር ክሳብ ምብታን ዘብፅሕ ሓደጋ ከም ዘስዕብ ኣረዲኦም። ኣብ ዘበናዊ ታሪኽ ኢትዮጵያ ቅድሚ 24 መጋቢት 2010 ዓ/ም ነባራዊ ሓቅትታ ዜጋታት ብምኽሓድ ፍፁም ነፃፀልትን ጨፍለቕትን ተረኻት ክስበኹ ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሮም። ኢትዮጵያውያን ብደምን ኣዕፅምቶምን ንኩሎም ጭቁናት ህዝብታት ትእምርት ዝኸውን ዓወት ዓድዋ ምሕፋስ ዝኸኣሉ ስልጡናት ህዝብታት ኮይኖም እናሃለዉ ብምኽንያት ስሑት ተረኽ ክባር ዋጋ እናኸፈሉ ከም ዝፀንሑ ተዛሪቦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ 24 መጋቢት 2010 ዓ/ም ቃል ካብ ዝኣተውዎም ዋና ዋና ሃገራዊ ኣተሓሳስባታት ህንፀት ሓባራዊ ተረኽ እቲ ወሳኒ እዩ ኢሎም። ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ፅባሕ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ዘተኣኻኽብን ሓባራውን ሓቂ ብምህናፅ ኣፈላላያትን ዘይምርድዳኣትን ብዝሰልጠነ ዘተን ዕርቅን ምፍታሕ ዘኽእል ወሳኒ ስጉምቲ ከም ዝተወሰደ ኣብራህሪሆም። ኢትዮጵያውያን ብሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ዝደመቐን ዘበናት ዝተሳገረን ሓባራዊ ታሪኽን ከም ዓድዋ ዝበሉ ዓለም ለኸ ሓባራዊ ፀጋታትን ዘለዎም ህዝብታት ከም ዝኾኑ እውን ገሊፆም። ኣፍሪካውያን ካብ ባርነት ነፃ ዝወፅሉ ዝዝክርሉ ሓወልቲ ከም ዘለዎም ብምግላፅ፤ ምልክት ነፃነት ኩሎም ፀለምቲ ህዝብታት ዝኾነት ኢትዮጵያ ግና ዓወት ዓድዋ ዝዝክር ሓወልቲ ከም ዘይነበራ ተዛሪቦም። ነዚ ድማ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ፍፃመ ሓባራዊ ገድልን ታሪኽን ኢትዮጵያውያን ዝኾነ ዓወት ዓድዋ ዝዝክርን ንህንፀት ዘተኣኻኽብ ተረኽ መሳርሒ ዝኾነን መዘከርታ ሓወልቲ ከም ዝሰርሐ ፀሪሖም። ዳግማዊ ዓድዋ 21 ክፍለ ዘበን ዝኾነ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ እውን ትርታ ልቢ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ዘለዎ ንህንፀት ዘተኣኻኽብ ተረኽ ወሳኒ መሳርሒ ኮይኑ ከም ዘገልግል ኣረዲኦም። ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ፍልፍል ኩርዓት ዜጋታታ ከም ትኸውን ብምሕባር፤ ነዚ ድማ ኢትዮጵያውያን ህንፀት ኣወንታዊ ተረኽ ብምጥንኻር ንዕቤት ሃገር ክተሓባበሩ ኣለዎም ኢሎም። ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ቀፃሊ እውን ሙሁራንን መራሕትን ኢትዮጵያ ዕቤት ሃገርን ሓድነት ዜጋታትን ዘረጋግፁ ብሄራዊ ኣተሓሳስባታት ብምስባኽ ንህንፀት ዘተኣኻኽብ ተረኽ ሃናፂ እጃሞም ክዋፅኡ ኣለዎም ኢሎም።
ትካላት ፀጥታን ደሕንነትን ዋልታ ሰላም፣ ዘብዒ ብሄራዊ ረብሓን ክብርን እዮም - ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
Apr 2, 2026 1326
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 24/2018(ኢዜኣ) ትካላት ፀጥታን ደሕንነትን ዋልታ ሰላም፣ ዘብዒ ብሄራዊ ረብሓን ክብርን እዮም ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ ምዓልቲ "ምውዳድ ትካላት ፀጥታን ደሕንነትን ንሃገራዊ ሰላምን ደሕንነትን" ብዝብል ቴማ ኣብ ዝተኻደ ኮንፈረንስ ብሄራዊ ደሕንነት ተሳቲፍና ኢሎም። ዋላ ኳ ኣብ ዞባና ዝስተውዓሉ ኩናት ሕድሕድ፣ሽርሒ ግብረ ራዕዲ፣ኩናት ማእኸላይ ምብራቕን ጂኦ-ፖለቲካዊ ውጥጣት ንሃገርና እንተፈተኑዋ፤ ብጥንካረ ትካላት ፀጥታን ደሕንነትን መስዋእቲ ደቃን ንኣፍሪካ መርኣያ ዝኾነ ተግባር ብምፍጻም ኢትዮጵያ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ፀኒዓ ደው ኢላ ኣላ ክብሉ እውን ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ሪፎርምታት ትካላት ፀጥታን ደሕንነትን ፀገማት ናብ ዕድል ክቕየሩ ዘኽኣሉ ከም ዝኾኑ ፀሪሖም። ብሓይሊ ሰብን፣ ቴክኖሎጂን ኣወዳድባን ዝማዕበሉ ብፃዕሪ ለይትን ቀትርን ሓይልታት ፀጥታናን ብምትሕብባር ህዝብናን ኩለመደያዊ ሃገራዊ ውፅኢት ከነመዝግብ ዘኽኣለና እዩ ኢሎም። ብሄራዊ ረብሓን ንምርግጋፅ ንገብሮም ዲፕሎማሲያውን ስትራቴጂካውን ንጥፈታት ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ተሻጊሮም እዮም ክብሉ ኣረዲኦም። እዚ ዓወት ክምዝገብ በቢብርኩ ዝርከቡ ትካላት ፀጥታን ደሕንነትን ፌዴራል ከምኡ እውን ትካላት ፀጥታን ደሕንነትን ክልላት ዝተዋደደ ሓበራዊ ፃዕሪ ኣብ ምግባር ዝለዓለ ብፅሒት ከም ዝወስዱ ኣብሪሆም። ብኻልእ ወገን ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ሰላም ንምስፋን ዝተኸየደ ርሕቐትን ዝተረኸቡ ውፅኢታትን ዝበረታትዑ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ኣብ መላእ ሃገር ዘተኣማምን ሰላም ክሳብ ዝፍጠር ትካላት ፀጥታን ደሕንነትን ምስ ህዝቢ ብምዃን ዝገብርዎ ዝተዋደደ ርብርብ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከም ዘለዎ ገሊፆም። ኣብ ወርሒ ጉንበት መወዳእታ ዝካየድ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ እውን ዲሞክራሲ ዝጠናኸረሉ ታሪኻዊ ምዕራፍ ክኸውን ትካላት ፀጥታን ደሕንነት ሓላፍነቶም ብቖራፅነት ከም ዝዋፅኡ እምነተይ ፅኑዕ እዩ ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
እቲ ኮሚሽን ዘዳለዎ መድረኽ ኣጀንዳታትና ብምቕራብ ፀገማትና ብምኽክር ንምፍታሕ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ እዩ - መዳርግቲ ኣካላት ክልል ትግራይ
Apr 1, 2026 2147
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት /23/2018 (ኢዜኣ)፦ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ካብ መዳርግቲ ኣካላት ክልል ትግራይ ኣጀንዳ ንምትእኽኻብ ዘዳለዎ ፈላማይ መድረኽ፤ ኣጀንዳታት ብምቕራብ ፀገማትና ብዝሰልጠነ መገዲ ንምፍታሕ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ከም ዝኾነ ተሳተፍቲ ገሊፆም፡፡ ካብ መዳርግቲ ኣካላት ክልል ትግራይ ፈላማይ መድረኽ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተሳለጠ እዩ፡። ኣብቲ መድረኽ ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርዓያ፣ ኣባላት ኮሚሽን፣ ኣብ ክልል ዝንቀሳቐሱ ውድባት ፖለቲካ ከምኡ እውን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ተረኺቦም እዮም፡፡ ካብ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ሓደ ዝኾነ ኢንጅነር ታፈረ ሕሉፍ፣ እቲ ኮሚሽን ዝጀመሮ ከይዲ ምኽኽር ዝንኣድ ምኻኑ በምግላፅ፤ እቲ ሎሚ ምዓልቲ ዝተጀመረ መድረኽ እውን ኣሳታፍን ዘሐጉስን ከም ዝኾነ ተዛሪቡ፡፡ ኣፈላላይ ተፈጥሮኣዊ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ መድረኽ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምቕራብ ፀገማት ብዝሰልጠነ መገዲ ንምፍታሕ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፍት ከም ዝኾነ ገሊፁ፡፡ ካልእ ተሳታፊ እቲ መድረኽ ኣንተነህ ምትኩ ብወገኑ፣ እቲ መድረኽ ብዙሓት ክፅበይዎ ከም ዝፀንሑ በምግላፅ ሎሚ ምዓልቲ ምጅማሩ ኣድኒቑ፡፡ ዘይምርድዳእ ብምኽክር ካብ ምፍታሕ ወፃኢ ዝሐሸ ነገር ከም ዘየለ ብምግላፅ፤ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ዘከናውኖም ዘለዉ ተግባራት ዝብረታተዑ እዮም ኢሉ፡፡ ሎሚ ምዓልቲ ዝተጀመረ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ረብሓኡ ዝልዓለ እዩ ዝበሉ ኣይተ ኣንተነህ፤ ባህሊ ምኽኽርን ዘተን ከም ዘጎልብት ሓቢሮም፡። እቲ መድረኽ ክንጽበዮ ዝፀናሕና እዩ ዝበሉ ድማ ኣቶ ኣብዱ ኣብዱልቃድርን ሰርካለም ወርቅነህ (ዶ/ር)፥ ኣጀንዳታትና ብምቕራብ ፀገማትና ብምኽኽር ንምፍታሕ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ምኻኑ ገሊጾም፡፡ ወደ ፊት የተሻለ ትውልድ ለመፍጠርና ኢትዮጵያን ከፍ ለማድረግ ምክክር ወሳኝ በመሆኑ ለስኬታማነቱ የበኩላቸውን እንደሚወጡ ጠቁመዋል። ንቐፃሊ ዝሐሸ ወለዶ ንምፍጣርን ኢትዮጵያ ንምዕባይ ምኽክር ወሳኒ ከም ዝኾነ በምግላፅ፣ ንውፅኢታውነቱ እጃሞም ከም ዝዋፅኡ ተዛሪቦም፡፡
ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንምፍታሕ ምስ መንግሥቲ ፌዴራል ኢድን ጓንትን ኮይንካ ምስራሕ ይግባእ-ኬርያ ኢብራሂም
Apr 1, 2026 1583
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት /23/2018 (ኢዜኣ) ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንምፍታሕ ምስ መንግሥቲ ፌዴራል ኢድን ጓንትን ኮይንና ክንሰርሕ ይግባእ ክብላ ኬርያ ኢብራሂም ተዛሪበን። ነበር ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌድሬሽን ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም ምስ ኢዜኣ ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት ከምዝበልኦ፤ ኣብ ፅባሕ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ኣብ መንጎ እቲ ናይ ለውጢ መንግስትን ነበር መራሕቲ ህወሓትን ዝነበረ ቀንዲ ኣፈላላይ መበገሲኡ ኣነ ዘይቆፃፀሮ ወይ ድማ ንዓይ ዘይልኣኽ ኣመራርሓ ክህሉ የብሉን ዝብል ዘይተገደበ ፃምእ ስልጣን ነበር ህወሓት እዩ። ኣብቲ እዋን ዝተለወጠ ስርዓት ኣብ ዘይነበረሉ ኣሃዳዊ ስርዓት መፂኡ፣ እቲ ሕገ መንግስቲ ኣፍሪሱ ኣሃዳዊ ስርዓት ንምትካል እዩ መፂኡ፣ፌዴራላዊ ስርዓት ከፍርስ እዩ እናበልና ህዝብና ኣለዓዒልና ናብ ዘይተደለየ ጎንፂ ኣቲና ኢና ኢለን። ሕዚ እውን እቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ ሪፎርም እምበር ዝቐየሮ ፌዴራላዊ ስርዓትን ሕገ መንግሥትን ኣብ ዘይብሉ ንህዝቢ ትግራይ ዳግማይ ንምትላል ተመሳሳሊ ፕሮፖጋንዳ ምጥቃም ግቡእ ከም ዘይኮነ ህዝቢ ትግራይ ክግንዘብ ይግባእ ኢለን። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላው እቲ ጉጅለ ምስ ሻዕብያ ፀሚዱ ኣንፃር ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ብምንቅስቓሱ ዝተፈጠረ እዩ ክብላ እውን ተዛሪበን። ቅድሚ ሕዚ ብዝተሰሓሓተ ስልሒት ኣንፃር እቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ ህዝቢ ኣለዓዒልና ከቢድ ዋጋ ንክኸፍልና ገይርናዮ ኢና ዝበላ ወይዘሮ ኬርያ፤ ሕዚ እውን ካብ ሕሉፍ ዘይተምሃረ ዘይሕጋዊጉጅለ ህወሓት ናብ ካሊእ ኲናት ንምእታው ምስ ታሪኻዊ ፀላኢ ሻዕብያ ኮይኑ ምድላው እናገበረ ከም ዝርከብ ተዛሪበን። ሻዕብያን ነበር ህወሓትን ኣይዕወቱን እምበር እንተዝዕወቱ እውን ቀዲሞም ዝጣፍኡ ሓይልታት እዮም ክብላ እውን ገሊፀን። ድሌት ስርዓት ሻዕብያ ዝተዳኸመትን ዝተበታተነትን ኢትዮጵያ ምርኣይ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ምስዚ መረፃን ሕገ መንግሥትን ዘይፈልጥ ሓይሊ ተሰሊፍካ ዝፍታሕ ፀገም ከም ዘየለ ኣረዲአን። ስለዝኾነ ድማ መንእሰይና ካብዚ ሕሳርን ከንቱን ዝኾነ ኲናት ንምድሓን ምስ ፌዴራል መንግሥቲ ኢድን ጓንትን ኮይንና ክንሰርሕ ኣለና ኢለን።
ከይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ክልል ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ ትኽክለኛ ውሳነ እዩ-ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም
Apr 1, 2026 1338
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/ 23/2018(ኢዜኣ) ከይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ክልል ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ ትኽክለኛ ውሳነ እዩ ክብላ ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም ገሊፀን። ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ከይዲ ምኽክር ምትእኽኻብ ኣጀንዳን ምፍላይ ተሳተፍትን ክልል ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናካየደ እዩ ዝርከብ። ኬርያ ኢብራሂም ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪተን ንኢዜኣ ከምዝበልኦ፤ ቀንዲ ዕላማ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኣብ መላእ ሃገር ዘለዉ ኩሎም ዓይነታት ሕቶታትን ፀገማትን ካብ ብኲናትን ብሓይልን ብሰላማዊ መንገዲ ብዘተ ንመልሶ ዝብል እዩ። እቲ ኮሚሽን ከይዲ ምኽክር ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ክልል ትግራይ ኣብቲ ክልል ንምክያድ ዋላ ኳ ዝተፈላለዩ ፃዕርታት እንተተገበረ፤ ይኹን እምበር ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ብሓይሊ ጥራሕ ዝኣምን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ኣብቲ ክልል ምክያድ ኣይተኽኣለን ኢለን። ስለዝኾነ ድማ እቲ ኮሚሽን ከይዲ ምኽክር እቲ ክልል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ምግባሩ ትኽክለኛ ውሳነ ከም ዝኾነ ተዛሪበን። ትግራይ እውን ኢትዮጵያ እዩ፣ ኣዲስ ኣበባ እውን ኢትዮጵያ እዩ ዝበላ ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም፤ ኣብ ትግራይ ምችው ኩነታት ክሳብ ዝፍጠር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምክያድ ዝተገበረ ውሳነ ግቡእ ከም ዝኾነ ኣረዲአን። ቀንዲ ዕላማ እቲ ኮሚሽን ናብ ዘተ ንምፃእን ፀገማትና ብዘተን ምኽክርን ንፍታሕን ዝብል እዩ ዝበላ ኬርያ፤ እቲ ብሰላምን ዘተን ዝኣምን ክፋል ማሕበረሰብ ትግራይ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ ምኽክር ምትእኽኻብ ኣጀንዳ እቲ ክልል እናተሳተፈ እዩ ዝርከብ ኢለን። ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ሕቶትታ ከም ዘለዉ ብምግላፅ፤ ኩሎም ፀገማት ትግራይ እውን ብምኽክር ዝፍትሑ እዮም ክብላ ሓቢረን። ኣብቲ መድረኽ፤ ሚኒስትር ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ጌታቸው ረዳ፣ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ መስፍን ኣርኣያን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራ መንግሥትን ሓዊሱ ኣመራርሓን ኣባላትን ውድባት ፖለቲካ፣ሲቪክ ማሕበራትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ትግራይ ከምኡ እውን ዝምልከቶም ኣካላት ይሳተፉ ኣለዉ።  
እቲ ሃገራዊ ለውጢ ኢትዮጵያ ብዓውዲ ሕርሻ ታሪኽ ዝቕይሩ ዓወታት ክተመዝግብ ገይሩ እዩ
Apr 1, 2026 760
ኣዲስ ኣበባ፤ መጋቢት /23/2018 (ኢዜኣ)፦ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ኢትዮጵያ ብዓውዲ ሕርሻ ዓቕሚ ኣፍራይነታ ብምጉልባት ሉኣላውነት መግቢ ክተረጋግፅ ዘኽእሉን ታሪኽ ዝቕይሩ ዓወታት ከም ዝተመዝገቡ ሚኒስትር ዴኤታ ሕርሻ ፍቅሩ ረጋሳ (ዶ/ር) ገሊፆም። ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ምስ ኢንስቲትዩት ትራንስፎርሜሽን ሕርሻ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር "ኣፍራያይነት ሕርሻ ንሉኣላውነት መግብን ሃገራዊ ክብርን" ብዝብል ቴማ ዝተዳለወ ኣብ ዓመታት ለውጢ ብዓውዲ ሕርሻ ዝተመዝገቡ ዓወታት ዘተኮረ መድረኽ ዘተ እናተኻየደ እዩ። ሃገራዊ ለውጢ ኢትዮጵያ ጋህዲ ካብ ዝኾነሉ መጋቢት 24 ቀን 2010 ዓ.ም ጀሚሩ፣ ሕርሻ ካብቶም ቁጠባዊ ሃፍቲ ሃገር ዝድግፉ ሓሙሽተ ዓምድታት ማእኸል እቲ ሓደ ክኸውን ብምግባር ትኹረት ተዋሂብዎ እናተሰርሐ ይርከብ። ኣብ ፅባሕ እቲ ለውጢ እቲ ዓውዲ ካብ ባህላዊ ናብ ዘመናዊ ኣሰራርሓ ንምስግጋር ብዝተሳለጡ ተግባራት፣ ብፍርያት ባዕልኻ ካብ ምእኻል ብዝሓለፈ ንናይ ደገ ዕዳጋ ዝኸውን ፍርያት ምፍራይ ተኻኢሉ እዩ። ሚኒስትር ዴኤታ ሕርሻ ፍቅሩ ረጋሳ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን፣ ዓውዲ ሕርሻ አብ ምርግጋፅ ውሕስና ምግቢ፣ ዕድል ስራሕ ፈጠራ፣ ንግዲ ወፃእን ኩነታት ኣየርን ግንባር ቀደም ብፅሒት ኢኮኖሚ ኣለዎ ኢሎም። ቅድሚ ሃገራዊ ለውጢ ዝነበረ ስርዓት ሕርሻ ኢትዮጵያ ብድሑር ኣሰራርሓን ኩነታት ኣየርን ይፍተን ከም ዝነበረ ብምዝኽኻር፣ ናይቲ ዓውዲ መፍረይነት ዘሽቆልቁል ሜላ ኣተሓራርሳን ታሪኽ ዓውዲ ሕርሻ ዘበላሹ ከይድታት ከም ዝሓለፈ ገሊፆም። ኣብ ፅባሕ እቲ ለውጢ መንግስቲ ዘፈር ኣፍራያይነት ሕርሻ ዘመሓይሹ ፖሊሲታትን ስትራቴጂን ተግባራዊ ከም ዝኾኑ ኣልዒሎም። በዚ እውን እቲ ሃገራዊ ለውጢ ዘፈር ሕርሻ ሉኣላውነት ምግቢ ኢትዮጵያውያን ምርግጋፅ ዘኽእል ታሪኽ ቀያሪ ምዕራፍ ኣፍራያይነት ኣትዩ ኢሎም። ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ተግባራዊ ዝተገበረ ኣፍራያይነት ሕርሻ ብስርናይ ሓጋይን መስኖን ውፅኢታዊ ዓወታት ከም ዝተመዝገበ ኣፍሊጦም። ኣንፈት ፖሊሲ ሃገር ብቆል ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ንዘመናት ስርናይ ዝሰፈረላ ዝነበረት ሃገርን ህዝብን ሉኣላውነት መግቢ ብምርግጋፅ ባዕልኻ ናብ ምኽኣል ዘኽእል እመርታዊ ስግግር እናገበረት ከም ዝኾነት ገሊፆም። ብልምዓት ትሩፋት ሌማትን ሓምለዋይ ኣሰርን እውን ስነ ስርዓት ምግቢ ዘመሓይሹ ወፅኢታዊ ዓቕሚ ኣፍራያይነት ከም ዝተፈጠረ ብምጥቃስ፣ ኣብ ቀፃሊ ንዝተማልአ ሉኣላውነት ሕርሻ ኢትዮጵያዊ ንምርግጋፅ ዝተመዝገቡ ዓወታት ተጠናኺሮም ከም ዝቕፅሉ ተዛሪቦም። ዋና ስራሕ ፈፃሚ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ኣይተ ሰይፈ ደርቤ ብወገኖም፣ እቲ ዘተ ፓናል 8ይ ዓመት ሃገራዊ ለውጢ ምኽንያት ብምግባር ከይዲን ዓወታትን ዘፈር ሕርሻ ንምድህሳስ ዝተዳለወ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፣ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ፣ ሃገራዊ ክብርን ሉኣላውነትን ከምኡ እውን ህንፀት ገፅታ ቀንዲ ተልዕኾታት ኢዜኣ ከም ዝኾኑ ገሊፆም። ኣብ ፅባሕ ሃገራዊ ለውጢ መጋቢት 24 ዝካየድ ዘሎ ኣፍራያይነት ሕርሻ ንሉኣላውነት መግብን ሃገራዊ ክብርን ወሳኒ ብምኻኑ፣ እቲ ፓናል ከም ዝተዳለወን ቀፃልነት ከም ዝህልዎን ተዛሪቦም። ኣፍራያይነት ሕርሻ ብምጉንፃፍ ሉኣላውነት መግቢ ብምርግጋፅ፣ ተረኽ ብምቕያርን ኣተሓሳስባ ልመና ብምስባር ን ወሳኒ ጉዳይ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም። ነዚ እውን ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎትን ምስ ኢንስቲትዩት ትራንስፎርሜሽን ሕርሻ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ነቲ መድረኽ ከም ዝተዳለወ ገሊፆም። ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ዴኤታ ሕርሻ ፍቅሩ ረጋሳ (ዶ/ር)፣ ሚኒስትር ዴኤታ ሕርሻ ሶፊያ ካሳ (ዶ/ር)፣ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ኣይተ ሰይፈ ደርቤ፣ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ትራንስፎርሜሽን ሕርሻ ኢትዮጵያ ማንደፍሮ ንጉሴ (ዶ/ር)፣ ሰብ ሞያ ሕርሻን ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም እዮም።
በቲ ሃገራዊ ለውጢ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያን ሰላም እቲ ዞባን ዝሕልው ዘተኣማምን ሰራዊት ተሃኒፁ እዩ
Apr 1, 2026 702
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/ 23/2018(ኢዜኣ) በቲ ሃገራዊ ለውጢ ክብርን ብሄራዊ ረብሓን ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ሰላም እቲ ዞባ ዝሕልው ዘተኣማምን ሰራዊት ከም ዝተሃነፀ ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጂነር ኣይሻ መሐመድ ገሊፀን። ሃገራዊ ለውጢ 24 መጋቢት 2010 ዓ/ም ስዒቡ ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) እቲ ናይ ለውጢ መንግስቲ ትካላዊ ህንፀት ዋና ዓምዲ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ገይሩ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ጠንካራን ዘተኣማምንን ትካላት ፀጥታን ድሕንነትን ምህናፅ ካብቶም ሃገራዊ ዓምድታት ሪፎርም እቲ ሓደ ብምግባር ዕዉታት ስራሕቲ ኣሳሊጡ እዩ። ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጂነር ኣይሻ መሐመድ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት ከምዝበልኦ፤ ኣብ ዝሓለፉ 8 ዓመታት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ትካላዊ ዓምድታት ሪፎርም ገይሩ እዩ። ካብ ዝኾነ ኣንፈት ንዝመፅእ ጥቕዓት ዝምክት ብቑዕ ሓይሊ ምድሪ፣ ሓይሊ ኣየር፣ ሓይሊ ሜካናይዝድ፣ሓይሊ ባሕሪ፣ ሓይሊ ፍሉይ ወፍርን ሳይበርን ከም ዝተሃነፀ ኣብሪሀን። ኩርዓት ሃገር ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ምህናፅ ብሓይሊ ሰብ፣ ብኣወዳድባን ቴክኖሎጂ ውግእን ዝለዓለ ስራሕ ለውጢ ብምስላጥ ጠንካራ ትካላዊ ቁመና ከም ዝተፈጠረ እውን ኣረዲአን። ብወታደራዊ መሳርሕታት ዓርስኻ ንምኽኣል ዝተትሓዘ ሃገራዊ ሽቶ ንምዕዋት እውን ኣብ ትካላት ኢንዱስትሪ ምክልኻል ዕዉት ሪፎርም ብምግባር ናብ ጭቡጥ ውፅኢት ንክመፁ ተገይሩ እዩ ። ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዝተዋፈረሉ ቦታ ኩሉ ግቡኣት ምኽባር ሰላም ብብቕዓት ብምፍፃም ኣብቲ ዞባ ተደላዪ ሰራዊት ምዃኑ ብተግባር ኣመስኪሩ እዩ ክብላ ተዛሪበን። ንሰላምን ምርግጋዕን እቲ ዞብ ተሳትፎ ኢትዮጵያ ወሳኒ ከም ዝኾነ ዘረጋገፀ ውፅኢት ኣመዝጊቡ እዩ ኢለን። ኢትዮጵያ ፀገማት ድሕንነትን ሰላምን ኣፍሪካ ብኣፍሪካውያን ከም ዝፍትሑ ፅኑዕ እምነት ኣለዋ ዝበላ እተን ሚኒስትር፤ ነዚ ድማ ኣፍሪካውያን ኣብ ሰላምን ድሕንነትም ዘለዎም ምትሕብባር ንከጠናኽሩ እናሰርሐት ከም ዝኾነት ኣረዲአን። ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ብዓቕሚ፣ብዲሲፕሊን፣ ብስነ ልቦናን ኣተሓሳስባን ካብ ዝኾነ ወገንተኝነት ዝፀረየ ኢትዮጵያዊ ሰራዊት ከም ዝተሃነፀ ገሊፀን። ስለዝኾነ ድማ እቲ ሰራዊት ካብ ዝኾነ ፅልዋ ፖለቲካ ነፃ ኮይኑ ነቲ ሕገ መንግሥትን ልኣላዊነት ሃገርን ጥራሕ ጠጠው ዝብለሉ መሰረት ተነቢሩ እዩ ክብላ ሓቢረን።
መድረኽ ምኽክር ምትእኽኻብ ኣጀንዳን ምፍላይ ተሳተፍትን ክልል ትግራይ ምክያድ ጀሚሩ
Apr 1, 2026 435
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 23/2018(ኢዜኣ) መድረኽ ምኽክር ምትእኽኻብ ኣጀንዳን ምፍላይ ተሳተፍትን ክልል ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ። ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ከይዲ ምኽክር ምትእኽኻብ ኣጀንዳን ምፍላይ ተሳተፍትን ክልል ትግራይ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብቲ ክልል ከሳልጥ ከምዘይከኣልን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ 23 ክሳብ 25 መጋቢት 2018 ዓ/ም ንክካየድ ከምዝተወሰነን ምግላፁ ዝፍለጥ እዩ። ስለዝኾነ ድማ እቲ ከይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ሎሚ ኣብ ስስካይላይት ሆቴል ምክያድ ጀሚሩ። ኣብቲ መድረኽ፤ ሚኒስትር ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ጌታቸው ረዳ፣ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ መስፍን ኣርኣያን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራ መንግሥትን ሓዊሱ ኣመራርሓን ኣባላትን ውድባት ፖለቲካ፣ሲቪክ ማሕበራትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ትግራይ ከምኡ እውን ዝምልከቶም ኣካላት ይሳተፉ ኣለዉ። ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ከይዲ ምኽክር ምትእኽኻብ ኣጀንዳን ምፍላይ ተሳተፍትን ክልል ትግራይ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ 23 ክሳብ 25 መጋቢት 2018 ዓ/ም ንክካየድ ከምዝተወሰነን ምግላፁ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ሓባራዊ ተረኽ ንምህናፅን ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፅን ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ውፅኢት ተመዝጊቡ
Mar 31, 2026 1054
ኣርባምንጭ/መጋቢት 22/2018(ኢዜኣ) ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ኣብታ ሃገር ሓባራዊ ተረኽ ንምህናፅን ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፅን ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ውፅኢት ከም ዝተመዝገበ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም። ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጋሞ ኣብ መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ክልልን ንዝወዳደሩ ሕፁያት ፓርቲ ብልፅግና መርሃ ግብሪ ምልላይ ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ተሳሊጡ። ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ሓድነትን ሕውነትን እቲ ህዝቢ ብምጥንኻር ኣብ ኢኮኖሚያዊ፣ፖለቲካውን ማሕበራውን ዓውድታት ዝጭበጡ ዓወታት ተመዝጊቦም እዮም። ብሄራዊ ረብሓ ኣብ ምሕላውን ተረባሕነት እቲ ህዝቢ ኣብ ምርግጋፅን ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ዝተባብዑ ውፅኢታት ከም ዝተመዝገቡ ተዛሪቦም። ኣብ ዝቕፅሉ 5 ዓመታት ከም ሃገር ዝተተለሙ ትልምታት ብምዕዋት ኢትዮጵያ መርኣያ ሃገር ንምግባር ከም ዝስራሕ እውን ሓቢሮም።
ወታደራዊ ኣዛዚ ፋኖ ሓርበኛ ፋኖ ኮማንዶ ፍቅሩ ሙሉዬ ፃውዒት ሰላም መንግሥቲ ተቐቢሉ
Mar 30, 2026 1423
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 21/2018 (ኢዜኣ) ወታደራዊ ኣዛዚ ኮር 303 ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራ ሓርበኛ ፋኖ ኮማንዶ ፍቅሩ ሙሉዬ ፃውዒት ሰላም መንግሥቲ ተቐቢሉ ሎሚ መዓልቲ ናብ ላዕለዋይ መምርሒ እዚ 13 ላሊበላ ብሰላም ኣትዩ። “ንኣምሓራ ናፃ ክነውፅእ ኢና ኢልና ተቓሊስና፤ ሕዚ ስኽን ኢልና እቲ ኩነታት እንትንዕዘቦ ድማ ህዝቢ ኣምሓራን ሃገርናን ናብ ሓደጋ ኣብ ዘብፅሕ ብርኪ ስለዝበፅሐን ዕላማና ኣብ ውሽጥና ብዘለዉ ከብዳማት፣ህወሓትን ግዳማዊ ሓይልታትን ከም ዝተጨወየ ተረዲአ” ክብል ተዛሪቡ። ኣነ ተሳታፊ ናይዚ ሓተላ ታሪኽ ክኸውን ስለዘይደልን ፈፃሚ ዕላማ ህወሓት ብዘይምዃነይን መንግሥቲ ዝገበረለይ ፃውዒት ብምቕባል እቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ገዲፈ ናብ ሰላማዊ ሂወት ተመሊሰ ኣለኹ ኢሉ። ፀገማት እንተሃልዮም እውን ብሰላማዊ መንገዲ ጥራሕ ክፍትሑ ከም ዘለዎም ብምእማን ሃገረይን ህዝበይን ንምክሓስ ናብ ሰላማዊ ቃልሲ ተፀምቢረ ኣለኹ ክብል እውን ገሊፁ። ኣባላት ኮር 303 እቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ገዲፎም ናብ ሰላማዊ ሂወቶም ንክምለሱን ክልል ኣምሓራ ካብ ማእኸል ኵናት ንምክልኻልን ከምኡ እውን ሰላም ሃገርና ንምርግጋፅን ፀላእቲ ሃገርና ብሓባር ንምክልኻልን ኣብ ዝግበር ቃልሲ ንምስታፍ ብዘይ ወዓል ሕደር ፃውዒት ሰላም መንግሥቲ ንክቕበሉ በዚ ኣጋጣሚ ፃውዒተይ የቕርብ ክብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዝተመዝገቡ መጠነ ሰፊሕ ዓወታት መፃኢ ግዜ ኢትዮጵያ ብሩህ ከምዝኾነ ዘመላኽቱ እዮም
Mar 30, 2026 751
ኣዲስ ኣበባ፤ መጋቢት 21/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዝተመዝገቡ መጠነ ሰፊሕ ዓወታት መፃኢ ግዜ ኢትዮጵያ ብሩህ ከምዝኾነ ዘመላኽቱ እዮም ክብሉ ኣባል ፈፃሚ ስራሕን ኣካቢ ክላስተር ብልፅግና ኢኮኖሚን ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ መላኩ ኣለበል ገሊፆም፡፡ መድረኽ ጎስጓስ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ክላስተር ብልፅግና ኢኮኖሚ ፓርቲ ብልፅግና እናተኻየደ እዩ፡፡ ኣባል ፈፃሚ ስራሕን ኣካቢ ክላስተር ብልፅግና ኢኮኖሚን ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ መላኩ ኣለበል ኣብዚ እዋን ከምዝገለፅዎ፤ ቀንዲ ዕላማ እቲ መድረኽ ኣባላት እቲ ፓርቲ ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ንቑሕ ተሳትፎ ክገብሩን ትፅቢት ዝግበረሎም ኣስተዋፅኦ ከበርክቱን ንምኽኣል እዩ፡፡ እቲ መረፃ ናፃ፣ ተኣማኒ፣ ሰላማውን ፍትሓውን ኮይኑ ንክዛዘም እጃም ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ዝለዓለ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እዚ እውን ቁቡልነት ዘለዎ መንግስቲ ንምህናፅ ዝለዓለ ግደ ከም ዘለዎ ተዛሪቦም፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ንምርግጋፅ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ እውን ኣብሪሆም፡፡ ደቂ ኣነስትዮ ኣብቲ ፓርቲ ንቑሓት ተሳተፍቲ ክኾና፣ ናብ መሪሕነት ክመፃን ኣብ ከተማን ገጠርን ኢኮኖሚያዊ ተረባሕቲ ክኾናን ከምዝተገበረ ከም ኣብነት ኣልዒሎም፡፡ ብኻልእ መዳይ ብፅሒት ፖለቲካዊ ኣመራርሓ መናእሰይ ክዓቢ ካብ ምግባር ንላዕሊ፤ ኣብ ስራሕ ዕድል ፈጠራ፣ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍርን ካልኦት ዓውድታትን ዘለዎም ተሳትፎ ክዓቢ ተገይሩ እዩ ኢሎም፡፡ ፓርቲ ብልጽግና ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ንህዝቢ ዝኣተዎ መፅብዓ ሙሉእ ንሙሉእ ምዕዋቱ ንዝቕፅል መረፃ ዓብዪ ስንቂ ከምዝኸውን ገሊፆም፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኢኮኖሚ፣ ፖለቲካን ካልኦት ዓውድታትን ዝተረኸቡ ውፅኢታት መጻኢ ግዜ ኢትዮጵያ ብሩህ ከምዝኾነ ዘመላኽቱ እዮም ክብሉ እውን ተዛሪቦም፡፡ ኣባል ፈፃሚ ስራሕን ኣካቢት ዘፈር ፖለቲካ ክላስተር ብልፅግና ኢኮኖሚን ፓርቲ ብልፅግና ጫልቱ ሳኒ ብግደአን፤ እቲ ፓርቲ መሰረታዊ ሕቶ ዜጋታት ኣብ ምምላስ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ኣሳሊጡ እዩ ኢለን። ሕቶ ዲሞክራሲ ንምምላስ ዘኽእሉ ትካላት ከም ዝተሃነፁን ሓቃዊ ስርዓት ዲሞክራሲ ንምህናፅ ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነን ተዛሪበን። መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረጻ ንኹሉ ማዕረ ሜዳ ዝረጋገፀሉ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ መረፃ ተቐባልነት ዘለዎ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ጋህዲ ንምግባር ከም ዝሕግዝ ኣረዲአን። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዓውድታት ፖለቲካን ኢኮኖምን ዝተረኸቡ ውፅኢታት መፃኢ እዋን ንብልፅግና ብሩህ ንክኸውን ዝገብሩ ከምዝኾኑ ሓቢረን።
ክእለት ኢንተርፕርነርሽፕ ኣባላት ኣመራርሓ ምጉልባት ንፈጠራን ለውጥን መሰረት እዩ - ምክትል ኣፈ ጉባኤ ሎሚ በዶ
Mar 30, 2026 502
ኣዲስ ኣበባ፤መጋቢት 21/2018 (ኢዜኣ)፦ ክእለት ኢንተርፕርነርሽፕ ኣባላት ኣመራርሓ ምጉልባት ንፈጠራን ለውጥን መሰረት እዩ ክብላ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ በዶ ገሊፀን። ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ምስ ኢንስቲትዩት ልምዓት ኢንተርፕረነርሽፕ ብምትሕብባር "ድሉውነት መፃኢ ዘመንን ኣመራርሓን" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ስልጠና መዕበዩ ዓቕሚ ምሃብ ጀሚሮም። እቲ ስልጠና ኣባላት ኣመራርሓ ስርሖም ብኣተሓሳስባ ኢንተርፕረነርሽፕ ክመርሑን ንተለዋዋጢ ከባቢታት ስራሕ ድሉዋት ክኾኑን ተሓሲቡ ዝተዳለወ ከም ዝኾነ ተገሊፁ፡፡ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ በዶ ኣብዚ እዋን፤ እቲ ስልጠና ኣባላት ቤት ምኽሪ ካብ ዘለኩም ዝለዓለ ልምዲ ህዝባዊ ኣመራርሓ ብምብጋስ ሃገራውን ዓለም ለኻውን ኩነታት ብዝለዓለ ብስለትን ብመንፈስ መሃዛይነት ስራሕን ክትቐርፁ ንምሕጋዝ እዩ ኢለን፡፡ እቲ ስለጠና እቶም ኣባላት ዘለዎም ፍልጠትን ልምድን ውፅኢታዊ ዝኾኑ ስራሕቲ ንምስራሕ ዝሕግዝ ከምዝኾነ እውን ሓቢረን፡፡ እዙይ እውን ፀገማት ብምህዞ፣ቅልጥፍና ከምኡ እውን ብመንፈስ ናተይነት ንምፍታሕን ሓደሽቲ ዓውድታት ኣገልግሎት ንምፍጣርን ዘኽእል ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪያት ካሚል ብወገነን፤ ቅልጡፍ ለውጢ እዚ ዘመን ንምፅዋር ናይ ኣመራርሓ ስነ ምግባር ስራሕ ክዝምን ከምዝግባእ ኣገንዚበን፡፡ ኣበላት ኣመራርሓ ከም ሓደ መሃዚ ስራሕ መፍትሒ ፀገማት ብሓዱሽ መገዲ ምህዞ ምቕራፅ፣ ሓደሽቲ ዕድላት ምፍላይን ኣብ ከይዲ ስራሕ ብቅዓት ምፍጣንን ምፍጣርን ክህልዎም ከም ዝግባእ እውን ገሊፀን፡፡ ስለዝኾነ እቲ ስልጠና ብወገን ኣባላት ቤት ምኽሪ ክእለት ስታራተጂክ ኣመራርሓ ካብ ምዕባይ ብዝዘለለ ሽቶታት ሃገራዊ ልምዓት ንምዕዋት ዝሕግዝ ዝተዋደደ ስርዓት ኣሰራርሓ ንምህናፅ ዓብዩ እጃም ከም ዘለዎ ተዛሪበን፡፡ ኣብ መጀመሪ እቲ መርሃ ግብሪ፤ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሚንስትር ቀንዲ ተጸዋዒ መንግስቲ ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር)፣ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ላዕለዎት ሓለፍቲ ሚኒስቴር ኣብያተ ዕዮታትን ተረኺቦም።
ኢትዮጵያ ኣብ መበል 11 ጉባኤ መራሕቲ ትካል ሃገራት ኣፍሪካ፣ካርቢያንን ፓስፊክን ንቑሕ ተሳትፎ ገይራ-ኣምባሳደር እሸቴ ጥላሁን
Mar 30, 2026 509
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 21/2018 (ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ ኣብ ዝተሳተፍሉ መበል 11 ጉባኤ መራሕቲ ትካል ሃገራት ኣፍሪካ፣ካርቢያንን ፓስፊክን ኢትዮጵያ ንቑሕ ተሳትፎ ከም ዝገበረት ኣብ ሃገራት ቤንሉክስን ትካላት ሕብረት ኣውሮፓን ፍሉይ ልኡኽ ፌዴሪኢን በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደርን እሸቴ ጥላሁን ገሊፆም። መበል 11 ጉባኤ መራሕቲ ትካል ሃገራት ኣፍሪካ፣ካርቢያንን ፓስፊክን “ዝተቐየረን ዝተሓደሰን ትካል ሃገራት ኣፍሪካ፣ካርቢያንን ፓስፊክን-ፈተናታት ንዝበዝሓ ዓለም” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 19 ክሳብ 20 መጋቢት 2018 ዓ/ም ኣብ ኢኳቶሪያል ጊኒ ከተማ ማላቦ ተኻይዱ። ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቦም መደረ ዝገበሩ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀሥላሴ፤ እቲ ትካል ተለዋዋጢ ኣብ ዝኾነ ኢኮኖምን ፖለቲካን ዓለም ረብሓ እተን ኣባል ሃገራት ዘረጋግፅ ጠንካራ ትካል ኮይኑ ክቕፅል ከም ዘለዎ ኣረዲኦም። እቲ ዘተ ዝተኸታተሉ ኣብ ሃገራት ቤንሉክስን ትካላት ሕብረት ኣውሮፓን ፍሉይ ልኡኽ ፌዴሪኢን በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደርን እሸቴ ጥላሁን ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ ኣብቲ መድረኽ ኣድላይነትን ፅልዋ ፈጣሪነትን እቲ ትካል ዘዕብዩ ሃነፅቲ ሓሳባት ኣካፊሎም እዮም። ስለዝኾነ ድማ ኢትዮጵያ ትካል ሃገራት ኣፍሪካ፣ካርቢያንን ፓስፊክን ካብ ዝመስረታ ውሑዳት ሃገራት እታ ሓንቲ ከም ዝኾነት ብምግላፅ፤ እቲ ትካል ንክጠናኸር እውን መዋጮ ገንዘብ ብኣግባቡ ካብ ምኽፋል ጀሚሩ ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ንቑሕ ተሳትፎ እናገበረት ከም ትርከብ ተዛሪቦም። ትካል ሃገራት ኣፍሪካ፣ካርቢያንን ፓስፊክን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 1975 ኣብ ጆርጅታውን - ጉውያና ዝተመስረተ እንትኸውን ኣብዚ ሕዚ እዋን 79 ኣባል ሃገራት ዘለውዎ እዩ።
ስራሕቲ ምህናፅን ምጥንኻርን ዓምዲ እቲ ህንፀት ሃገረ መንግሥቲ ዝኾኑ ትካላት ብፍሉይ ቆራፅነት ተሳሊጦም እዮም-ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ
Mar 30, 2026 547
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 21/2018 (ኢዜኣ) ስራሕቲ ምህናፅን ምጥንኻርን ዓምዲ እቲ ህንፀት ሃገረ መንግሥቲ ዝኾኑ ትካላት ብፍሉይ ቆራፅነት ተሳሊጦም እዮም ክብል ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ ገሊፁ። ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ “ሓቛፊ ፖለቲካዊ ለውጥታተ ንፅኑዕ ሃገራዊ መሰረት”ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፁ ሎሚ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፤ ስራሕቲ ምህናፅን ምጥንኻርን ዓምዲ ህንፀት ሃገረ መንግሥቲ ዝኾኑ ትካላት ብፍሉይ ቆራፅነት ተሳሊጦም እዮም ኢሉ። ሙሉእ መልእኽቲ እቲ ኣገልግሎት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡- ሓቛፊ ፖለቲካዊ ለውጥታት ንፅኑዕ ሃገራዊ መሰረት መንግሥቲ ፌዴሪኢ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ኢትዮጵያ ካብ ዝነበረቶ ሱር ዝሰደደ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣውፂኡ ናብ ዝተማልአ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምስግጋር ዝሓንፀፆም ስልታዊ ሽቶታት ብዝለዓለ ፅንዓትን ዓወትን ናብ ተግባር ቀይሩ እዩ። ቀንዲ ዓወት እዚ ታሪኻዊ ስግግር ድማ ንዘበናት ንኢትዮጵያ እናፍረሰ ዝነበረ መግለሊ ፖለቲካዊ ተረኽ “ማእኸልን ወሰንን” ብምስባር ሕድ ሕድ ዜጋን ከባብን ፍትሓዊ ተረባሒ ስልጣንን ሃፍትን ዝኾነሉ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ምህናፁ እዩ። እዚ ለውጢ ኢትዮጵያ ናይ ውሑዳት ዘይኮነትስ ሓባራዊት ገዛ ኩላትና ምዃና ብተግባር ዘረጋገፀ መሰረታዊ ዓወት እዩ። ዘላቒ ሰላምን ሃገራዊ ህልውናን ንምርግጋፅ ኣብ መንጎ ወለዶታት ድልድል ኣብ ዝኸውን ህንፀት ሓባራዊ ተረኽ ዝተመዝገቡ ዓወታት ዓበይቲ ፖለቲካዊ ዓወታት እቲ ናይ ለውጢ መንግስቲ እንትኾኑ፤ ሃገርና ንዘበናት ኣብ ተቓርኖ ኣውዲቖም ዝፀንሑ ኣግለልቲ ተረኻት ንክጠፍኡ ብምግባር ኣብ ክንድኦም ድማ ታሪኽን ኣሰርን ኩላትና ዝዝክሩ ሓባራዊ ተረኻት ብተግባር ንክጠናኸሩ ተገይሩ እዩ። ስለዝኾነ ድማ መግለፂ ታሪኽን መንነትን ዝኾኑ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ፣ዓብይ ግድብ ሕዳሰ፣ብመርሃ ግብርታት ገበታ ንሸገር፣ሃገርን ወለዶን ዝተሃነፁ ዓበይቲ መባፅሕታት ቱሪዝም ሓባራዊ ሃገራዊ ኩርዓትና ኣዕብዮሞ እዮም። ብዝሃነት ብፅባቐ ብምቕባል ብመድረኽ ብሄራዊ ምኽክር ዝቐፀለ ጉዕዞ ምሕካም ትማሊ እውን ትማሊ ብጥርጣረን ብክፍፍልን ዝፍጠር ዝነበረ ሃገራዊ ተረኽ ቀስ ብቀስ ብተግባር ብዝተረጋገፀ “ሕውነትን ሓባራዊ ብልፅግናን”እናመርሖ ይርከብ። ስራሕቲ ምህናፅን ምጥንኻርን ዓምዲ እቲ ህንፀት ሃገረ መንግሥቲ ዝኾኑ ትካላት ብፍሉይ ቆራፅነት ተሳሊጦም እዮም። ብፍላይ ድማ ትካላት ፀጥታ፣ፍትሕን ዲሞክራስን ንህዝብን ሕግን ጥራሕ ተገዛእቲ ንክኾኑ ዝተገበረ ሪፎርም ሱር ቦቆስ ለውጢ ኣምፂኡ እዩ። ብመሰረት እዙይ ከም ቦርድ መረፃን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ዝበሉ ትካላት ዲሞክራሲ ብዘይሻራዊ ኣመራርሓ ክውደቡ፣ ትካላት ምክልኸልን ድሕንነትን ካብ ሃገራዊ ተልዕኾ ወጻኢ ካብ ዝኾነ ዓይነ ፖለቲካዊ ኢድ ኣእታውነት ናጻ ክኾኑ ከም ዝተገበሩን ትካላት ፍትሒ ብናጻነት ክሰርሑ ዝተዘርገሐ ኣሰራርሓን ህያው መርኣያ ትካላዊ ሪፎርምና እዩ፡፡ እዙይ ፖለቲካዊ ሱር ቦቆስ ለውጢ ኣብ ብውሽጣዊ ምርግጋዕን ብሄራዊ ምርድዳእን ዝተመስረተ ብምዃኑ ኢትዮጵያ ዝነበሩዋ ስግኣት ህልውና ብፅንዓት ክትወፅኦም ኣኽኢሉዋ እዩ፡። ሉኣላውነትና ብብስለት ፖለቲካን ጥንካረ ኣመራርሓን ናይ ምኽባር ዓቕምና ብምጉልባቱ፣ ዓቕሚ ፈጸማይነት ፖሊሲ መንግስቲ ካብ ምርኣዩ ንላዕሊ ነታ ሃገር ናብ ዝሐሸ ምዕራፍ ዕብየት ኣሸጋጊርዋ እዩ፡፡ እዞም ፖለቲካዊ ዓወታት ቀጥታዊ ውፅኢት ኣብ ውሽጢ ዝተርኣየ ምስፋን ሰላም፣ ምስፋሕ ፖለቲካዊ ምህዳርን ምጥንኻር ትካላትን ብምዃኖም ሃገርና ንትገብሮ ጉዕዞ ብልፅግና መሰረት እናንፀፉ እዮም፡። ብሓፈሻ እዞም ፖለቲካዊ ትልምታትን ዝጭበጡ ውፅኢታትን ኢትዮጵያ ናብ ዝሐሸ ልምምድ ስርዓት ዲሞክራሲ ኣሸጋጊሩዋ እዩ። ምዕባይ ተሳትፎ ተነሓናሕቲ ውድባት፣ ቅብሉነት መንግስቲ ኣብ ህዝቢ ጎሊሁ ምርኣዩን ውጽኢታውነት ስራሕ ሪፎርምን ንጕዕዞ ብልጽግናና ዘተኣማምኑ ዋሕሳትና እናኾኑ መፅዮም እዮም፡፡ መንግስቲ እዚ ጉዕዞ ብልጽግናን ዲሞክራሲን ኣጠናኺሩ ብምቕፃል፣ ንትውልዲ ትምችው፣ ዝበልጸገትን ሉኣላዊነታ ዝተሓለወትን ኢትዮጵያ ናይ ምህናፅ ታሪኻዊ ሓላፍነቱ ብዝልዓለ ቖራፅነት እናተዋፀአ ክቕጽል እዩ፡፡ 21 መጋቢት 2018 ዓ/ም ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ
ውድባት ፖለቲካ ዝምደበሎም ነፃ ኣየር ሰዓት ብኣግባቡ ክጥቀምሉ ይግባእ
Mar 28, 2026 1550
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 19/2018 (ኢዜኣ) ውድባት ፖለቲካ ዝምደበሎም ነፃ ኣየር ሰዓት ብኣግባቡ ብምጥቃም ፕሮግራሞም ከላልዩ ከምዝግባእ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ገሊፁ። ስነ ስርዓት ኣወፃፅኣ ዕፃ ድልድል ነፃ ኣየር ሰዓት ውድባት ፖለቲካ 7ይ ሓፈሻዊ መረጻ ይካየድ ኣሎ። ኣካቢት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሜላትወርቅ ሃይሉ ኣብዚ እዋን፤ እቲ ቦርድ ነቲ መረጻ ካብ ዝገብሮም ምድላዋት ንውድባት ድልድል ነፃ ኣየር ሰዓት ምግባር እቲ ሓደ እዩ ኢለን። እዚ ድልድል ነፃ ኣየር ሰዓት ዝካየድ ድማ እቲ ቦርድ ምስ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ብምትሕብባር ብዘማዕበሎ ሓዱሽ ሲስተም ከም ዝኾነ ሓቢሮም። እዚ ኣሰራርሓ ውድባት ፖለቲካ ዘለዎም ሓሳብ፣ፖሊሲን ፕሮግራምን ነቲ መራፂ ህዝቢ ንከላልዩ ዓብይ ዕድል ዝፈጥር ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ውድባት ዝምደበሎም ነፃ ኣየር ሰዓት ብኣግባቡ ክጥቀሙ ከም ዘለዎም ኣረዲአን። ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ሃይማኖት ዘለቀ ብግደአን፤ እቲ ነፃ ኣየር ሰዓት እቲ መራፂ ህዝቢ ድምፂ ኣብ ዝህበሉ እዋን ኣብ ፍልጠት መሰረት ገይሩ ንክውስን ዘኽእል እዩ ኢለን። እቲ ነጻ ኣየር ሰዓት ን47 ውድባት ፖለቲካን ተወዳደርቲ ውልቀ ሕፁያትን ብዕፃ ድልድል ከም ዝግበር ተዛሪበን። እዚ ድልድል እቲ መረፃ ነፃ፣ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ንክኸውን ልዑል ኣስተዋፅኦ ስለዘለዎ ውድባት እቲ ኣየር ሰዓት ብልዑል ስምዒት ሓላፍነት ንክጥቀምሉ ኣረዲአን።
ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ መድረኽ ክትዕ ፖለቲካ ውድባት ጀሚሩ
Mar 27, 2026 1525
ኣዲስ ኣበባ፤ መጋቢት 18/2018 (ኢዜኣ)፦ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዘዳለዎ መድረኽ ክትዕ መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዝበለፀ ሓቛፍን ኣሳታፍን ንክኸውን ዝዓለመ ፈላማይ ክትዕ መረፃ ፖለቲካዊ ውድባት እዩ፡፡ ኣካቢት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሜላትወርቅ ሃይሉ ኣብዚ እዋን፤ እቲ ቦርድ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ነቲ መድረኽ ክትዕ ንምድላው ክሰርሕ ከም ዝፀንሐ ገሊፀን፡፡ እዚ ተበግሶ ፖለቲካዊ ውድባት ዘለዎም መማራፂ ፖሊሲታት ናብ ህዝቢ ከቕርቡ ዕድል ከም ዝፈጥረሎም ብምዝራብ፤ ቅዋም ውድባት ንምፍላጥ ከም ዝሕግዝን እቲ መራፂ ህዝቢ እውን ዝሓሸ ግንዛበ ክህልዎ ምቹው ኩነታት ከም ዝፈጥርን ሓቢረን፡፡ ከም ገለፃ እተን ኣካቢት፤ እቲ ቦርድ ኣብ መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዝወዳደሩ ውድባት ንምሕጋዝ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ሓዊሱ ፈተነታት ክትዕ ክገብሩ ዘኽእል ዕድል ፈጢሩ እዩ፡፡ እቲ መድረኽ፤ ውድባት ፖለቲካ፣ ተወከልቲ ሲቪል ማህበረሰብን ተምሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ብምርኻብ ዲሞክራሲያዊ ምህዳር ንምስፋሕ ኣወንታዊ እጃም ከም ዝህልዎ ኣብራህሪሀን፡፡ እተን ኣካቢት ከም ዝበልኦ፤ መድረኽ ክትዕ ውድባት ፖለቲካ ኣካል እቲ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ሓቛፋይን ኣሳታፋይን ብዝኾነ መልክዑ ንክካየድ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ እዩ።
ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ኣብ ዓውዲ ምኽባር ሰላም ዘለወን ስትራቴጂካዊ ርክብ ዘጠናኽር ስምምዕ ተፈራሪመን
Mar 27, 2026 779
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 18/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ኣብ ዓውዲ ምኽባር ሰላም ዘለወን ክልቲኣዊ ምትሕብባር ናብ ስልታዊ ምሕዝነት ንምዕባይ ዝዓለመ ክልቲኣዊ ስምምዕ ሎሚ ተፈራሪመን። እቲ ስምምዕ፤ ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣይሻ መሀመድ(ኢ/ር)ን ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሌክሲ ላሜክን እዮም ፈሪመምዎ። እቲ ስምምዕ ብዋናነት ኦፕሬሽናል ድሉውነት ኣብ ልኡኽቶታት ምኽባር ሰላም ዝዋፈሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንምዕባይን ብብርኪ ዓለም ዘለዎም ብቕዓት ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ዝዓለመ እዩ። ብመሰረት እቲ ስምምዕ ኣብ ኢንስቲትዩት ዓለም ለኸ መሰልጠኒ ድጋፍ ሰላም(IPSTI)ን ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኮንቲንጀንት(CTS)ን ዝወሃቡ ሰርቲፊኬታት ስልጠና ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዘለዎምን ስራሕቲ ምርምር ዓለም ለኸ ደረጅኦም ዝሓለዉን ንክኾኑ ክግበር እዩ። ብተወሳኺ እውን እቲ ስምምዕ፤ ማእኸል ምኽባር ሰላም ኢትዮጵያ ዝወሃቡ ሰርቲፊኬታት ስልጠና ብውድብ ሕቡራት መንግስትታትን ሕብረት ኣፍሪካን ዝለዓለ ኣፍልጦ ዘለዎም ንክኾኑ ምግባር ከም ሽቶ ከም ዘቐመጠ ተገሊፁ። ንዕዉትነት እዚ እውን መንግሥቲ ፈረንሳይ ኣድላይ ደገፍ ቴክኒክን ማቴሪያልን ዝገብር እንትኸውን፤ ብፍላይ ድማ መኽበርቲ ሰላም ኣብ ኲናት ዘጋጥሞም ሓደጋታት ፈንጂ ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ኣብ ምዕባይ ፍሉይ ትኹረት ተዋሂብዎ እዩ። እቲ ስምምዕ፤ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዘላቒ ምሕዝነት ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ከም ዘሰጋግሮ ከም ዝተገለፀ እውን ኢዜኣ ካብ ኦንላይን ሚድያ ምክልኻል ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።
ንዲሞክራሲያውነት 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ መራኸብቲ ሓፋሽ ድርብ ሓላፍነት ኣለዎም
Mar 27, 2026 747
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 18/2018 (ኢዜኣ) መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ፍትሓዊ፣ዲሞክራሲያውን ሰላማውን ኮይኑ ንክካየድ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ መራኸብቲ ሓፋሽ ድርብ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ተገሊፁ። ሙሁር ፖለቲካል ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክብን ፕሮፌሰር ብሩክ ሃይሉ ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ እቲ መረፃ ሰላማዊ፣ ዴሞክራሲያውን ፍትሓውን ብዝኾነ መልክዑ ንክሳለጥ እጃም መራኸብቲ ሓፋሽ ልዑል እዩ። እቲ መረፃ ልምምድን ባህልን ዲሞክራሲ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዝሰጋገረሉ ከም ዝኸውን ትፅቢት ይግበር ዝበሉ እቶም ፕሮፌሰር፤ ኣብዚ መዳይ እጃም መራኸብቲ ሓፋሽ ዝለዓለ እዩ ኢሎም። ጋዜጠኛ ጥበቡ በለጠ ብግደኦም፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ንሰብ ሞያታቶም ኣብ ፀብፃብ መረፃ ስልጠናታት ክእለት ክህቡ ከም ዝግባእ ተዛሪቦም። እቲ መረፃ ዕዉት ንክኸውን ዓቕሚ ሰብ ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽ ምህናፅ ወሳኒ ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም። ኣብ ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ላዕለዋይ ተመራማሪ ጉዳያት ማእኸላይ ምብራቕ፣ ኤዥያን ፓስፊክን ከምኡ እውን በዓል ሞያ መፅናዕቲ ፖሊሲ ኣንተነህ ጌታቸው፤ ጋዜጠኛታት ሕጊ፣ ኣዋጃን ዝተመሓየሹ ሕግታትን መረፃ ብኣግባቡ ክፈልጡ ይግባእ ኢሎም።  
ከይዲ ምኽክር ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ክልል ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ
Mar 27, 2026 730
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 18/2018(ኢዜኣ) ከይዲ ምኽክር ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ክልል ትግራይ ካብ 23 ክሳብ 25 መጋቢት 2018 ዓ/ም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝካየድ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዝሳለጥ ከይዲ ምኽክር ብዝምልከት ሎሚ ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂቡ። ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን መስፍን ኣርኣያ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ እቲ ኮሚሽን ክሳብ ሕዚ ዝነበሮ ከይዲ ኣሳታፍን ሓቛፍን ንምግባር ከሳልጦም ዝፀንሐ ስራሕቲ ዕዉታት እዮም ኢሎም። ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ዜጋታት እውን ኣብ ከይዲ እቲ ምኽክር ናይ ምስታፍ ሙሉእ መሰል ከም ዘለዎምን ንውፅኢታውነት እቲ ከይዲ እውን ሰናይ ኣስተዋፅኦ ከም ዘለዎምን ገሊፆም። እቲ ኮሚሽን ኣብ ክልል ትግራይ እቲ ከይዲ ምኽክር ንምጅማርን ምችው ኩነታት ንምፍጣርን ፃዕሪ እናገበረ ከም ዝፀንሐ እውን ሓቢሮም። ስለዝኾነ ድማ ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል፣ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ውድባት ፖለቲካ ከምኡ እውን መዳርግቲ ኣካላት ኣብ መቐለን ኣዲስ ኣበባን 22 ግዜ ዘተታት ከም ዝተገበሩ ኣዘኻኺሮም። ይኹን እምበር ምስዞም ፃዕርታት እዚኣቶም ኣብቲ ክልል እቲ ከይዲ ንምስላጥ ዘኽእሉ ምችው ኩነታት ብዘይምፍጣሮም፤ ከይዲ ኣጀንዳ ምትእኽኻብን መረፃ ተወከልትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንክካየድ ከም ዝተወሰነ ኣረዲኦም። ስለዝኾነ ድማ ከይዲ ምኽክር ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ክልል ትግራይ ካብ 23 ክሳብ 25 መጋቢት 2018 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝካየድ ብምግላፅ፤ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብንቕሓት ንክሳተፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም