ፕሬዚዳንት ፑቲን ንዕላዊ ዑደት ስራሕ  ኣቡ ዳቢ ኣትዮም

102

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/26/ 2016 /ኢዜአ/ፕሬዚዳንት ኢምሬትስ ሕቡራት ዓረብ ሞሃመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብታ ሃገር ንዝኣተዉ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቪላድሚር ፑቲን ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ፃንሒቶም፥ ኣብ ክልቲኣዊ ርክብን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታትን ከምዝዛተዩ ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ሞሃመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ንፕሬዚዳንት ፑቲን "ዝኸበርካ መሓዛይ" ብዝብል ብምፅዋዕ ምስኦም ዳግም ምርኻቦም ታሕጓስ ከምዝተሰመዖም ምግላፆም ኣርቲ ፀብፂቡ።

ፑቲን ኣብ መንጎ ሩሲያን ኣቡዳቢን ዘሎ ርክብ ኣብ ቀረባ እዋን ይብርኽ ከምዘሎ ምግላፆም ይዝከር።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም