እቲ ክልል መርኣያ ሰላም፣ልምዓትን ምክእኣልን ንምግባር ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ዝተረኸቡ ውፅኢታት ምጥንኻር ይግባእ-ኣይተ ኣደም ፋራህ



 

ወላይታ ሶዶ/ሰነ /24/2017 (ኢዜኣ) ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ እቲ ክልል መርኣያ ሰላም፣ልምዓትን ምክእኣልን ንምግባር ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ዝተረኸቡ ውፅኢታት ምጥንኻር ይግባእ ክብሉ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

ጠንካራ ክልላዊ ሓድነትን ሕብረትን ንዘላቒ ሰላምን ብልፅግናንኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ክልላዊ ኮንፈረንስ ሰላም፣ልምዓትን ሓድነትን ኣብ ከተማ ወላይታ ሶዶ ተኻይዱ።

ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ክልል ኣብ ማሕበራዊ፣ፖለቲካውን ኢኮኖሚያውን ዓውድታት ዝምዝገብ ዘሎ ውፅኢት ተጠናኺሩ ንክቕፅል ተሓጋጊዝካ ምስራሕ ይግባእ።

እቲ ኮንፈረንስ፤ ኣብ ሰላም፣ልምዓትን ሓድነትን እቲ ክልል ኣወንታዊ ለውጢ ብምምፃእን ሓድነት እቲ ህዝቢ ብምርግጋፅን ጉዳያት ሰናይ ምምሕዳር ናብ ዝሓሸ ብርኪ ንምብፃሕ ዝሕግዝ እዩ ኢሎም።

ኣብ ቀፃሊ ከፋፈልቲ ተረኻት ብምእላይ ብኣተሓሳስባ መደመር ሕውነትን ኣሓትነትን ተጠናኺሩ ንክቕፅል ብምግባር ጉዕዞ ብልፅግና ምቅልጣፍ ከምዘድሊ እውን ሓቢሮም።

ሓባራዊ መንነት ዘጠናኽሩ ሕብረ ብሄራዊነት ንምርግጋፅ ዝሓለፈ ፀገም ብይቅርታ ብምሕላፍ ኣብ ቀፃሊ ዝሓሸ ውፅኢት ንምምዝጋብ ምስራሕ ይግባእ ኢሎም።

ጠንካራ ክልላዊ ትካላት ብምፍጣር ብብቑዓት ኣመራርሓ ንክምርሑ ብምግባር ግዕዝይና ዝፅየፍ ወለዶ ምፍጣር ከምዝግባእ እውን ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም