ኣመራርሓን ኣወዳድባን እቲ ሰራዊት ብዝለዓለ ኩለመዳያዊ ብቕዓት ብወታደራዊ ጥበብን ዘበናዊ ቴክኖሎጅን ዝተደገፈ እዩ-ሌተናል ጀነራል ዘውዱ በላይ





 

ጅማ/ሰነ /20/2017(ኢዜኣ) ኣመራርሓን ኣወዳድባን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብዝለዓለ ኩለመዳያዊ ብቕዓት ብወታደራዊ ጥበብን ዘበናዊ ቴክኖሎጅን ዝተደገፈ ከምዝኾነ ዋና ኣዛዚ ማእኸላይ እዚ ዳሎል ሌተናል ጀነራል ዘውዱ በላይ ገሊፆም።

ኣብ ትሕቲ ማእኸላይ እዚ ዳሎል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ኮራት ዝሳተፍሉ ፌስቲቫል ስፖርት ኣብ ከተማ ጅማ ምክያድ ጀሚሩ።

ዋና ኣዛዚ ማእኸላይ እዚ ዳሎል ሌተናል ጀነራል ዘውዱ በላይ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ እዚ ዶብ ሃገር ካብ ምኽባር ብተወሳኺ ሓድነትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ዘጠናኽሩ ስራሕቲ እናሳለጠ እዩ ዝርከብ።

እዚ ዳሎል ኣብ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ኣብ ምልጋስ ደም፣ሕድሳት ኣባይቲ ዓቕሚ ዘይብሎም ዜጋታትን ተኸላ ፈልስን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ስራሕቲ ልምዓት ብምስታፍ ከምዝፍለጥ ሓቢሮም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ብጅግንነት ንክብርን ልኣላውነትን ሃገሩ ለይትን ቀትርን እናሰርሐ ዘሎ ብቑዕን ጠንካራን ሰራዊት እዩ ኢሎም።

እቲ ሰራዊት ብዝለዓለ ኩለመዳያዊ ብቕዓት፣ወታደራዊ ጥበብን ዘበናዊ ቴክኖሎጅን ብዝተወደበ መልክዑ እናተመርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ መኸታን ሓላውን ልኣላውነት ሃገር ካብ ምዃን ብተወሳኺ ኣብ ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን እውን እጃሙ እናተዋፅአ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ እውን ቀንዲ ዕላማ እቲ ፌስቲቫል ስፖርት እቲ እዚ ምስ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ዘለዎ ምትእስሳርን ሕድ ሕዳዊ ርክብ እቲ ሰራዊትን ብዝበለፀ ንምጥንኻር እዩ ኢሎም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ማእኸላይ እዚ ዳሎል ኮሎኔል በዛብህ ይመር ብግደኦም፤ ኣብቲ ውድድር ስፖርት ኣብ ትሕቲ እቲ እዚ ዝርከቡ 5 ኮራት ከምዝሳተፉ ብምግላፅ፤ ብዝተፈላለዩ ዓይነታት ስፖርት 10 መዓልትታት ከምዝወዳደሩ ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም