ላዕለዋይ ኣመራርሓ ኣልሸባብ ማኣሊም ኣይማን ከምዝተቐተለ ተገሊፁ

97


 

ኣዲስ ኣበባ/ ታሕሳስ/13/ 2016 /ኢዜአ/ላዕለዋይ ኣመራርሓ ኣልሸባብ ማኣሊም ኣይማን ብደገፍ ሓይሊታት ኣሜሪካ ሰራዊት ሶማሊያ ብመሰረት ዘካየዶ ወፍሪ ከምዝተቐተለ ተገሊፁ።

ማኣሊም አይማን ኣብ ሶማሊያን ከባቢኡን ዝተፈላለዩ ተግባራት ግብረ ራዕዲ ብምምራሕ ኣፈፂሙ ኢዩ ብዝብል እንትእለሽ ከምዝፀንሐ ይፍለጥ።

ብፍላይ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ ኬኒያ ማንዳቤይ ወታደራዊ ምድብ ኣየር ብዝመርሖ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ኬኒያዊያንን ኣሜሪካዊያንን ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም።

 

ስለዝኾነ ኣሜሪካ፥ እዚ ሰብ ዘለዎሉ ከባቢ ሓበሬታ ንዝሃበ ሰብ 10 ሚሊየን ዶላር ክኸፍል ኢየ ኢላ ነይራ።

ማኣሊም አይማን እቲ ጥምር ሰራዊት ብመሰረት ዝገበሮ ወፍሪ ከምዝተቐተለ ሚኒስትር ሓበሬታ ሶማሊያ ዳውድ ኣዌይስ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም