ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ንሰላም ዝድግፍን ንፅንፈኛታት ዝኹንንን ህዝባዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ንሰላም ዝድግፍን ንፅንፈኛታት ዝኹንንን ህዝባዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ

ባህርዳር /ሰነ/ 22/2017(ኢዜአ)፦ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ንሰላም ዝድግፍን ንፅንፈኛታት ዝኹንንን ህዝባዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።
ኣብ እቲ ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ንፃዕሪ ሰላምን ልምዓትን መንግስቲ ብመድጋፍ ን ብምንኣድን ዝጎልበተ ደገፍን ሓገዘን ክንገብር ኢና ብምባል ተሳተፍቲ እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ኣረጋጊፆም።
ኣብክልል ኣምሓራ ሓደ ሓደ ከባበታት ጉጅለ ፅንፈኛ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍሞ ዘሎ መቐተልቲ ፣ምዕጋትን ዘረፋን ንኩንን ብምባል ኣብ እቲ ሰልፊ ኣቓሊሖም ።
ሰላም ንደሊ ኢና፣ መንግስቲ ሕጊ ብምኸባር ገበነኛታት ንፍርዲ የቐርበልና፣ ሃርበኝነት ልምዓት ንደቅና ክነውርስ ኢና፣ ሰላም ሃፍቲ ሃገር እዩ፣ ሰላም ንኹሉ ኹሉ ንሰላም ዝብሉን ካልዖት መልክትታት ኣማሓለሊፎም ።