ባንኪ ዓለም ንኢትዮጵያ ሓዊሱ 6 ሃገራት ኣፍሪካ ልዑል ዕብየት ኢኮኖሚ ከምዘርእያ ተንቢዩ

86

 

ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/2/ 2016 /ኢዜአ/ባንኪ ዓለም ኢትዮጵያ ሓዊሱ ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ 2024 .. ልዑል ዕብየት ኢኮኖሚ ከምዘርእያ ተንቢዩ።

እቲ ባንኪ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ፥ ኒጀር፣ ሴኔጋልን ሩዋንዳን ኣብ 2024 ኣብ ዓለም ልዑል ምዕባለ ኢኮኖሚ ካብ መንጎ ዘመዝግባ ሃገራት ኢየን ኢሉ።

ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ፣ ኮትዲቯርን ኢትዮጵያን እውን ብተወሳኺ ኣብቲ ዓመት ልዑል ምዕባለ ኢኮኖሚ ክህልወን ከምዝኽእል እቲ ፀብፃብ ገሊፁ።

ኣብቲ ዓመት ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪካ ብማእኸላይ ሓሙሽተ ሚኢታዊት ዕብየት ከምዝህልወን ኣብሪሁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም