ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ኢንቨስት ምግባር ንህንፀት መፍረያ ወለዶ ኣገዳሲ እዩ-ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ

112



 

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 6/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ኢንቨስት ምግባር ንህንፀት መፍረያ ወለዶ ዓብይ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማሃመት ገሊፆም።

እቶም ኣቦ መንበር እዚ ዝበሉ ኣብ መርሃ ግብሪ መኽፈቲ መበል 47 ስሩዕ ኣኼባ ቀወምቲ ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝገበርዎ መደረ እዩ።

ናይ ሎሚ ዘበን መበል 47 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ፤ ̎ንመበል 21 ክፍለ ዘበን ዝምጥን ትምህርቲ ኣብ ኣፍሪካ̎ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ጠመተ ብምግባር ድሕሪ ሓደ ወርሒ ክካየድ እዩ።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማሃመት ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኣፍሪካ ዘጋጠሙ ጎንፅታት ናብ ሰላም ንክምለሱ ፃዕሪ እናተገበረ እንትኸውን ንዕውትነቱ ድማ ሓድነትን ምትሕብባርን ሃገራት ኣገዳሲ እዩ።

ተወከልቲ ኣምባሳደራት እተን ኣባል ሃገራት ዝሓቖፈ ቀዋሚ ኮሚቴ እቲ ሕብረት፤ ትሕዝቶታት ኣኼባ እቲ ሕብረት ብምድላው ኢሉ እውን ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ንክብፃሕ ቁልፊ እጃም ዘለዎ ኣካል ምዃኑ ገሊፆም።

እቲ ኮሚቴ ኣብቲ ኣኼብኡ ኣህጉራውን ጂኦ ፖለቲካውን ጉዳያት ብትኹረት ንክፍትሽን ምስ ዛዕባ 2063 ዝተጠዓዓመ ዘተ ንክህልዎን ኣተሓሳሲቦም።

ብተወሳኺ እውን ኣብ በዓል ብዙሕ ወገን ጉዳያት፣ትካላዊ ሪፎርም እቲ ሕብረት፣ናይ ቀፃሊ መረፃ መራሕቲ እቲ ሕብረትን ካልኦት ተመሳሰልቲ ዛዕባታትን ኣመልኪቱ ክዝቲ ከምዘለዎ ሓቢሮም።

መሪሕ ቃል ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ እዚ ዓመት ኣብ ትምህርቲ ዝጠመተሉ ምኽንያት መፍረያይ ሓይሊ ንምፍጣርን ምችው ኣህጉር ንምህናፅን ኣብ ትምህርቲ ዝግበር ኢንቨስትመንት ኣገዳሲ ስለዝኾነ እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም