ኣብ ከረፂት ማሽን ፅርየት ዝተረኸበት ልዕሊ 45 ሚልዮን ብር ዝዋጋኣ ቀለበት

87

 

ናይ ኣንግሎ-ሳክሰን ጥንታዊን ክቡርን ስርሓት ወርቂ ዝኾነ ቀለበት

ኣብ ፓሪስ ፈረንሳ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆቴል ዝጠፍአት 750 ሽሕ ዩሮ [ልዕሊ 45 ሚልዮን ብር - ብናይ ባንኪ ሸርፊ] ዝዋጋኣ ቀለበት ኣብ ከረፂት ማሽን ፅርየት (‘ቫክዩም ባግ’) ተረኺባ።

ወናኒት ናይታ ኣዝያ ክብርቲ ቀለበት ዝዀነት ማለዥያዊት ነጋዲት ኣብቲ ሆቴል ኣዕሪፋ ዝነበረት ኰይና፡ ንሓደ ሰራሕተኛንሱ እዩ ሰሪቑዋብዝብል ጠርጢራ ብዓርቢ ንፖሊስ ጥርዓን ኣቕሪባ ነይራ።

እንተዀነ ሓለውቲ ጸጥታ ሆቴል ሪትዝ፡ ነታ ቀለበት ብሰንበት ኣብ ከረፂት ማሽን ፅርየት ምስ ካልእ ጉሓፍ ተሓዊሳ ከም ዝረኸብዋ ጋዜጣ -ፓሪስየን ኣመልኪታ።

እታ ጋዜጣ ወሲኻ፡ እታ ጋሻ ብዓርቢ ናብ ለንደን ተጓዒዛ ምንባራን ሕዚ ግን ቀለበታ ክትወስድ ናብ ፓሪስ ክትምለስ ምዃናን ሓቢራ።

ሆቴል ሪትዝ፡ ነታ ጋሻ ነቲ ዘጋጠማ ዘይምቹእነት ንምኽሓስ ተወሳኺ ሰለስተ ለይቲ ክትፀንሕ ብነፃ ኣቕሪቡላ ኣሎ ክብል ቢቢሲ ፀብጺቡ አሎ።

እቲ ሆቴል ንጋዜጣ ፓሪስየን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሳላ ጽፉፍ ስራሕ ሓለውቲ ጸጥታ፡ እታ ቀለበት  ተረኺባ" ክብል ሓቢሩ።

"ኣብ ኣለሻ ንዝተዋደዱን መዓልታዊ ብቕንዕናን ብሞያዊ ብቕዓትን ዝሰርሑን ሰራሕተኛታት ሪትዝ ፓሪስ ከነመስግኖም ንፈቱ" እውን ኢሉ።

ሆቴል ሪትዝ

 

እታ ነጋዲት፡ ብዓርቢ ንውሱን ሰዓታት ናብ ዕዳጋ ኣብ ዝወፈረትሉ እዋን፡ ነታ ቀለበት ኣብ ጠረጴዛ ክፍሊ ሆቴላ ከም ዝገደፈታን ምስ ተመልሰት ድማ ከም ዘይረኸበታን ንፖሊስ ተዛሪባ።

ኣብዚ እዋን ፖሊስ እታ ዋና ከይዳ ክሳብ እትርከቦም ነታ ቀለበት ብጥቡቕ ይከታተልዋ ከምዘለዉ ተፈሊጡሎ።

ኣብቲ ሆቴል ስልማት ከም ዝጠፍአ ክዝረብ እዚ ንመጀመርታ ግዜ ኣይኮነን።

ኣብ 2018 ሓሙሽተ ዕጡቓት ኣብ ውሽጢ እቲ ፍሉጥ ትካል ካብ ዝርከብ ድኳን ስልማት ልዕሊ 4 ሚልዮን ዩሮ (3.5 ሚልዮን ፓውንድ) ዝግመት ንብረት ዘሚቶም ነይሮም።

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዓመት ድማ፡ ሓንቲ ስማ ዘይተጠቕሰ ኣባል ንጉሳዊ ስድራቤት ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብቲ ሆቴል ካብ ዘዕረፈትሉ ክፍሊ ኣማኢት ኣሽሓት ፓውንድ ዝግመት ስልማት ከምዝተሰርቀት ምሕባራ ይግለጽ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም