መድረክ  ዘተ ሕብረት ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን  ይሳለጥ ኣሎ

84



 

ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/27/ 2016 /ኢዜአ/ ሕብረት ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ምትሕብባር ዘፈር ጥዕና ዘተኮረ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ዘተ ክፍሊ ጥዕና፣ ሰብኣዊ ጉዳያትን ማሕበራዊ ልምዓትን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ዘሰናድኡዎ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ሕብረትን ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘለዎም ዓለም ለኸ ምትሕብባር ምጥንኻር፣ ስርዓታት ጥዕና ኣፍሪካን ኣውሮፓን ዓቕሚ ምህናፅን ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት ዘለዎም ምትሕብባር ምድንፋዕ ኣብ ዝካአለሉ ኩነታት ከምዝዛተዩ ኢዜአ ፀብፂቡ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ÷ ኣብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኮሚሽነር ጥዕና፣ ሰብኣዊ ጉዳያትን ማሕበራዊ ልምዓትን ሚናታ ሳማቴ ሴሱማን ኮሚሽነር ድሕንነት ጥዕናን ምግቢን ሕብረት ኣውሮፓ ስቴላ ኪሪያ ኪዲስን ተረኺበን፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣመራርሓታት ማእኸል ምክልካልን ምቁፅፃርን ሕማማት ኣፍሪካ፣ ሚኒስትር ልምዓትን ምትሕብባርን ዋና ከተማታት ቤልጂየም ካሮሊን ጄኔዝ፣ ተወከልቲ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ተሳቲፎም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም