ኢንሼቲቭ ናይል ቤዚን ዝተጣየሸሉ መበል 25 ዓመትን መዓልቲ ናይልን ኣብ ብሩንዲ ክኽበር እዩ

82


 

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 29/2016 (ኢዜኣ) ኢንሼቲቭ ናይል ቤዚን ዝተጣየሸሉ መበል 25 ዓመትን መበል 18 መዓልቲ ናይልን 14 የካቲት 2016 / ኣብ ብሩንዲ ከተማ ቡጁምቡራ ከምዝኽበር እቲ ኢንሼቲቭ ኣፍሊጡ።

እቲ ኢንሼቲቭ ዝተጣየሸሉ በዓልን መዓልቲ ናይልን̎ኢንሼቲቭ ናይል ቤዚን ኣብ መበል 25 ዓመት፤ ዶብ ተሻገርቲ ተጠቃሚነት ምትሕብባር ናይል ምስፋሕ̎ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ክሳለጥ እዩ።

መንግስቲ ብሩንዲን ኢንሼቲቭ ናይል ቤዚንን እቲ በዓል ብሓባር ከምዘዳለውዎ እቲ ኢንሼቲቭ ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ሓቢሩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም