ሃገር ቦቆል ስርዓታት ኣፈታትሓ ጎንፂ ኣብ ህንፀት ዘላቒ ሰላም ርኡይ ኣስተዋጽኦ እናበርከቱ እዮም-ሚኒስትር መሀመድ እድሪስ

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /20/2017(ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ህንፀት ሰላምን ብሓድነት ምንባርን ንክጠናኸር ሃገር ቦቆል ስርዓታት ኣፈታትሓ ጎንፂ ርኡይ ኣስተዋጽኦ እናበርከቱ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ሰላም መሀመድ እድሪስ ኣፍሊጦም።

ሚኒስቴር ሰላምማሕበራዊ ሃፍትታትና ንሕብረ ብሄራዊ ሓድነትናኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሃገራዊ መድረኽ ምኽክር ኣባላትን ኣመራርሓን ዓበይቲ ዓዲ፣ኣቦታት ሃይማኖት፣መራሕቲ ዓሌታትን ትካላት ሰላምን ኣካይዱ።

ሚኒስትር ሰላም መሀመድ እድሪስ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ዘላቒ ሰላምን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ሃገር ቦቆል ስርዓታት ኣፈታትሓ ጎንፂ ዘይትካእ እጃም ኣለዎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈቶም ታሪኽ ፖለቲካ ብዝተፈጠሩ ፈተናታት ንዝፍጠሩ ፀገማት ፀጥታ ምላሽ ንምሃብ ስራሕቲ ኣማራፂ ሰላም ምስፍሕፋሕን ምኽባር ሕግን እናሳለጠ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ዓበይቲ ዓድን ኣቦታት ሃይማኖትን እውን ብዝተሰሓሓተ ስልሒት ዕጥቂ ዘልዓሉ ኣካላት መንግስቲ ዝፈጠሮ ኣማራፂ ሰላም ንክቕበሉ ኣብ ምግባር ናይ ምርድዳእ እጃሞም እናተዋፅኡ እዮም ዝርከቡ ኢሎም።

ሚኒስቴር ሰላም እውን ዓበይቲ ዓድን ኣቦታት ሃይማኖትን ዘማዕበልዎ ስራሕ ኣፈታትሓ ጎንፅን ህንፀት ሰላምን ንምቕፃል ብትኹረት እናሰርሐ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

እቲ ኣብ ኣካዳሚ ልህቀት ኣመራርሓ ኣፍሪካ ዝተኻየደ መድረኽ ምኽክር ልውውጥ ልምድን ምልላይ ሕድ ሕድን ዝተፈጠረሉ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ብተወሳኺ እውን ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ኣብ ሃገር ቦቆል ህንፀት ሰላምን ኣፈታትሓ ጎንፅን ፍልጠትን ፀጋኦምን ብምጥቃም ቀፃልነት ዘለዎ ስራሕ ዝሰርሕሉ ስርዓት ከምዝተዘርገሐ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም