ፖለቲካ - ኢዜአ ትግርኛ
ፖለቲካ
ኢትዮጵያን ሩሲያን ክልቲኣዊ ምትሕብባረን ምጥንኻር ኣብ ዘኽእለን ኩነታት ዘትየን
Nov 5, 2025 279
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 26/2018(ኢዜኣ) ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ(ዶ/ር)ን ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴን ምስ ብሚኒስትር ልምዓት ኢኮኖሚ ሩሲያ ማክሲም ሬሺትኒኮቭ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ሎሚ ዘትዮም። ክልቲኦም ወገናት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሩሲያን ዘሎ ክልቲኣዊ ምትሕብባር ኢኮኖምን ፋይናንስን ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት መኺሮም። እተን ሃገራት ብምትሕብባር ክሰርሓሎም ኣብ ዝኽእላሉ ዓውድታት እውን ሓሳብ ተለዋዊጦም።
ርክብ ኢትዮጵያን ሩሲያን ናብ ዝለዓለ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ንምዕባይ ዝዓለመ ምኽክር ተኻይዱ
Nov 5, 2025 206
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 26/2018 (ኢዜኣ) ርክብ ኢትዮጵያን ሩሲያን ናብ ዝለዓለ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ንምዕባይ ዝዓለመ ምኽክር ተኻይዱ። ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)ን ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴን ምስ ምክትል ሓላፊ ፈፃሚ ስራሕ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ሩሲያ ማክሲም ኤስ ኦሬሽኪንን ሚኒስትር ልምዓት ኢኮኖሚ ሩሲያ ማክሲም ሬሼትኒኮቭን ዘትዮም። ኣብ ዘተኦም እውን፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ስትራቴጂካውን ኢኮኖሚያውን ጉዳያት ምዝታዮም ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ የመላኽት። ብተወሳኺ እውን ኣብ ዘላቒ ልምዓት፣ዞባዊ ድሕንነትን ሓባራዊ ልምዓትን ምዝታዮም ተገሊፁ። ሚኒስትር ጌዲዮን (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን፤ ሩሲያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ምትሕብባር ንዝገበረቶ ቀፃልነት ዘለዎ ደገፍ ኣመስጊኖም። ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ግብርና፣ማኑፋክቸሪንግ፣ኣይሲቲ፣ ልምዓት መዓድን፣ሓፂነ መፂን፣መሰረተ ልምዓት ኢነርጂ፣ ኑክሊየርን ካልኦት ዓውድታትን ብምትሕብባር ምስራሕ ዝከኣለሎም ምችው ኩነታት ኢንቨስትመንት ከምዘለዉ ኣረዲኦም።
እዚ ምብራቕ ኣብ ኩሎም ዝተዋፈረሎም ግቡኣት ብጅግንነት ብዝለዓለ ብቕዓትን ቆራፅነትን ዋሕስ ዶብን ልኣላዊነትን ሃገሩ ኮይኑ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ
Nov 5, 2025 160
ሃረር/ጥቅምቲ 26/2018(ኢዜኣ) እዚ ምብራቕ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ኩሎም ዝተዋፈረሎም ግቡኣት ብጅግንነት ብዝለዓለ ብቕዓትን ቆራፅነትን ዋሕስ ዶብን ልኣላዊነትን ሃገሩ ኮይኑ ጠጠው ከምዝበለ ተገሊፁ። ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምክትል ኣዛዚ ንኦፕሬሽን ኮር 305 እዚ ምብራቕ ኮሎኔል ማርሼት ፈለገ፤ እቲ እዚ ኣብ ኩሎም ዝተዋፈረሎም ግቡኣት ብጀግንነት ብዝለዓለ ብቕዓትን ቆራፅነትን ዋሕስ ዶብን ልኣላዊነትን ሃገሩ ኮይኑ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ ኢሎም። ሰላም እቲ ዞባ ኣብ ምርግጋዕ፣ሰላምን ድሕንነትን ከባብታት ምብራቕ እታ ሃገር ዘተኣማምን ኣብ ምግባርን ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ልምዓት ኣብ ዝተትሓዘሎም ግዜ ገደብ ንክሳለጡ ቀትርን ለይትን ብምስራሕን ልኡኽትኡ ብዝለዓለ ብቕዓትን ቆራፅነትን እናተዋፅአ ከምዝርከብ ተዛሪቦም። ኣባላት እቲ ኮር ኣብቲ ዞባ ዝንቀሳቐሱ ፀረ ሰላም ሓይልታት ተኸታቲሎም ስጉምቲ ብምውሳድ ኣብቲ ከባቢ ዝኾነ ዓይነት ስግኣት ንከይህሉ እናሰርሑ ከምዝኾኑ እውን ኣረጋጊፆም። ኣዛዚ 1ይ ሻምበል 2ይ ሬጅመንት ክፍለ ሰራዊት 28 እቲ እዚ ሓለቓ ሚኢቲ ጌታሰው ጋሻው ብግደኦም፤ እቲ እዚ ብፍላይ ድማ ኣብ ሶማሊያ ንዝንቀሳቐስ ኣሸባሪ ኣል ሸባብን ካልኦት ግዳማዊ ፀላእትን ንሰላምን ልምዓትን ኢትዮጵያ ስግኣት ንከይኾኑ ሓላፍነቱ ብዝለዓለ ብቕዓት እናተዋፅአ ከምዝኾነን እዚ ድማ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉን ተዛሪቦም።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝሓለፉ 3 ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ዝተዋፈሩ ልዕሊ 49 ሽሕ ትካላት ንግዲ ስጉምቲ ተወሲዱ-ቢሮ ንግዲ እቲ ክልል
Nov 5, 2025 151
ኣዲስ ኣበበ/ጥቅምቲ 26/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ 3 ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመት ኣብ ልዕሊ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ዝተዋፈሩ ልዕሊ 49 ሽሕ ትካላት ንግዲ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ቢሮ ንግዲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ። ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ተስፋዬ ገሾ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ክልል ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ንግዲ ብምክልኻል ጥዕና ዘለዎ ስርዓት ንግዲ ንምርግጋፅ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ እናተሰርሐ እዩ። ኣብቲ በጀት ዓመት ኣብ ዝሓለፉ 3 ኣዋርሕ ካብ ቢሮታት ፖሊስ፣ዓቃቢ ሕጊ፣እቶትን ትራንስፖርትን እቲ ክልል ዝተውፃእፀአ ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ በቢዞብኡን ከተማታትን ሰፊሕ ቁፅፅር እናገበረ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም። ኣብቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ብዘይ ፍቓድ ንግዲ ኣብ ስራሕ ዝተዋፈሩ፣ኣብ ፍርያት ዘየድልዩ ነገራት ሓዊስካ ምሻጥን ዝርዝር ዋጋ ዘይምልጣፍን ዝመሳሰሉ ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ዝፈፀሙ ትካላት ንግዲ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ሓቢሮም። ብተወሳኺ እውን ኣብ ልዕሊ ዘጭበርብሩ፣ደረሰኝ ዘይህቡ፣ብዘይ ኣግባብ ፍርያትን ሸቐጣትን ዝእክቡን ዝሓብኡን ትካላት ንግዲ መጠንቀቕታ ምሃብ፣ምዕሻግን ካልኦት ምምሕዳራዊ ስጉምትታትን ተወሲዶም እዮም ኢሎም። ብሓፈሻ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝሓለፉ 3 ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ዝተዋፈሩ ልዕሊ 49 ሽሕ ትካላት ንግዲ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ኣረዲኦም።
ኣፈላላይ ሓሳብ ብኲናት ንምፍታሕ ዝግበር ምንቅስቓስ ጠጠው ክብል ኣለዎ-ጀነራል ሳሞራ ዩኑስ
Nov 4, 2025 179
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ/ 25/2018(ኢዜኣ) ኣብ ክልል ትግራይ ኣፈለላይ ሓሳብ እንትፍጠር ብኲናት ጥራሕ ንምፍታሕ ዝግበር ምንቅስቓስ ጠጠው ክብል ኣለዎ ክብሉ ነበር ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጀነራል ሳሞራ ዩኑስ ገሊፆም። ጀነራል ሳሞራ ዮኑስ ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ከምዝበልዎ፤ ቅድሚ ሕዚ ዝተፈፀመ ከቢድ ስሕተት ንህዝቢ ትግራይ ዋጋ ኣኽፊልዎ እዩ። ሕዚ ህዝቢ ትግራይ ይኣኽለኒ ኢሉ እዩ እውን ኢሎም። ብዝኾነ ኣጋጣሚ ዋላ ኳ ኲናት እንተተፈጢሩ እቲ ህዝቢ እዚ ናይ ምድጋፍ ሓሳብ ከምዘይብሉ ሓቢሮም። ቅድሚ ሕዚ ፀገማት ብዘተ ምፍታሕ ብዘይምኽኣሉ ዝተልዓለ ኲናት ንህዝቢ ትግራይ ከቢድ ጉድኣት ኣብፂሑሉ እዩ ኢሎም። እቲ ህዝቢ ክሳብ ሕዚ በሰላ እቲ ኲናት ከምዝተሸከመ ብምግላፅ፤ ከምዚ ዓይነት ከቢድ ስሕተት ክድገም ከምዘይብሉ ተዛሪቦም። «ኲናት ኣሸነፍካ ተሸነፍካ ጥዑም ኮይኑ ኣይፈልጥን ዝበሉ ጀነራል ሳሞራ፤ ኣብቲ ክልል ብርክት ዝበለ መንእሰይ ሂወቱ ስኢኑ፣ኣዴታት ብሓዘን ተጎዲአን፣ተፀጊመን እውን እየን፤ ስለዝኾነ ድማ እቲ ህዝቢ ናብ ኲናት ክኣትው ኣይግባእን ኢሎም። ኣብ ውሽጢ ዝኾነ ዓይነት ፀገም ወይ ድማ ኣፈላላይ ሓሳብ እንትፍጠር ብኲናት ጥራሕ ንምፍታሕ ዝግበር ምንቅስቓስ ጠጠው ክብል ከምዘለዎ ብምሕባር፤ ኣፈላላያት ብሰላም ጥራሕ ክፍትሑ ኣለዎም ኣብ ዝብል እምነት ምፅናዕ ከምዝግባእ እውን ኣረዲኦም። ኣብቲ ክልል ፀገም ኲናት ክመፅእ እዩ እናበሉ ዘይተጨበጠ ወረ ዝነዝሑ መራሕቲ ሰራዊት ይሰምዕ እየ ዝበሉ ጀነራል ሳሞራ፤ እዚ ግና ውልቃዊ ሓሳቦም ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ኣነ ዝብሎም ግና ሓቃዊ ኣገልገልቲ ህዝቢ እንተኾይኖም ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ፀገም ፀጥታ ምፍታሕ ቀዳማይ ጉዳዮም ክገብርዎ ይግባእ ኢሎም።
24 ጥቅምቲ እንትዝከር ሃገራዊ ህልውና ኣብ ምርግጋፅ ታሪኽ ዝሰርሑ ጀጋኑ ብምዝካር ክኸውን ኣለዎ-ሌ/ጄ ዘውዱ በላይ
Nov 3, 2025 170
ኣዲስ ኣበባ/ ጥቅምቲ/24/ 2018 (ኢዜኣ) 24 ጥቅምቲ እንትዝከር ሃገራዊ ህልውና ኣብ ምርግጋፅ ታሪኽ ንዝሰርሑ ጀጋኑ ብምዝካር ክኸውን ኣለዎ ክብሉ ኣዛዚ ማእኸላይ እዚ ዳሎል ሌ/ጄ ዘውዱ በላይ ገሊፆም። ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ሓምሻይ ዓመት፥ “ከይድገም፣ ፍፁም እውን ኣይንርስዖን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣመራርሓ ማእከላዊ እዚ ፣ ኣባላትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብን ኣብ ዝተረኸብሉ ብፓናል ዘተ ኣብ ከተማ ጅማ ተዘኪሩ። ኣባላት ሰራዊት ኣብቲ መድረኽ፤ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብዙሕ ምምዝባል ከምዘስዓበ ብምዝኽኻር ናይ ሰላም ዋጋ ምግንዛብ ይግባእ ኢሎም። ኣብ ልዕሊ እቲ ሰራዊት ዝበፅሐ በደል ንከይድገም ብንቕሓት ምስራሕ ከምዘድሊ እውን ኣገንዚቦም። ናይቲ እዚ ኣዛዚ ሌተናል ጄኔራል ዘውዱ ብግደኦም፤ እቲ መዓልቲ እንትሕሰብ ኣብቲ እዋን ዝተፈጠረ ኩነታት ብምኹናን፣ብክሕደት ተወጊኦም መስዋእቲ ንዝኸፈሉ ኣባላት ሰራዊት ብምዝካር ክኸውን ይግባእ ኢሎም።
ኣብ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ሓምሻይ ዓመት “ከይድገም፣ ፈፂምና እውን ኣይንርስዖን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይዝከር ኣሎ
Nov 3, 2025 99
ኣዲስ ኣበባ/ ጥቅምቲ/24/ 2018 /ኢዜኣ/ኣብ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ሓምሻይ ዓመት “ከይድገም፣ ፈፂምና እውን ኣይንርስዖን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይዝከር ኣሎ። መጥቃዕቲ እዚ ሰሜን እንትንዝክሮ ፍፁም ንከይድገም እዩ ክብሉ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም። ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ሰራዊት ምክልኻል መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ሓምሻይ ዓመት “ከይድገም፣ ፈፂምና ኣይንርስዖን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይዝከር ኣሎ። ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተረኺቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ሰሜን እዚ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ፍፁም ዘይርሳዕ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። እዚ ሰሜን ኣብ ክልል ትግራይ ንዓመታት ካብ ፅሕተራ ሻዕቢያ ንህዝቢ እቲ ክልል እንትሕሉ ካብ ምፅንሑ ብተወሳኺ ብገንዘቡ፣ጉልበቱን ፍልጠቱን እናደገፈ ምፅንሑ ኣዘኻኺሮም። ኣብ ልዕሊ እዚ ሰራዊት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ፀሊም ነጥቢ ዘዕረፈ ታሪኽ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም። ሃገር ንምፅናሕ በቢእዋኑ መስዋእትነት ተኸፊሉ እዩ ብምባል እዚ ሰሜን ፍሉይ ዝገብሮ ብናይ ባዕሉ ወገናት ናይ ጭካነ ተግባር ዝተፈፀመሉ ብምዃኑ እዩ ኢሎም። ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ በቢዓመቱ እንዝክሮ ፍፁም ንከይድገም እዩ ክብሉ እውን ኣፅንኦት ሂቦም። ኣብ እዚ ሰሜን ዝተፈፀመ ተግባር ጭካነ እንትዝከር ብዛዕባ ክሕደት ውሑዳት ኣባላት ህወሓት ከምዝኾነ ብምሕባር እዚ ጉጅለ ሐዚ እውን ናይ ሃገር ፀላኢ ኮይኑ ምቕፃሉ ኣመላኺቶም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንኣባላት ቤት ምኽሪ ዝሃብዎ መብራህርሂ ድሌት ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ትግራይ ብትኽክል ዘመላኸተ እዩ-ነበርቲ ከተማ መቐለ
Oct 31, 2025 290
መቐለ/ጥቅምቲ 21/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንኣባላት ቤት ምኽሪ ዝሃብዎ መብራህርሂ ድሌት ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ትግራይ ብትኽክል ዘመላኸተ ከምዝኾነ ነበርቲ ከተማ መቐለ ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ መበል 2ይ ስሩዕ ኣኼባ 5ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ 6ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝቐረቡሎም ሕቶታት መብራህርህን መልስን ምሃቦም ዝዝከር እዩ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መብራህሪህኦም ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ወቕታዊ ኩነታትን መንግሥቲ ንሰላም ዘለዎ ቆራፅነትን ብዝምልከት ኣፅንኦት ሂቦም ተዛሪቦም እዮም። ድሌት ህዝቢ ትግራይ ዘላቒ ሰላምን ተረባሕነት ልምዓትን ምዃኑ ብምግላፅ፤ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ስዒቡ መንግሥቲ ፌዴራል ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ምስላጡ እውን ሓቢሮም እዮም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር። ኣብዚ ጉዳይ ኢዜኣ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከተማ መቐለ፤ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ዝሃብዎ መብራህርሂ ድሌት ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ትግራይ ብትኽክል ዘመላኸተ እዩ ኢሎም። ካብቶም ነበርቲ መንእሰይ ይልማ ሃብቴ፣ኣይተ ኣፅብሃ ኣብርሃን መምህር ሃይለ ከለለውን፤ ህዝቢ ክልል ትግራይ ናብ ጎንፅን ኵናትን ንምእታው ንዝሰርሑ ኣካላት ብፍፁም ኣይቕበልን ክብሉ ገሊፆም። ድሌት እቲ ህዝቢ ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ሰላምን ልምዓትን ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እዚ ድሌቱ ብኣግባቡ ተረዲኡ ዝሰርሐሉ ምምሕዳር ከምዝደሊ እውን ሓቢሮም። ብፍላይ ድማ ድሌት እቲ መንእሰይ ሰሪሕኻ ምልዋጥን ሂወቱ ብኣግባቡ ምምራሕን ከምዝኾነ ዝገለፀ መንእሰይ ይልማ ሃብቴ፤ ኣብቲ ክልል ህዝቢ ተረባሒ ዝገብሩ ፕሮጀክትታትን ስራሕቲ ልምዓትን ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ሓቲቱ። ድሌት ህዝቢ ትግራይ ሰላሙ ብምሕላው ንልምዓት ሃገር ብሓባር ምስራሕን ምጥቃምን ስለዝኾነ ንተግባራዊነቱ እጃምና ክንዋፃእ ኢና ኢሉ። ኣብ ከተማ መቐለ መምህር ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓድሓ ሃይለ ከለለው ብግደኦም፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንዕዉትነት ልምዓትን ህንፀት ሰላምን ዝገብርዎ ዘለዉ ስራሕ ዝነኣድ እዩ ኢሎም። ህዝቢ ትግራይ እውን ዝደሊ እዚ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም መምህር፤ ድሌት እቲ ህዝቢ ብዝተረድአ መልክዑ ነቲ ቤት ምኽሪ ዝሃብዎ መብራህርሂ ግቡእን ትክክለኛን ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም። ካሊእ ነባሪ እቲ ከተማ ኣይተ ኣፅብሃ ኣብርሃ፤ ብኩሉ መልክዕ ዕቤትን ብልፅግናን ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር መንግሥቲ ዘሳልጦም ዘለዉ ኩለ መዳያዊ ስራሕቲ ልምዓት ተስፋ ዘለዎም ከምዝኾኑ ተዛሪቦም። ስለዝኾነ እውን ኣብ ኩሎም ከባብታት ሰላም ብምፅናዕ ልምዓት ንምቕፃል ሓባራዊ ልምዓትን ተረባሕነትን ጋህዲ ንምግባር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ምስ ክልል ትግራይ ብዝተኣሳሰረ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዝሃብዎ መብራህርሂ እውን ድሌት ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ እቲ ክልል መሰረት ዝገበረን ትኽክለኛ ትዕዝብትን ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ኣህጉራዊ ጉባኤ ፖሊሲ መሬት ክተተኣናግድ እያ
Oct 30, 2025 233
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 20/2018 (ኢዜኣ) መበል 6ይ ኣህጉራዊ ኮንፈረንስ ፖሊሲ መሬት ካብ 1 ክሳብ 5 ሕዳር 2018 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ። እቲ ኮንፈረንስ፤ “ምምሕዳር መሬት፣ፍትሕን ካሕሳን ንኣፍሪካውያንን ዘርኢ ኣፍሪካውያንን” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ እንትኸውን ሕብረት ኣፍሪካ፣ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ኢሲኤ)ን ብሓባር ዘዳለውዎ እዩ። ምስ ማሕበራዊ፣ኢኮኖሚያዊ፣ታሪኻውን ከባብያውን ጉዳያት ኣፍሪካ ዝተጠዓዓሙን ንነበራዊ ሓቂ ምላሽ ዝህቡን ሙሩፃት ተሞኩሮታት ፖሊሲ መሬት ኣብቲ ኮንፈረንስ ክቐርቡ እዮም። ውፅኢታውን ተሓታትነት ዝተረጋገፀሉን ስርዓት ምምሕዳር መሬት ምህናፅ፣ትካላዊ ዓቕሚ ምፍጣርን ክትትልን ቁፅፅርን ምጥንኻርን ኣብ ዝከኣለሎም ኩነታት ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ዛዕባታት ዘተ ከምዝግበር ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት። ኣብቲ ኣህጉራዊ ኮንፈረንስ፤ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሃገራት ኣባል ሕብረት ኣፍሪካ፣ትካላትን ኣወዳድባታትን እቲ ሕብረት፣ተመራመርቲ፣ሰብ ሞያ ፖሊሲ፣መራሕቲ ማሕበረሰብ፣ተወለድቲ ኣፍሪካውያንን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ክሳተፉ እዮም። እቲ ኮንፈረንስ በቢ ክልተ ዓመት ከምዝዝካየድ እውን ተገሊፁ።
ዓመታዊ ስልጠና ፓርቲ ብልፅግና ምክያድ ጀሚሩ
Oct 30, 2025 233
አዲስ አበባ/ ጥቅምት/ 20/2018(ኢዜአ)፡- ናይ 2018 ዓመታዊ ስልጠና ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ምክያድ ጀሚሩ እቲ ዝዋሃብ ዘሎ ስልጠና "ብመንፅር መንግስቲ መደመር ፣ዝላ ዘርፍታት" ኣብ ትሕቲ ዝብ መሪሕ ሓሳብ ኮይኑ ን ዝቐፅሉ 10 ማዕልትታት ዝዋሃብ እዩ። እቲ ስልጠና ንፍልጠት ኣመራርሓ ክህሎትን፣ ዓቐምን ዝሃንፁ ዝተፈላለዩ ርእስ ጉዳያት ዝቐርብሉ ምኹኑ ተገሊፁ። ኣብ እቲ ስልጠና ልዕሊ 2 ሽሕ ካብ ፌዴራልን ክልላትን ዝተወፃፅኡ ለዕለዎት ኣመራርሓ ከም ዝሳተፉ ተፀሪሑ። ጎና ጎኒ እቲ ስልጠና ናይ ተግባር ዑደት ስራሕ ልምዓት ከምዝካየድ ተመላኺቱ።
ኢትዮጵያ ንሰላም ደቡብ ሱዳን ኣድላይ ደገፍ ክትገብር እያ-ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)
Oct 29, 2025 294
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 19/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ንሰላምን ምርግጋዕን ደቡብ ሱዳን ትገብሮ ደገፍ ኣጠናኺራ ከምትቕፅለሉ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ገሊፆም። ኢትዮጵያ ምስ ደቡብ ሱዳን ኣብ መሰረተ ልምዓት ዘለዋ ምትእስሳር ንምጥንኻር ድሌት ከምዘለዋ እውን ሓቢሮም። ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ንብሚኒስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ደቡብ ሱዳን ፒዬንግ ዴንግ ኩኦል ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም። እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ደቡብ ሱዳን ብፍላይ ድማ ኣብ ግዝኣት ኣቢዬ ዘሎ ወቕታዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ገለፃ ገይሩ። ኢትዮጵያ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ዛዚማ ብዓወት ብምምራቓ ዝተሰምዖም ሓጎስ ብምግላፅ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም። ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)፤ ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲት ኣብ ምረቓ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ብምስታፎም ዘለዎም ምስጋና ኣቕሪቦም። እቶም ሚኒስትር ኢትዮጵያ ንሰላምን ምርግጋዕን ደቡብ ሱዳን ዘለዋ ቆራፅነት እውን ኣረጋጊፆም። ክልቲአን ሃገራት ኣብ መሰረተ ልምዓት ዝበለፀ ብምትእስሳር ዞባዊ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ንምጥንኻር ክሰርሓ ከምዝግባእ ምግላፆም ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ የመላኽት።
ትግራይ ልምዓት የድልያ እዩ፤ ስለዝኾነ ድማ ብሰላማዊ መንገዲ ብምትሕብባር ንልምዓት ምስራሕ ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Oct 29, 2025 228
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ /19/2018(ኢዜኣ) ትግራይ ልምዓት የድልያ እዩ፤ ስለዝኾነ ድማ ብሰላማዊ መንገዲ ብምትሕብባር ንልምዓት ምስራሕ ይግባእ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልስን መብራህርህን ከምዝበልዎ፤ ትግራይ ልምዓት የድልያ እዩ፤ ስለዝኾነ ድማ ብሰላማዊ መንገዲ ብምትሕብባር ንልምዓት ምስራሕ ይግባእ። ኣብ ክልል ትግራይ ተወሳኺ ውግእ ንክካየድ ኣይንደልን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ተሓባቢርና ሃገር ምልማዕ ኢና ንደሊ ኢሎም። ካብዚ ወፃኢ መንግሥቲ ብሓይሊ ንምውዳቕ ድሌት እንተሃልዩ ፈፂሙ ክዕወት ኣይኽእን፤ መንግሥቲ ፌዴራል ንክልል ትግራይ ዝምድቦ በጀት ንልምዓት ዘይኮነስ ንዕጡቓት እናወዓለ እዩ ዝርከብ ክብሉ እውን ተዛሪቦም። እዚ ድማ ትኽክል ከምዘይኮነ ብምግላፅ፤ ትግራይ ልምዓት ስለዘድልያ ብሰላማዊ መንገዲ ብምትሕብባር ንልምዓት ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም። ኣብ ክልል ትግራይ ተወሳኺ ውግእ ንኽካየድ ኣይንደልን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ መንግስቲ ብሓይሊ ንምውዳቕ ድሌት እንተሃሊዩ ግን ፍፁም ክሰምር ዝኽእል ኣይኮነን ኢሎም። ኣብ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ዝተቐመጡ ቀንዲ ጉዳያ ንምፍፃም መንግስቲ ድሉው ከምዝኾነን ብዙሕ ርሕቐት ብምኻድ እናተግበረ ከምዝርከብን እውን ኣብሪሆም፡፡ ኣብ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ዝተቐመጡ ቀንዲ ነጥቢታት ከየዘኻኸሩ ዘይሓለፉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ህወሓት ዘካየዶ መረፃ ሕጋዊ መረፃ ስለዘይኮነ ምስራዝ ኣብ ክልል ትግራይ ሕጋዊ ብዘይኮነ መረፃ ዝተጣየሸ ምምሕዳርን ቤት ምኽሪን እቲ ክልል ፈሪሱ ካብ ኩሉ ወገን ዝተውፃእፀአ ጊዚያዊ ምምሕዳር ምጥያሽ ዝብሉ ነጥብታት ዝተኻተቱ ምንባሮም ኣልዒሎም፡፡ ብህዝቢ ዝተመረፀ ስርዓት ፌደራል መንግስቲ ምኽባር ኣብቲ ክልል ዕጥቂ ሒዞም እንናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ ሓይሊታት ዕጥቂ ምፍታሕን ብተሃድሶ ናብ ስሩዕ ህይወቶም ምምላስን ዝተቛረፁ ኣገልግሎታት ናብ ስራሕ ክምለሱ ምግባር እቲ ካልእ ነጥቢ ነይሩ። ካብ መረበቶም ንዝተልዓሉ ዜጋታት ናብ መረበቶም ክምለሱ ከምኡ እውን ዝኾነ ይኹን ርክብ ወፃኢ ናይ ምግባር ስልጣን ዘለዎ መንግስቲ ፌደራል ጥራሕ ከምዝኾነ ምኽባር ዝብሉ ከምዝነበሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝብታት ኣዘኻኺሮም ። ኮይኑ እውን ሐዚ እውን ትግራይ ልምዓት ስለዘድልያ ብሰላማዊ መንገዲ ብምትሕብባር ንልምዓት ምስራሕ ከምዝግባእ ኣስሚሮምሉ።
ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ ንምስኣን ዝወሰደላ 30 ዓመት ናብ ቀይሕ ባሕሪ ንምምላስ ካሊእ 30 ዓመታት ኣየድልያን-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Oct 29, 2025 293
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ /19/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ ንምስኣን ዝወሰደላ 30 ዓመት ናብ ቀይሕ ባሕሪ ንምምላስ ካሊእ 30 ዓመታት ኣየድልያን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ 5ይ ዓመት ዘበነ ስርሑ መበል 2ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ዘካየደሉ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝተልዓልሎም ሕቶታትን ርኢቶታትምን መልስን መብራህርህን ሂቦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሰላምን ፀጥታን ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ ንምስኣን ዝወሰደላ 30 ዓመት ናብ ቀይሕ ባሕሪ ንምምላስ ካሊእ 30 ዓመታት ኣየድልያን። ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ሕጋዊ፣ታሪኻዊ፣መልክዓ ምድራውን ኢኮኖሚያውን ሕቶ ከምዝኾነ ኢና ንኣምን ክብሉ እውን ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ ንምስኣን ልዕሊ 30 ዓመት ዝወሰደ ቃልሲ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፤ እታ ሃገር ናብ ቀይሕ ባሕሪ ንምምላስ 30 ዓመት ኣየድልያን ኢሎም። ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ዝሰኣነትሉ ኩነታት ህዝቢ ኢትዮጵያ ይኹን ካቢኔ ዘይወሰኖ፣ተወከልቲ ዘይረኣይዎ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ሕቶ እዚ ዓብይ ጉዳይ መን እዩ ወሲንዎ ኢልካ ምሕታት ግቡእ እዩ ኢሎም። ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ዝሰኣነትሉ መንገዲ ሕጋውን ትካላውን መሰረት ከምዘይብሉ እውን ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ዓውዲ ፍትሒ ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ከምዝሰርሓ ገሊፀን
Oct 28, 2025 256
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 18/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ዓውዲ ፍትሒ ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ከምዝሰርሓ ኣፍሊጠን። ፎረም ምትሕብባር ዓቀብቲ ሕጊ ቻይና-ኣፍሪካ ኣብ ቻይና ግዝኣት ጓንዶንግ ከተና ጓንጁ ካብ 19 ክሳብ 20 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ክካየድ እዩ። ኣብቲ ፎረም ብሚኒስትር ፍትሒ ሃና ኣርዓያሥላሴ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ክሳተፍ እዩ። ሚኒስትር ፍትሒ ሃና ኣርዓያሥላሴ ምስ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ልኣላዊ ህዝቢ ቻይ ዪንግ ዮንግ ክልቲኣዊ ዘተ ገይረን። ኣብቲ ዘተ እውን ኢትዮጵያን ቻይናን መርኣያ ጥንታዊ ስልጣነን 55 ዓመታት ዘቑፀረ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ዘለወንን ሃገራት ምዃነን ተገሊፁ። ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምዝውዋር ፍርደኛታትን ኣብ ጉዳያት ገበን ሓባራዊ ምትሕብባርን ዝተገበሩ ስምምዓት ተግባራዊ ንምግባር ብክልቲኦም ወገናት ከምዝስራሕ ተሓቢሩ። ኣብ መንጎ ሚኒስቴር ፍትሒ ፌዴሪኢን ሚኒስቴር ፍትሒ ቻይናን ስራሕቲ ህንፀት ዓቕሚ ንምስራሕ መረዳድኢ ስምምዕ ዝተፈረመ እንትኸውን ኣብ ቀፃሊ ብዝበለፀ ምትሕብባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም። ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ቻይና ዪንግ ዮንግ ኢትዮጵያ ዋና መቐመጢ ሕብረት ኣፍሪካ ምዃና ብምግላፅ፤ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ጠንካራ ምሕዝነት ብምጥቃም ቻይና ምስ ኣፍሪካ ንዘለዋ ርክብ ከም መእተዊ በሪ ከምትሪኣ ሓቢሮም። ኣብ ቀፃሊ መንግስቲ ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ዝህልዎ ርክብ ብዝበለፀ ከምዘጠናኽር ምግላፆም እውን ሚኒስቴር ፍትሒ ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ኣብዚ ዓመት ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ 100 ንምብፃሕ እናተሰርሐ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Oct 28, 2025 295
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 18/2018(ኢዜኣ) ኣብዚ ዓመት ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ 100 ንምብፃሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣፍሊጦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ መበል 2ይ ስሩዕ ኣኼባ 5ይ ዓመት ዘበነ ስርሑ ተረኺቦም ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝተልዓልሎም ሕቶታት መልስን መብራህርህን ሂቦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብራህርህን መልስን፤ ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ትካላት ዝነበረ ፀገም ንምፍታሕ ብርክት ዝበሉ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም ኢሎም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ከምዝተጀመረ ብምሕባር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ቁፅሪ ማእከላት መውሃቢ ኣገልግሎት 18 ከምዝበፅሑ ሓቢሮም። ኣብ ቀረባ እዋን እውን ማእኸላት ኣገልግሎት ናብ ስራሕ ከምዝኣትዉ ብምግላፅ፤ ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ብብርኪ ሃገር መውሃቢ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ 100 ንምብፃሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ኣብ ኣገልግሎት ዜግነትን ኢሚግሬሽንን ዝተሰርሐ ሪፎርም ልዑል ለውጢ ከምዘምፀአ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ቅድሚ 3 ዓመታት ኢትዮጵያ ፓስፖርት ናይ ምሃብ ዓቕማ 270 ሽሕ ከምዝነበረ ብምዝኽኻርን ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ኣብ ዓመት 4 ሚልዮን ፓስፖርት ናይ ምቕራብ ዓቕሚ ከምዝተፈጠረን ገሊፆም። እዚ ውፅኢት ዝተረኸበ ድማ ኣብ ትካላዊ ሪፎርም ሱር ቦቆስ ለውጢ ስለዝተገበረ እዩ ኢሎም።
ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ 2 ነጥቢ 4 ሚሊዮን መናእሰይ ብነፃ ስልጠና ኮዲንግ ወሲዶም እዮም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Oct 28, 2025 221
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 18/2018(ኢዜኣ) ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ 2 ነጥቢ 4 ሚሊዮን መናእሰይ ብነፃ ስልጠና ኮዲንግ ምውሳዶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። መበል 2ይ ስሩዕ ኣኼባ 5ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ዝተኻየደ እንትኸውን፤ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝተልዓልሎም ሕቶታትን ርኢቶታትን መልስን መብራህርህን ሂቦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዲጂታላይዜሽን ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ 2 ነጥቢ 4 ሚሊዮን መናእሰይ ብነፃ ስልጠና ኮዲንግ ወሲዶም እዮም። እዚ ዓብይ ቁፅሪ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ 93 ሚሊዮን ዓማዊል ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ቴሌኮም እንትኾኑ 55 ሚሊዮን ዜጋታት ድማ ተጠቀምቲ ሞባይል ባንኪንግ ምዃን ክኢሎም እዮም ኢሎም። እዚ ድማ ኢትዮጵያ ዲጂታላይዝ ንምግባር ዝጀመርናዮ ስራሕ ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ጭቡጥ ለውጢ እናምፀአ ከምዝኾነ ዘመላኽት እዩ ክብሉ እውን ተዛሪቦም።
ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ 2 ነጥቢ 4 ሚሊዮን መናእሰይ ብነፃ ስልጠና ኮዲንግ ወሲዶም እዮም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Oct 28, 2025 134
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 18/2018(ኢዜኣ) ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ 2 ነጥቢ 4 ሚሊዮን መናእሰይ ብነፃ ስልጠና ኮዲንግ ምውሳዶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። መበል 2ይ ስሩዕ ኣኼባ 5ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ዝተኻየደ እንትኸውን፤ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝተልዓልሎም ሕቶታትን ርኢቶታትን መልስን መብራህርህን ሂቦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዲጂታላይዜሽን ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ 2 ነጥቢ 4 ሚሊዮን መናእሰይ ብነፃ ስልጠና ኮዲንግ ወሲዶም እዮም። እዚ ዓብይ ቁፅሪ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ 93 ሚሊዮን ዓማዊል ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ቴሌኮም እንትኾኑ 55 ሚሊዮን ዜጋታት ድማ ተጠቀምቲ ሞባይል ባንኪንግ ምዃን ክኢሎም እዮም ኢሎም። እዚ ድማ ኢትዮጵያ ዲጂታላይዝ ንምግባር ዝጀመርናዮ ስራሕ ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ጭቡጥ ለውጢ እናምፀአ ከምዝኾነ ዘመላኽት እዩ ክብሉ እውን ተዛሪቦም።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ዘሎ ምሕዝነት ዘላቒ ልምዓትን ብልፅግናን ምርግጋፅ ዘኽእል እዩ
Oct 28, 2025 234
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ /18/2018 (ኢዜኣ) ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ዘሎ ምሕዝነት ዘላቒ ልምዓትን ብልፅግናን ምርግጋፅ ዘኽእል ከምዝኾነ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው ገሊፀን። ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ንመፈፀሚ ዓመታዊ መርሃ ግብሪ 2025 ስምምዕ ፋይናንስ 90 ሚልዮን ዩሮ ተፈራሪሞም። እቲ ስምምዕ፤ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰውን ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሶፊ ፍሮም ኢመስበርገርን ፈሪመምዎ። ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው ኣብዚ እዋን፤ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ንመፈፀሚ ዓመታዊ መርሃ ግብሪ 2025 ስምምዕ ፋይናንስ 90 ሚልዮን ዩሮ ምፍርራሞም ሓቢረን። እቲ ስምምዕ ከም ምምሕዳር መሬት፣ሓለዋ ብዝሃ ሂወት፣ምፅዋር ለውጢ ከባብያዊ ኣየር፣ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ ምዕባይን ደገፍ ካብ ስደት ተመለስትን ኣብ ዝብሉ 4 ቁልፊ ፕሮግራማት ጠመተ ዝገበረ እዩ ኢለን። እዚ ድማ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ምትሕብባር ብሓዱሽ መንፈስ ምትሕብባር ዘጠናኽር ከምኡ እውን ኣብ ዓለም ለኸ ጉዳያት ዘሎ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ዘጠናኽር ከምዝኾነ ኣረዲአን። እቲ ስምምዕ፤ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ዘሎ ምሕዝነት ዘላቒ ልምዓትን ብልፅግናን ምርግጋፅ ዘኽእል ከምዝኾነ ተዛሪበን።
ኢትዮጵያ ኣብ ብሄራዊ ረብሓኣ ኢ-ፍትሓውን ኢ-ርትዓውን ውሳነ ዝተወሰነላ ሃገር እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Oct 28, 2025 102
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 18/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ብሄራዊ ረብሓኣ ኢ-ፍትሓውን ኢ-ርትዓውን ውሳነ ዝተወሰነላ ሃገር እያ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ መበል 2ይ ስሩዕ ኣኼባ 5ይ ዓመት ዘበነ ስርሑ ዘካየደ እንትኸውን ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝተልዓልሎም ሕቶታት መልስን መብራህርህን ሂቦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ፍትሓዊ ተጠቃምነት ማይ ኣባይ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ብሄራዊ ረብሓኣ ኢ-ፍትሓውን ኢ-ርትዓውን ውሳነ ዝተወሰነላ ሃገር እያ ኢሎም። ኣባይ ምጥቃም ተፈጥሮኣውን ሕጋውን መሰላ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ሃፍቲ ብሓባር ንምጥቃም እኹል እዩ፤ ኢትዮጵያ ሕዚ እውን ዘለዋ ቅዋም ግልፂ እዩ ክብሉ እውን ተዛሪቦም። ግብውያን ይኹን ሱዳናዊያን ኣሕዋትና እዮም ብምባል፤ ስለዚ ዘዋፅእ ብምዝርራብን ብምትሕብባርን ብሓባር ምዕባይ እዩ ኢሎም። ንሕና ንዝኾነ ይኹን ኣካል ብዝጎድእ መልክዑ ኣይንትልምን ኣይንሰርሕን ክብሉ እውን ኣረዲኦም።