ዓለም ለኸዊ ዜናታት - ኢዜአ ትግርኛ
ዓለም ለኸዊ ዜናታት
ብዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ክስነ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሉ መበል 44 ጉባኤ ኣፈፀምቲ ሕብረት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ክጅመር ኢዩ
Feb 14, 2024 85
ኣዲስ ኣበባ /ካቲት/6/ 2016 /ኢዜአ/ብዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ክስነ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሉ መበል 44 ጉባኤ ኣፈፀምቲ ሕብረት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ክጅመር ኢዩ። ኣብቲ ጉባኤ ንመበል 37 ኣጀንዳ ጉባኤ መራሕቲ ምርቃቕ ሓዊሱ ዝተፋላለዩ ርእሰ ጉዳያት ከምዝለዓሉ መርሃ ግብሪ እቲ ሕብረት የመላክት። ኣብቲ ጉባኤ ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ብተወሳኺ ዓለም ለኸ ትካላትን ካልኦት ሃገራትን ከምዝሳተፉ ትፅቢት ይግበር። ከምዚ ዓይነት ጉባኤታት ነአሰናዳእቲ ሃገራት ኣብ ኮንፈረንስ ቱሪዝም ዘለዎም ግደ ዕዙዝ ከምዝኾነ ይፍለጥ፡፡
ኢንሼቲቭ ናይል ቤዚን ዝተጣየሸሉ መበል 25 ዓመትን መዓልቲ ናይልን ኣብ ብሩንዲ ክኽበር እዩ
Feb 7, 2024 87
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 29/2016 (ኢዜኣ) ኢንሼቲቭ ናይል ቤዚን ዝተጣየሸሉ መበል 25 ዓመትን መበል 18 መዓልቲ ናይልን 14 የካቲት 2016 ዓ/ም ኣብ ብሩንዲ ከተማ ቡጁምቡራ ከምዝኽበር እቲ ኢንሼቲቭ ኣፍሊጡ። እቲ ኢንሼቲቭ ዝተጣየሸሉ በዓልን መዓልቲ ናይልን̎ኢንሼቲቭ ናይል ቤዚን ኣብ መበል 25 ዓመት፤ ዶብ ተሻገርቲ ተጠቃሚነት ምትሕብባር ናይል ምስፋሕ̎ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ክሳለጥ እዩ። መንግስቲ ብሩንዲን ኢንሼቲቭ ናይል ቤዚንን እቲ በዓል ብሓባር ከምዘዳለውዎ እቲ ኢንሼቲቭ ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ሓቢሩ።
መድረክ ዘተ ሕብረት ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ይሳለጥ ኣሎ
Feb 5, 2024 88
ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/27/ 2016 /ኢዜአ/ ሕብረት ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ምትሕብባር ዘፈር ጥዕና ዘተኮረ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ። እቲ መድረኽ ዘተ ክፍሊ ጥዕና፣ ሰብኣዊ ጉዳያትን ማሕበራዊ ልምዓትን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ዘሰናድኡዎ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡ ሕብረትን ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘለዎም ዓለም ለኸ ምትሕብባር ምጥንኻር፣ ስርዓታት ጥዕና ኣፍሪካን ኣውሮፓን ዓቕሚ ምህናፅን ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት ዘለዎም ምትሕብባር ምድንፋዕ ኣብ ዝካአለሉ ኩነታት ከምዝዛተዩ ኢዜአ ፀብፂቡ፡፡ ኣብቲ መድረኽ ዘተ÷ ኣብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኮሚሽነር ጥዕና፣ ሰብኣዊ ጉዳያትን ማሕበራዊ ልምዓትን ሚናታ ሳማቴ ሴሱማን ኮሚሽነር ድሕንነት ጥዕናን ምግቢን ሕብረት ኣውሮፓ ስቴላ ኪሪያ ኪዲስን ተረኺበን፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኣመራርሓታት ማእኸል ምክልካልን ምቁፅፃርን ሕማማት ኣፍሪካ፣ ሚኒስትር ልምዓትን ምትሕብባርን ዋና ከተማታት ቤልጂየም ካሮሊን ጄኔዝ፣ ተወከልቲ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ተሳቲፎም፡፡
ቻይና ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ንግዳዊ ልውውጥ ልዕሊ 282 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ምብፅሑ ተገሊፁ
Feb 1, 2024 110
ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/23/ 2016 /ኢዜአ/ቻይና ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ልውውጥ ንግዲ ልዕሊ 282 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ምብፅሑ ተገሊፁ፡፡ ሚኒስቴር ንግዲ ቻይና ከምዝሓበሮ÷ ምትሕብባር ንግዲን ኢኮኖሚን ንርክብ ቻይና-ኣፍሪካ ቁልፊ መሰረት ኢዩ፡፡ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2023 ቤጂንግ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዝነበራ ርክብ ንግዲ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ዕዉት ከምዝኾነ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ፡፡ ኣብቲ በጀት ዓመት ቻይና ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ኩለመዳይ ልውውጥ ንግዲ ልዕሊ 282 ነጥቢ 1 ቢሊየን ከምዝበፅሓ ሓቢሩ፡፡ እዚ ድማ ቻይና ን15 ተኸታታሊ ዓመታት ምስ ኣፍሪካ ልዑል ልውውጥ ንግዲ ዝገበረት ብሕታዊት ሃገር ከምዝገብራ ኣብሪሁ፡፡ ኣብ ቀፃሊ እውን ምትሕብባር ንግዲን ኢኮኖሚን ቻይና-ኣፍሪካ ብዝበለፀ ንምድንፋዕ ሓዱሽ ትልሚ ተሓንፂፁ እናተሰርሐ ምዃኑ ምግላፁ ሺንዋ ፀብፂቡ፡፡
ዝተፈላለዩ ፀገማት ንምፍታሕ ምትሕብባር ደቡብ-ደቡብ ኣድላዪ ይኸውን ኣሎ ተባሂሉ
Jan 23, 2024 111
ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/14/ 2016 /ኢዜአ/ዝተፈላለዩ ፀገማት ንምፍታሕ ምትሕብባር ደቡብ-ደቡብ ኣድላዪ ይኸውን ከምዘሎ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንገስታት ምክትል ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሳሙኤል ኢሳ ተዛሪቦም። ኣምባሳደር ሳሙኤል ኣብ ኡጋንዳ ካምፓላ ኣብ ዝተሳለጠ መበል ሳልሳይ ጉባኤ ምትሕብባር ደቡብ-ደቡብ ጉጅለ 77ን ቻይናን ተሳተፎም። ኣምባሳደር ሳሙኤል ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ጉባኤ ምትሕብባር ደቡ8ብ-ደቡብ ዓበይቲ ሃገራት ዘጋጥመን ዝተሓላለኽ ፀገማት ንምፍታሕ ዘለዎ ረብሓ ኣረዲኦም። ሓበራዊ ድምፂ እቲ ጉጅለ ንቐፃሊ ወለዶ ዝረብሕ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም። ሐዚ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ቅርፂ ዘለዎ ብዘይምዃኑ ክመዓራረ ይግባእ ምባሎም ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ሜሲን ስፔናዊት ኣይታና ቦንማቲ ን ብሉፃት ተፃወትቲ ፊፋ እዚ ዓመት ተባሂሎም
Jan 16, 2024 134
ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/7/ 2016 /ኢዜአ/ኣርጀንቲናዊ ኮኸብ ሊዮኔል ሜሲ ብሉፅ ተፃዋታይ ፊፋ እዚ ዓመት ብምዃን ተሓርዩ። ትማሊ ለይቲ ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ብሉፃት ተፃወትቲ ፊፋ 2023÷ ኣርጀንቲናዊው ኮኸብ ተፃዋታይ ኩዕሾ እግሪ ሊዮኔል ሜሲ ብሉፅ ተፃዋታይ እዚ ዓመት ኮይኑ። ኣብቲ ውድድር ተፃዋታይ ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ኤርሊንግ ሃላንድ ካልኣይ እንትወፅእ÷ ፈረንሳዊ ኮኸብ ክሊያን ኤምባፔ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ፡፡ ብመዳይ ደቂ ኣንስትዮ÷ ኣብ ጋንታ ባርሴሎና እናተፃወተት ትርከብ ስፔናዊት ኣይታና ቦንማቲ ብልፅቲ ተፃዋቲት ፊፋ እዚ ዓመት ብምዃን ተሓርያ፡፡
ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ኢንቨስት ምግባር ንህንፀት መፍረያ ወለዶ ኣገዳሲ እዩ-ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ
Jan 15, 2024 116
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 6/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ኢንቨስት ምግባር ንህንፀት መፍረያ ወለዶ ዓብይ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማሃመት ገሊፆም። እቶም ኣቦ መንበር እዚ ዝበሉ ኣብ መርሃ ግብሪ መኽፈቲ መበል 47 ስሩዕ ኣኼባ ቀወምቲ ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝገበርዎ መደረ እዩ። ናይ ሎሚ ዘበን መበል 47 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ፤ ̎ንመበል 21 ክፍለ ዘበን ዝምጥን ትምህርቲ ኣብ ኣፍሪካ̎ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ጠመተ ብምግባር ድሕሪ ሓደ ወርሒ ክካየድ እዩ። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማሃመት ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኣፍሪካ ዘጋጠሙ ጎንፅታት ናብ ሰላም ንክምለሱ ፃዕሪ እናተገበረ እንትኸውን ንዕውትነቱ ድማ ሓድነትን ምትሕብባርን ሃገራት ኣገዳሲ እዩ። ተወከልቲ ኣምባሳደራት እተን ኣባል ሃገራት ዝሓቖፈ ቀዋሚ ኮሚቴ እቲ ሕብረት፤ ትሕዝቶታት ኣኼባ እቲ ሕብረት ብምድላው ኢሉ እውን ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ንክብፃሕ ቁልፊ እጃም ዘለዎ ኣካል ምዃኑ ገሊፆም። እቲ ኮሚቴ ኣብቲ ኣኼብኡ ኣህጉራውን ጂኦ ፖለቲካውን ጉዳያት ብትኹረት ንክፍትሽን ምስ ዛዕባ 2063 ዝተጠዓዓመ ዘተ ንክህልዎን ኣተሓሳሲቦም። ብተወሳኺ እውን ኣብ በዓል ብዙሕ ወገን ጉዳያት፣ትካላዊ ሪፎርም እቲ ሕብረት፣ናይ ቀፃሊ መረፃ መራሕቲ እቲ ሕብረትን ካልኦት ተመሳሰልቲ ዛዕባታትን ኣመልኪቱ ክዝቲ ከምዘለዎ ሓቢሮም። መሪሕ ቃል ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ እዚ ዓመት ኣብ ትምህርቲ ዝጠመተሉ ምኽንያት መፍረያይ ሓይሊ ንምፍጣርን ምችው ኣህጉር ንምህናፅን ኣብ ትምህርቲ ዝግበር ኢንቨስትመንት ኣገዳሲ ስለዝኾነ እዩ ኢሎም።
መበል 47 ኣኼባ ተወከልቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ሕብረት ኣፍሪካ ተጀሚሩ
Jan 15, 2024 114
ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/6/ 2016 /ኢዜአ/መበል 47 ኣኼባ ተወከልቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ። ኣብቲ ኣኼባ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ ማህማትን ኣመራርሓታት እቲ ሕብረት፣ ኣካቢ እቲ ኮሚቴን ኣብል ሃገራት እቲ ሕብረትን እናተሳተፉ ይርከቡ። ዕለት 5ን 6ን ለካቲት 2016 ዓ.ም ኣብ ዝካየድ መበል 44 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚት ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ከምኡ እውን ኣብ 9ን 10ን ለካቲት 2016 ዓ.ም ንዝካየድ መበል 37 ጉባኤ መራሕቲ እቲ ሕብረት ዝቐርቡ ረቀቕቲ ዛዕባታት ክዝቲ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ። ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ኮሚቴ ኣብ ትሕቲ እቲ ሕብረት ዝርከባ ትካላት ኣፈፃፅመኦምን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2023 ዘካየደኦም ኣኼባታትን ዝምልከቱ ፀብፃባት ከምዝሰምዕ ካብቲ ሕብረት ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት፡፡
ባንኪ ዓለም ንኢትዮጵያ ሓዊሱ 6 ሃገራት ኣፍሪካ ልዑል ዕብየት ኢኮኖሚ ከምዘርእያ ተንቢዩ
Jan 11, 2024 91
ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/2/ 2016 /ኢዜአ/ባንኪ ዓለም ኢትዮጵያ ሓዊሱ ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ 2024 ዓ.ም.ፈ ልዑል ዕብየት ኢኮኖሚ ከምዘርእያ ተንቢዩ። እቲ ባንኪ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ፥ ኒጀር፣ ሴኔጋልን ሩዋንዳን ኣብ 2024 ኣብ ዓለም ልዑል ምዕባለ ኢኮኖሚ ካብ መንጎ ዘመዝግባ ሃገራት ኢየን ኢሉ። ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ፣ ኮትዲቯርን ኢትዮጵያን እውን ብተወሳኺ ኣብቲ ዓመት ልዑል ምዕባለ ኢኮኖሚ ክህልወን ከምዝኽእል እቲ ፀብፃብ ገሊፁ። ኣብቲ ዓመት ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪካ ብማእኸላይ ሓሙሽተ ሚኢታዊት ዕብየት ከምዝህልወን ኣብሪሁ።
ቻይና ምስ ኣሜሪካ ዑሩይ ወታደራዊ ርክብ ክህልዋ ከምትደሊ ገሊፃ
Jan 10, 2024 72
ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/1/ 2016 /ኢዜአ/ቻይና ምስ ኣሜሪካ ዑሩይን ኣብ ምክብባር ዝተመስረተን ወታደራዊ ርክብ ክህልዋ ከምትደሊ ኣፍሊጣ። ሚኒስቴር ምክልኻል ቻይና ቅዋሙ ዘፍለጠ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝተሰናደአ መበል 17 ዘተ ፖሊሲ ምክልኻል ክልቲአን ሃገራት ከምዝኾነ ሲጂቲ ኤን ፀብፂቡ፡፡ እቲ ሚኒስቴር ኣሜሪካ ኣብ ግንባር ዘሎ ሓይላ ጥቡቕ ቁፅፅር ከምትገብርን ኣብ ጉዳያት ድሕንነት እውን ብጥንቃቐ ከምትምልከትን ኣገንዚቡ፡፡ ኣሜሪካ ኣብ ባሕሪ ደቡብ ቻይና ዘስፈረቶ ወታደራዊ ሓይሊ ከምትንኪን ካብ ካሊእ ወገን ዝመፅእ ነገር ዝፅሕትር ተግባር ምድጋፋ ጠጠው ንኽተብል ሓቲቱ፡፡ ኣሜሪካ ብፍላይ ጉዳይ ድሕንነት ባሕሪን ሓይሊ ኣየርን ክንደይ ዝኣክል ትኹረት ዝጠልቡ ከምዝኾኑ ተገንዚባ ወታደራታ ብስነ-ምግባር ክትሃንፅ ከምዘለዋ እውን ኣመልኪቱ፡፡
ኣብ ጃፓን ብዘጋጠመ ርእደ ምድሪ ዛጊድ ልዕሊ40 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም
Jan 2, 2024 92
ኣዲስ ኣበባ/ ታሕሳስ/23/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ጃፓን ብዘጋጠመ ርእደ ምድሪ ዛጊድ ልዕሊ40 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም። ኣስታት 1 ሺሕ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን በቲ ፍርስራስ ዝተፀቐጡ ሰበት በህይወት ናይ ምድሓን ስራሕ ይሰርሑ ኣለዉ ተባሂሉ። ቀዳማይ ሚኒስትር ጃፓን ፉሚዮ ኪሺዳ እቲ ርእደ መሬት ብዙሕ ጉድኣት ከምዘስዓበ ተዛሪቦም። ሰራዊት ጃፓን ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ሰባት፥ ምግቢ፣ ማይን ኮበርታን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ እታዎታት የቕርብ ከምዘሎ ቢቢሲ ፀብፂቡ።
አቀባብላ ሓድሽ ዓመት አብ ዝተፈላለያ ሃገራት
Jan 1, 2024 85
ኣዲስ ኣበባ/ ታሕሳስ/22/ 2016 /ኢዜአ/ኣቆፃፅራ ዘበን ጎርጎሮሳውያን ዝጥቀማ ሃገራት ሓዱሽ ዓመት 2024 ተቐቢለን። እተን ሃራት ኣብ ርእሰ ከታማታተን ብዝተፈላለዩ ምርኢታትን ድሙቕ ስነ-ስርዓታትን ኢየን ሓዱሽ ዓመተን ተቐበሊን። ሩሲያ፣ ህንዲ፣ ጃፓን፣ እንግሊዝ ፣ደቡብ ኮሪያ፣ ጀርመን፣ ፈረንሳይን ካልኦት ሃገራትን ኣቆፃፅራ ጎርጎሮሳውያኑ 2024 ሓዱሽ ዓመት ተቐቢለን ኣለዋ። ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት እተን ሃገራት ድማ እቲ ሓዱሽ ዓመት ንምቕባል ኣብ ኣደባባያትን በረኽቲ ህንፃታትን ዝተሰናድኡ ምርኢት ርችታት ተኣንጊዶም። ኣውስትራሊያን ኒውዝላንድን ሓዱሽ ዓመት 2024 ኣቐዲመን ዝተቐበላ ሃገራት ከምዝኾና ሬውተርስ ፀብፂቡ።
ላዕለዋይ ኣመራርሓ ኣልሸባብ ማኣሊም ኣይማን ከምዝተቐተለ ተገሊፁ
Dec 23, 2023 100
ኣዲስ ኣበባ/ ታሕሳስ/13/ 2016 /ኢዜአ/ላዕለዋይ ኣመራርሓ ኣልሸባብ ማኣሊም ኣይማን ብደገፍ ሓይሊታት ኣሜሪካ ሰራዊት ሶማሊያ ብመሰረት ዘካየዶ ወፍሪ ከምዝተቐተለ ተገሊፁ። ማኣሊም አይማን ኣብ ሶማሊያን ከባቢኡን ዝተፈላለዩ ተግባራት ግብረ ራዕዲ ብምምራሕ ኣፈፂሙ ኢዩ ብዝብል እንትእለሽ ከምዝፀንሐ ይፍለጥ። ብፍላይ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ ኬኒያ ማንዳቤይ ወታደራዊ ምድብ ኣየር ብዝመርሖ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ኬኒያዊያንን ኣሜሪካዊያንን ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም። ስለዝኾነ ኣሜሪካ፥ እዚ ሰብ ዘለዎሉ ከባቢ ሓበሬታ ንዝሃበ ሰብ 10 ሚሊየን ዶላር ክኸፍል ኢየ ኢላ ነይራ። ማኣሊም አይማን እቲ ጥምር ሰራዊት ብመሰረት ዝገበሮ ወፍሪ ከምዝተቐተለ ሚኒስትር ሓበሬታ ሶማሊያ ዳውድ ኣዌይስ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ገሊፆም።
ኣውስትራልያ፡ ነፈርቲ ብውሕጅ ኣዕለቐሊቐን፤ ሓራግጽ ኣብ ከተማ ተራእዮም
Dec 18, 2023 113
ኣብ ኣውስትራልያ ኲንስላንድ ብደረጃ ክብረወሰን ዝተገለጸ ዝናብ ሓያል ውሕጅ ኣኸቲሉ። እዚ ዞባ ዝኸፍአ ምዃኑ ሰበስልጣን ሓቢሮም። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ካብ ዝነብሩሉ ከባቢ ክግዕዙ ከለዉ ካልኦት ድማ ብማይ ተኸቢቦም ተሪፎም። ካብቲ ከባቢ ዝተዘርግሑ ምስልታት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኬርንስ ዝጸንሓ ነፈርቲ ብማይ ኣዕለቕሊቐን የርእዩ። ኣብ ማእከል ከተማ ከኣ ሓራግጽ ተራእዮም። ሰባት ጀላቡ እናተጠቐሙ ካብ ገዛውቶም ይሃድሙ ኣለዉ። ዛጊድ፡ ዝሞተ ይዅን ዝጠፍአ ሰብ ብዝምልከት ዝቐረበ ጸብጻብ የለን። እቲ ኣዝዩ ብርቱዕ ዝናብ ንሰዓታት ክቕጽል ትጽቢት ይግበር። ብኣማኢት ንዝቝጸሩ ሰባት ካብቲ ሓደጋ ውሕጅ ምድሓን ዝተኽኣለ ክኸውን እንተሎ ብዙሓት ኣባይቲ ብማይ ኣዕለቕሊቘም። ሓይሊ ኤሌክትሪክን ጽርግያታትን ተቛሪጹ፤ ዝስተ ማይ ድማ እናነከየ ይመጽእ ኣሎ። መራሒ ኲንስላንድ ስቲቨን ማይልስ ንኮርፖሬሽን ፈነወ ኣውስትራልያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እቲ ዝኸፍአ ክዝክሮ ዝኽእል" ክብል ነቲ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ገሊጽዎ። እቲ ሕዚ ዘሎ ሻቕሎት ነቶም ብራኸኡ እናወሰኸ ኣብ ዝኸይድ ዘሎ ማይ ተኸቢቦም ዘለዉ ብፍላይ ዉጃል ኣብ ዝተበሃለት ርሕቕ ዝበለት ከተማ ዝርከቡ ናብ ውሑስ ቦታ ምውጻእ ምዃኑ ሓቢሩ። ሓደ ዝሓመመ ህጻን ዝርከቦም ትሽዓተ ሰባት፡ ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት ክበጽሕዎም ብዘይምኽኣሎም ኣብ ናሕሲ ሆስፒታል ሓዲሮም። እቶም ሰባት ሎሚ ሰኑይ ናብ ካልእ ቦታ ክወጽኡ ዝተገበረ ኰይኑ ንዅሎም ነበርቲ እታ ከተማ ምውጻእ ከምዘድሊ እቲ መራሒ ኣፍሊጡ። "ድሕሪኡ ብዛዕባ ዝስተ ማይ፡ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ቴሌኮሙኒኬሽንን ስክፍታታት ኣለና። ብዙሓት ጽርግያታት ተዓጽዮም ስለዘለዉ ብኣየር ደገፍ ክንህብ ኣይንኽእልን ኢና" ክብል ኣረዲኡ። እቲ ብርቱዕ ዝናብ ከምዝቕጽልን ልዑል ውሕጅ ከምዘስዕብን፣ እዚ ድማ ኣብ ትሑት ከባቢታት ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ዘስዕቦ ጽልዋ ከምዘሐይሎ ሰብሞያ ትንበያ ኣጠንቂቘም። ብዙሓት ሩባታት ነቲ ኣብ 1977 ኣጋጢሙ ዝነበረን ብክብረወሰን ዝተመዝገበን ሰፊሕ ውሕጅ ክሰብሩ ትጽቢት ይግበር። ንኣብነት ዳይንትሪ ዝተበሃለ ሩባ ድሮ ካብቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ክብረወሰን ብ2 ሜትሮ ሓሊፉ ኣሎ። ሰበስልጣን እታ ግዝኣት፡ እቲ ሓደጋ ብገንዘብ ክግመት እንተሎ 1 ቢልዮን ዶላር ኣውስትራልያ (529 ሽሕ ፓውንድ፤ 670 ሽሕ ዶላር) ከምዝኸውን ይግምቱ። ምብራቓዊ ኣውስትራልያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብተደጋጋሚ ዕልቕልቕ ከምዝተሃስየት ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብሓፈሻ እታ ሃገር ‘ኤል ኒኖ’ ንዝበሃል ምስ ከም ባርዕ ጫካን ህቦብላን ዝኣመሰሉ ጽንኩራት ፍጻመታት ዝተኣሳሰር ሓደጋ ኵነታት ኣየር ኣብ ምቅላስ ትርከብ። ኣውስትራልያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብተኸታታሊ ብከቢድ ድርቂ፡ ባርዕ ጫካን ተኸታተልቲ ዓመታት ክብረወሰን ዝሰበረ ውሕጅ ተሃስያ’ላ። ለውጢ ከባብያዊ አየር ንምዕራይ ህጹጽ ስጕምቲ እንተዘይተወሲዱ እቲ ዝመጽእ እዋናት ብዝገደደ ሓደጋታት ዝመልአ ክኸውን ከምዝኽእል ናይ ቀረባ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የጠንቅቕ።ከም ፀብፃብ ቢቢሲ
ፊፋ 32 ጋንታታት ዝሳተፋሉ ውድድር ፅዋዕ ዓለም ምድላዉ ኣፍሊጡ
Dec 18, 2023 102
ኣዲስ ኣበባ/ ታሕሳስ/8/ 2016 /ኢዜአ/ዓለም ለኸ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ(ፊፋ) 32 ጋንታታት ዝሳተፋሉ ዓለም ለኸ ውድድር ፅዋዕ ምድላዉ ኣፍሊጡ። ኣብ ዝተፈላለዩ ምድባት ቻምፒዮንስ ሊግ ዝተሳተፋ ጋንታታት ካብ 15 ሰነ ክሳብ 13 ሓምለ 2025 ዓ.ም.ፈ ግጥመንከምዝካየዳ ተገሊፁ። ፕሬዚዳንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖ፥ መርሃ ግብሪ እቲ ውድድር፥ ስሩዕ ፀወታታት ሊግን ዓለም ለኸን ብዘይዳፋእ አግባብ ከምዝተሰናደአ ተዛሪቦም። እተን 32 ጋንታታት፥ ኣብ ዝተፈላለያ ኣህጉራት ካብ ዝርከባ ሽዱሽተ ኮንፌዴሬሽናት ዝተውፃእፅኣ ጋንታታት ከምዝኾና ተሓቢሩ። ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓማውቲ ፅዋዕ ቻምፒዮንስ ሊግ ዘልዓለ፥ ጋንታ ቼልሲ፣ ማንቼስተር ሲቲን ሪያል ማድሪድን ብዘይ ምንም ምፅራይ ኣብቲ ውድድር ክሳተፋ ኢየን ክብል ቢቢሲ ስፖርት ፀብፂቡ።
ካብ መፃኢ ሓዱሽ ዓመት ፃዓዱ ጀሚሩ ብዘይ ቪዛ ናብ ኬኒያ ምእታው ክፍቀድ እዩ
Dec 13, 2023 98
ኣዲስ ኣበባ/ ታሕሳስ/3/ 2016 /ኢዜአ/ዝኾነ ይኹን ጋሻ ካብ ሓዱሽ ዓመት ፃዓዱ ጀሚሩ ብዘይ ቪዛ ናብ ኬኒያ ምእታው ከምዝኽእል ተሓቢሩ። ፕሬዚዳንት ኬኒያ ዊሊያም ሳሞኢ ሩቶ፥ ኣብ ኬኒያ ሓዱሽ ፖሊሲ ንምትግባር ዘኽእል ምህዳር ዲጂታል ኤሌክትሮኒክ መረዳእታ ከምዝተሰናደአ ተዛሪቦም። እቲ ውሳነ ዓውዲ ቱሪዝም እታ ሃገር ከምዘነቓቕሕ ዘ ኢስት ኣፍሪካን ፀብፂቡ። ኬንያውያን ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ይኹን ካብ ዝኾነ ከፍሊ ዓለም ዝመፅኡ ተጓዓዝቲ ንምቕባል ድልዋት ኢዮም ክብሉ እቶም ፕሬዚዳንት ተዛሪቦም።
ኣብ ከረፂት ማሽን ፅርየት ዝተረኸበት ልዕሊ 45 ሚልዮን ብር ዝዋጋኣ ቀለበት
Dec 12, 2023 89
ኣብ ፓሪስ ፈረንሳ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆቴል ዝጠፍአት 750 ሽሕ ዩሮ [ልዕሊ 45 ሚልዮን ብር - ብናይ ባንኪ ሸርፊ] ዝዋጋኣ ቀለበት ኣብ ከረፂት ማሽን ፅርየት (‘ቫክዩም ባግ’) ተረኺባ። ወናኒት ናይታ ኣዝያ ክብርቲ ቀለበት ዝዀነት ማለዥያዊት ነጋዲት ኣብቲ ሆቴል ኣዕሪፋ ዝነበረት ኰይና፡ ንሓደ ሰራሕተኛ “ንሱ እዩ ሰሪቑዋ” ብዝብል ጠርጢራ ብዓርቢ ንፖሊስ ጥርዓን ኣቕሪባ ነይራ። እንተዀነ ሓለውቲ ጸጥታ ሆቴል ሪትዝ፡ ነታ ቀለበት ብሰንበት ኣብ ከረፂት ማሽን ፅርየት ምስ ካልእ ጉሓፍ ተሓዊሳ ከም ዝረኸብዋ ጋዜጣ ለ-ፓሪስየን ኣመልኪታ። እታ ጋዜጣ ወሲኻ፡ እታ ጋሻ ብዓርቢ ናብ ለንደን ተጓዒዛ ምንባራን ሕዚ ግን ቀለበታ ክትወስድ ናብ ፓሪስ ክትምለስ ምዃናን ሓቢራ። ሆቴል ሪትዝ፡ ነታ ጋሻ ነቲ ዘጋጠማ ዘይምቹእነት ንምኽሓስ ተወሳኺ ሰለስተ ለይቲ ክትፀንሕ ብነፃ ኣቕሪቡላ ኣሎ ክብል ቢቢሲ ፀብጺቡ አሎ። እቲ ሆቴል ንጋዜጣ ለ ፓሪስየን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሳላ ጽፉፍ ስራሕ ሓለውቲ ጸጥታ፡ እታ ቀለበት ተረኺባ" ክብል ሓቢሩ። "ኣብ ኣለሻ ንዝተዋደዱን መዓልታዊ ብቕንዕናን ብሞያዊ ብቕዓትን ዝሰርሑን ሰራሕተኛታት ሪትዝ ፓሪስ ከነመስግኖም ንፈቱ" እውን ኢሉ። እታ ነጋዲት፡ ብዓርቢ ንውሱን ሰዓታት ናብ ዕዳጋ ኣብ ዝወፈረትሉ እዋን፡ ነታ ቀለበት ኣብ ጠረጴዛ ክፍሊ ሆቴላ ከም ዝገደፈታን ምስ ተመልሰት ድማ ከም ዘይረኸበታን ንፖሊስ ተዛሪባ። ኣብዚ እዋን ፖሊስ እታ ዋና ከይዳ ክሳብ እትርከቦም ነታ ቀለበት ብጥቡቕ ይከታተልዋ ከምዘለዉ ተፈሊጡ’ሎ። ኣብቲ ሆቴል ስልማት ከም ዝጠፍአ ክዝረብ እዚ ንመጀመርታ ግዜ ኣይኮነን። ኣብ 2018 ሓሙሽተ ዕጡቓት ኣብ ውሽጢ እቲ ፍሉጥ ትካል ካብ ዝርከብ ድኳን ስልማት ልዕሊ 4 ሚልዮን ዩሮ (3.5 ሚልዮን ፓውንድ) ዝግመት ንብረት ዘሚቶም ነይሮም። ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዓመት ድማ፡ ሓንቲ ስማ ዘይተጠቕሰ ኣባል ንጉሳዊ ስድራቤት ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብቲ ሆቴል ካብ ዘዕረፈትሉ ክፍሊ ኣማኢት ኣሽሓት ፓውንድ ዝግመት ስልማት ከምዝተሰርቀት ምሕባራ ይግለጽ።
ሓይልታት ሱዳን፡ ተዅሲ ደው ንምባል ተሰማሚዖም
Dec 11, 2023 87
ተዋጋእቲ ሓይልታት ሱዳን ውዕል ደው ምባል ተዅሲ ንምኽባር ከምዝተሰማምዑ ኢጋድ ገሊጹ። ዞባዊ ውድብ ልምዓት በየነ-መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪቃ (IGAD) እቲ ስምምዕ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ከምዝተበጽሐ ብሰንበት ኣፍሊጡ። ከም ፀብፃብ ቢቢሲብጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ኣንጻር ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ (ሕመቲ) ዝምራሕ ሰራዊት ህጹጽ ደገፍ ክዋጋእ ጸኒሑ። ኣብቲ ኣብ ጅቡቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ጀነራል ኣልቡርሃን ክሳተፍ እንተሎ፡ መራሕቲ አባል ሃገራት ኢጋድ ንጀነራል ሕመቲ ብስልኪ ከምዘዘራረብዎ ተሓቢሩ። ክልቲኦም ጀነራላት በቲ ዝቐረበሎም ምኽረ ሓሳብ ክሰማምዑ እንከለዉ፡ ተዅሲ ደው ድሕሪ ምባል ብኣካል ክራኸቡ ትጽቢት ይግበር። ነቲ ምኽንያት ምፍንቓል ሚልዮናትን ሞት ኣሽሓትን ኰይኑ ዘሎ ኲናት ብሰለማዊ መገዲ ንምፍታሕ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ቃል ኣትዮም ኣለዉ። ኣመሪካ፡ 'ክልቲኦም ወገናት ገበናት ኲናት ፈጺሞም' ኢላ ድሕሪ ምኽሳሳ እዩ፡ ስምምዕ ደው ምባል ተዅሲ ከምዝተበጽሐ ተገሊጹ ዘሎ። ዋሽንግተን፡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ደገፍቱ ሚልሻታትን ገበን ምጽናት ዓሌት ፈጺሞም ክትብል ከሲሳ እያ። ሰራዊት ሱዳን እውን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ነበርቲ ደብዳባት ኣየርን ከበድቲ ኣጽዋርን ብምፍጻም ይኽሰስ። እቲ ኲናት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ክቕጽል እንከሎ፡ ብሚልዮን ዝቝጸሩ ሱዳናውያን ብሰንኩ መረበቶም ገዲፎም ክስደዱ ተገዲዶም ኣለዉ። ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ቅድሚ ሕዚ እውን ተደጋጋሚ ውዕል ተዅሲ ደው ምባል ተፈራሪሞም ነይሮም፤እቶም ስምምዓት ግን ነዊሕ ከይጸንሑ ተጣሒሶም እዮም። በዚ ድማ ንሓድሕዶም ይካሰሱ።
ፕሬዚዳንት ፑቲን ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣቡ ዳቢ ኣትዮም
Dec 6, 2023 105
ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/26/ 2016 /ኢዜአ/ፕሬዚዳንት ኢምሬትስ ሕቡራት ዓረብ ሞሃመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብታ ሃገር ንዝኣተዉ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቪላድሚር ፑቲን ኣቀባብላ ገይረሙሎም። እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ፃንሒቶም፥ ኣብ ክልቲኣዊ ርክብን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታትን ከምዝዛተዩ ተገሊፁ። ፕሬዚዳንት ሞሃመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ንፕሬዚዳንት ፑቲን "ዝኸበርካ መሓዛይ" ብዝብል ብምፅዋዕ ምስኦም ዳግም ምርኻቦም ታሕጓስ ከምዝተሰመዖም ምግላፆም ኣርቲ ፀብፂቡ። ፑቲን ኣብ መንጎ ሩሲያን ኣቡዳቢን ዘሎ ርክብ ኣብ ቀረባ እዋን ይብርኽ ከምዘሎ ምግላፆም ይዝከር።
ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር ) ኣብ መካነ ርእይ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ዑደት ገይሮም
Dec 2, 2023 99
ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/22/ 2016 /ኢዜአ/ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር ) ኣብ መካነ ርእይ(ፓቪሊዮን) ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያን ዑደት ገይሮም። ኢትዮጵያ ስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ጉባኤ ኮፕ28 ኣብ ዘሎ ኣውደ ርእይ (ፓቪሊዮን) ኣብ ምፍላጥ ትርከብ። ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ጎኒ ንጎኒ እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ንምክልኻል ለውጢ ከባብያዊ አየር አተቅርቦ ዘላ ጭቡጥ መፍትሒ ዘርእይ መካነ ርእይ(ፓቪሊዮን) ዑደት መግባሮም ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ካብ ኢሜሬትስ ሕቡራት ዓረብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።