ቻይና ምስ ኣሜሪካ ዑሩይ ወታደራዊ ርክብ ክህልዋ ከምትደሊ ገሊፃ

68

 

ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/1/ 2016 /ኢዜአ/ቻይና ምስ ኣሜሪካ ዑሩይን ኣብ ምክብባር ዝተመስረተን ወታደራዊ ርክብ ክህልዋ ከምትደሊ ኣፍሊጣ።

ሚኒስቴር ምክልኻል ቻይና ቅዋሙ ዘፍለጠ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝተሰናደአ መበል 17 ዘተ ፖሊሲ ምክልኻል ክልቲአን ሃገራት ከምዝኾነ ሲጂቲ ኤን ፀብፂቡ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ኣሜሪካ ኣብ  ግንባር ዘሎ ሓይላ ጥቡቕ ቁፅፅር ከምትገብርን ኣብ ጉዳያት ድሕንነት እውን ብጥንቃቐ ከምትምልከትን ኣገንዚቡ፡፡

ኣሜሪካ ኣብ ባሕሪ ደቡብ ቻይና ዘስፈረቶ ወታደራዊ ሓይሊ ከምትንኪን ካብ ካሊእ ወገን ዝመፅእ ነገር ዝፅሕትር ተግባር ምድጋፋ ጠጠው ንኽተብል ሓቲቱ፡፡

ኣሜሪካ ብፍላይ ጉዳይ ድሕንነት ባሕሪን ሓይሊ ኣየርን ክንደይ ዝኣክል ትኹረት ዝጠልቡ ከምዝኾኑ ተገንዚባ ወታደራታ ብስነ-ምግባር ክትሃንፅ ከምዘለዋ እውን ኣመልኪቱ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም