መበል 47 ኣኼባ ተወከልቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ሕብረት ኣፍሪካ ተጀሚሩ

110



 

ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/6/ 2016 /ኢዜአ/መበል 47 ኣኼባ ተወከልቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።

ኣብቲ ኣኼባ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ ማህማትን ኣመራርሓታት እቲ ሕብረት፣ ኣካቢ እቲ ኮሚቴን  ኣብል ሃገራት እቲ ሕብረትን እናተሳተፉ ይርከቡ።

ዕለት 5 6 ለካቲት 2016 . ኣብ ዝካየድ መበል 44 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚት ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ከምኡ እውን ኣብ 9 10 ለካቲት 2016 . ንዝካየድ መበል 37 ጉባኤ መራሕቲ እቲ ሕብረት ዝቐርቡ ረቀቕቲ ዛዕባታት ክዝቲ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ኮሚቴ ኣብ ትሕቲ እቲ ሕብረት ዝርከባ ትካላት ኣፈፃፅመኦምን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2023 ዘካየደኦም ኣኼባታትን ዝምልከቱ ፀብፃባት ከምዝሰምዕ ካብቲ ሕብረት ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም