ዝተፈላለዩ  ፀገማት ንምፍታሕ ምትሕብባር ደቡብ-ደቡብ ኣድላዪ ይኸውን ኣሎ ተባሂሉ

106

ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/14/ 2016 /ኢዜአ/ዝተፈላለዩ  ፀገማት ንምፍታሕ ምትሕብባር ደቡብ-ደቡብ ኣድላዪ ይኸውን ከምዘሎ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንገስታት ምክትል ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሳሙኤል ኢሳ ተዛሪቦም።

ኣምባሳደር ሳሙኤል ኣብ ኡጋንዳ ካምፓላ ኣብ ዝተሳለጠ መበል ሳልሳይ ጉባኤ ምትሕብባር ደቡብ-ደቡብ ጉጅለ 77 ቻይናን ተሳተፎም።

ኣምባሳደር ሳሙኤል ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ጉባኤ ምትሕብባር ደቡ8-ደቡብ ዓበይቲ ሃገራት ዘጋጥመን ዝተሓላለኽ ፀገማት ንምፍታሕ ዘለዎ ረብሓ ኣረዲኦም።

ሓበራዊ ድምፂ እቲ ጉጅለ ንቐፃሊ ወለዶ ዝረብሕ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

ሐዚ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ቅርፂ ዘለዎ ብዘይምዃኑ ክመዓራረ ይግባእ ምባሎም ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም