ቻይና ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ንግዳዊ ልውውጥ ልዕሊ 282 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ምብፅሑ ተገሊፁ

105

 

ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/23/ 2016 /ኢዜአ/ቻይና ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ልውውጥ ንግዲ ልዕሊ 282 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ምብፅሑ ተገሊፁ፡፡

ሚኒስቴር ንግዲ ቻይና ከምዝሓበሮ÷ ምትሕብባር ንግዲን ኢኮኖሚን ንርክብ ቻይና-ኣፍሪካ ቁልፊ መሰረት ኢዩ፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2023 ቤጂንግ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዝነበራ ርክብ ንግዲ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ዕዉት ከምዝኾነ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ፡፡

ኣብቲ በጀት ዓመት ቻይና ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ኩለመዳይ ልውውጥ ንግዲ ልዕሊ 282 ነጥቢ 1 ቢሊየን ከምዝበፅሓ ሓቢሩ፡፡

እዚ ድማ ቻይና 15 ተኸታታሊ ዓመታት ምስ ኣፍሪካ ልዑል ልውውጥ ንግዲ ዝገበረት ብሕታዊት ሃገር ከምዝገብራ ኣብሪሁ፡፡

ኣብ ቀፃሊ እውን ምትሕብባር ንግዲን ኢኮኖሚን ቻይና-ኣፍሪካ ብዝበለፀ ንምድንፋዕ ሓዱሽ ትልሚ ተሓንፂፁ እናተሰርሐ ምዃኑ ምግላፁ ሺንዋ ፀብፂቡ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም