ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ሓይሊ ኣቶሚክ(IAEA) ማሪያኖ ግሮሲ ዘቲዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ሓይሊ ኣቶሚክ(IAEA) ማሪያኖ ግሮሲ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/23/ 2017 /ኢዜኣ/ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ሓይሊ ኣቶሚክ(IAEA) ማሪያኖ ግሮሲ ዘቲዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘስፈርዎ መልእኽቲ ሎሚ ንጎሆ ኣብ ጉባኤ ሬይስ ኦፍ ሆፕ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝኣተዉ ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ሓይሊ ኣቶሚክ(IAEA) ማሪያኖ ግሮሲ ተራኺብና ኢሎም።
ዓለም ለኸ ሓይሊ ኣቶሚክ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ደገፍ ክንክን ሕክምና መንሽተሮ/ካንሰር፣ ጥዕና እንስሳት፣ ኒኩለር ኢንጂነሪንግን ማዕቐፋት ቁፅፅርን ዝጠመተ ከምዝኾነ ገሊፆም።
እቲ ዘተ ኣብ ከይዲ ኣብ ዘለዉ ደገፋትን ምትሕብባርን ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ሓቢሮም።