ኢትዮጵያ ኣብ ዝነኣድ ጉዕዞ ሕዳሰ ትርከብ-ምክትል ፕሬዚዳንት ናይጄሪያ ካሺም ሼቲማ




 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 20/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ዝነኣድ ጉዕዞ ሕዳሰ እያ ትርከብ ክብሉ ምክትል ፕሬዚዳንት ናይጄሪያ ካሺም ሼቲማ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(/) ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ናይጄሪያ ካሺም ሼቲማ ቁልፊ ኣብ ዝኾኑ ክልቲኣውን ኣህጉራውን ጉዳያት ምዝታዮም ዝዝከር እዩ።

እቶም ምክትል ፕሬዚዳንት፤ ዘደንቑ ሓድግታትን ታሪኽን ኢትዮጵያ ኣጉሊሁ ብዘርኢ መልክዑ ተሓዲሱ ንምርኢት ክፍቲ ዝኾነ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ጎብንዮም።

ዑደቶም ብዝምልከት እውን ኣብ ዕላዊ መዝገብ ክብሪ ኣብ ዘቐመጥዎ መልእኽቲ መዘከርታ፤ እቲ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ህያው ታሪኽ እዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ብሕታዊት ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይተገዝአት ሃገር ከምዝኾነት ብምዝኽኻር፤ ኣብ ዝነኣድ ጉዕዞ ሕዳሰ እያ ትርከብ ኢሎም።

ብድሙቕ ፀጋ ታሪኽን ዓባይ ሃገርነትን ኢትዮጵያ ኩርዓት ከምዝተሰምዖም እውን ኣብ መልእኽቶም ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም