ዓለም ለኸዊ ዜናታት
ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ኢንቨስት ምግባር ንህንፀት መፍረያ ወለዶ ኣገዳሲ እዩ-ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ
Jan 15, 2024 109
  ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 6/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ኢንቨስት ምግባር ንህንፀት መፍረያ ወለዶ ዓብይ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማሃመት ገሊፆም። እቶም ኣቦ መንበር እዚ ዝበሉ ኣብ መርሃ ግብሪ መኽፈቲ መበል 47 ስሩዕ ኣኼባ ቀወምቲ ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝገበርዎ መደረ እዩ። ናይ ሎሚ ዘበን መበል 47 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ፤ ̎ንመበል 21 ክፍለ ዘበን ዝምጥን ትምህርቲ ኣብ ኣፍሪካ̎ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ጠመተ ብምግባር ድሕሪ ሓደ ወርሒ ክካየድ እዩ። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማሃመት ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኣፍሪካ ዘጋጠሙ ጎንፅታት ናብ ሰላም ንክምለሱ ፃዕሪ እናተገበረ እንትኸውን ንዕውትነቱ ድማ ሓድነትን ምትሕብባርን ሃገራት ኣገዳሲ እዩ። ተወከልቲ ኣምባሳደራት እተን ኣባል ሃገራት ዝሓቖፈ ቀዋሚ ኮሚቴ እቲ ሕብረት፤ ትሕዝቶታት ኣኼባ እቲ ሕብረት ብምድላው ኢሉ እውን ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ንክብፃሕ ቁልፊ እጃም ዘለዎ ኣካል ምዃኑ ገሊፆም። እቲ ኮሚቴ ኣብቲ ኣኼብኡ ኣህጉራውን ጂኦ ፖለቲካውን ጉዳያት ብትኹረት ንክፍትሽን ምስ ዛዕባ 2063 ዝተጠዓዓመ ዘተ ንክህልዎን ኣተሓሳሲቦም። ብተወሳኺ እውን ኣብ በዓል ብዙሕ ወገን ጉዳያት፣ትካላዊ ሪፎርም እቲ ሕብረት፣ናይ ቀፃሊ መረፃ መራሕቲ እቲ ሕብረትን ካልኦት ተመሳሰልቲ ዛዕባታትን ኣመልኪቱ ክዝቲ ከምዘለዎ ሓቢሮም። መሪሕ ቃል ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ እዚ ዓመት ኣብ ትምህርቲ ዝጠመተሉ ምኽንያት መፍረያይ ሓይሊ ንምፍጣርን ምችው ኣህጉር ንምህናፅን ኣብ ትምህርቲ ዝግበር ኢንቨስትመንት ኣገዳሲ ስለዝኾነ እዩ ኢሎም።
ኣውስትራልያ፡ ነፈርቲ ብውሕጅ ኣዕለቐሊቐን፤ ሓራግጽ ኣብ ከተማ ተራእዮም
Dec 18, 2023 110
  ኣብ ኣውስትራልያ ኲንስላንድ ብደረጃ ክብረወሰን ዝተገለጸ ዝናብ ሓያል ውሕጅ ኣኸቲሉ። እዚ ዞባ ዝኸፍአ ምዃኑ ሰበስልጣን ሓቢሮም። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ካብ ዝነብሩሉ ከባቢ ክግዕዙ ከለዉ ካልኦት ድማ ብማይ ተኸቢቦም ተሪፎም። ካብቲ ከባቢ ዝተዘርግሑ ምስልታት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኬርንስ ዝጸንሓ ነፈርቲ ብማይ ኣዕለቕሊቐን የርእዩ። ኣብ ማእከል ከተማ ከኣ ሓራግጽ ተራእዮም። ሰባት ጀላቡ እናተጠቐሙ ካብ ገዛውቶም ይሃድሙ ኣለዉ። ዛጊድ፡ ዝሞተ ይዅን ዝጠፍአ ሰብ ብዝምልከት ዝቐረበ ጸብጻብ የለን። እቲ ኣዝዩ ብርቱዕ ዝናብ ንሰዓታት ክቕጽል ትጽቢት ይግበር። ብኣማኢት ንዝቝጸሩ ሰባት ካብቲ ሓደጋ ውሕጅ ምድሓን ዝተኽኣለ ክኸውን እንተሎ ብዙሓት ኣባይቲ ብማይ ኣዕለቕሊቘም። ሓይሊ ኤሌክትሪክን ጽርግያታትን ተቛሪጹ፤ ዝስተ ማይ ድማ እናነከየ ይመጽእ ኣሎ። መራሒ ኲንስላንድ ስቲቨን ማይልስ ንኮርፖሬሽን ፈነወ ኣውስትራልያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እቲ ዝኸፍአ ክዝክሮ ዝኽእል" ክብል ነቲ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ገሊጽዎ። እቲ ሕዚ ዘሎ ሻቕሎት ነቶም ብራኸኡ እናወሰኸ ኣብ ዝኸይድ ዘሎ ማይ ተኸቢቦም ዘለዉ ብፍላይ ዉጃል ኣብ ዝተበሃለት ርሕቕ ዝበለት ከተማ ዝርከቡ ናብ ውሑስ ቦታ ምውጻእ ምዃኑ ሓቢሩ። ሓደ ዝሓመመ ህጻን ዝርከቦም ትሽዓተ ሰባት፡ ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት ክበጽሕዎም ብዘይምኽኣሎም ኣብ ናሕሲ ሆስፒታል ሓዲሮም። እቶም ሰባት ሎሚ ሰኑይ ናብ ካልእ ቦታ ክወጽኡ ዝተገበረ ኰይኑ ንዅሎም ነበርቲ እታ ከተማ ምውጻእ ከምዘድሊ እቲ መራሒ ኣፍሊጡ። "ድሕሪኡ ብዛዕባ ዝስተ ማይ፡ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ቴሌኮሙኒኬሽንን ስክፍታታት ኣለና። ብዙሓት ጽርግያታት ተዓጽዮም ስለዘለዉ ብኣየር ደገፍ ክንህብ ኣይንኽእልን ኢና" ክብል ኣረዲኡ። እቲ ብርቱዕ ዝናብ ከምዝቕጽልን ልዑል ውሕጅ ከምዘስዕብን፣ እዚ ድማ ኣብ ትሑት ከባቢታት ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ዘስዕቦ ጽልዋ ከምዘሐይሎ ሰብሞያ ትንበያ ኣጠንቂቘም። ብዙሓት ሩባታት ነቲ ኣብ 1977 ኣጋጢሙ ዝነበረን ብክብረወሰን ዝተመዝገበን ሰፊሕ ውሕጅ ክሰብሩ ትጽቢት ይግበር። ንኣብነት ዳይንትሪ ዝተበሃለ ሩባ ድሮ ካብቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ክብረወሰን ብ2 ሜትሮ ሓሊፉ ኣሎ። ሰበስልጣን እታ ግዝኣት፡ እቲ ሓደጋ ብገንዘብ ክግመት እንተሎ 1 ቢልዮን ዶላር ኣውስትራልያ (529 ሽሕ ፓውንድ፤ 670 ሽሕ ዶላር) ከምዝኸውን ይግምቱ። ምብራቓዊ ኣውስትራልያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብተደጋጋሚ ዕልቕልቕ ከምዝተሃስየት ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብሓፈሻ እታ ሃገር ‘ኤል ኒኖ’ ንዝበሃል ምስ ከም ባርዕ ጫካን ህቦብላን ዝኣመሰሉ ጽንኩራት ፍጻመታት ዝተኣሳሰር ሓደጋ ኵነታት ኣየር ኣብ ምቅላስ ትርከብ። ኣውስትራልያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብተኸታታሊ ብከቢድ ድርቂ፡ ባርዕ ጫካን ተኸታተልቲ ዓመታት ክብረወሰን ዝሰበረ ውሕጅ ተሃስያ’ላ። ለውጢ ከባብያዊ አየር ንምዕራይ ህጹጽ ስጕምቲ እንተዘይተወሲዱ እቲ ዝመጽእ እዋናት ብዝገደደ ሓደጋታት ዝመልአ ክኸውን ከምዝኽእል ናይ ቀረባ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የጠንቅቕ።ከም ፀብፃብ ቢቢሲ
ኣብ ከረፂት ማሽን ፅርየት ዝተረኸበት ልዕሊ 45 ሚልዮን ብር ዝዋጋኣ ቀለበት
Dec 12, 2023 82
  ኣብ ፓሪስ ፈረንሳ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆቴል ዝጠፍአት 750 ሽሕ ዩሮ [ልዕሊ 45 ሚልዮን ብር - ብናይ ባንኪ ሸርፊ] ዝዋጋኣ ቀለበት ኣብ ከረፂት ማሽን ፅርየት (‘ቫክዩም ባግ’) ተረኺባ። ወናኒት ናይታ ኣዝያ ክብርቲ ቀለበት ዝዀነት ማለዥያዊት ነጋዲት ኣብቲ ሆቴል ኣዕሪፋ ዝነበረት ኰይና፡ ንሓደ ሰራሕተኛ “ንሱ እዩ ሰሪቑዋ” ብዝብል ጠርጢራ ብዓርቢ ንፖሊስ ጥርዓን ኣቕሪባ ነይራ። እንተዀነ ሓለውቲ ጸጥታ ሆቴል ሪትዝ፡ ነታ ቀለበት ብሰንበት ኣብ ከረፂት ማሽን ፅርየት ምስ ካልእ ጉሓፍ ተሓዊሳ ከም ዝረኸብዋ ጋዜጣ ለ-ፓሪስየን ኣመልኪታ። እታ ጋዜጣ ወሲኻ፡ እታ ጋሻ ብዓርቢ ናብ ለንደን ተጓዒዛ ምንባራን ሕዚ ግን ቀለበታ ክትወስድ ናብ ፓሪስ ክትምለስ ምዃናን ሓቢራ። ሆቴል ሪትዝ፡ ነታ ጋሻ ነቲ ዘጋጠማ ዘይምቹእነት ንምኽሓስ ተወሳኺ ሰለስተ ለይቲ ክትፀንሕ ብነፃ ኣቕሪቡላ ኣሎ ክብል ቢቢሲ ፀብጺቡ አሎ። እቲ ሆቴል ንጋዜጣ ለ ፓሪስየን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሳላ ጽፉፍ ስራሕ ሓለውቲ ጸጥታ፡ እታ ቀለበት ተረኺባ" ክብል ሓቢሩ። "ኣብ ኣለሻ ንዝተዋደዱን መዓልታዊ ብቕንዕናን ብሞያዊ ብቕዓትን ዝሰርሑን ሰራሕተኛታት ሪትዝ ፓሪስ ከነመስግኖም ንፈቱ" እውን ኢሉ።   እታ ነጋዲት፡ ብዓርቢ ንውሱን ሰዓታት ናብ ዕዳጋ ኣብ ዝወፈረትሉ እዋን፡ ነታ ቀለበት ኣብ ጠረጴዛ ክፍሊ ሆቴላ ከም ዝገደፈታን ምስ ተመልሰት ድማ ከም ዘይረኸበታን ንፖሊስ ተዛሪባ። ኣብዚ እዋን ፖሊስ እታ ዋና ከይዳ ክሳብ እትርከቦም ነታ ቀለበት ብጥቡቕ ይከታተልዋ ከምዘለዉ ተፈሊጡ’ሎ። ኣብቲ ሆቴል ስልማት ከም ዝጠፍአ ክዝረብ እዚ ንመጀመርታ ግዜ ኣይኮነን። ኣብ 2018 ሓሙሽተ ዕጡቓት ኣብ ውሽጢ እቲ ፍሉጥ ትካል ካብ ዝርከብ ድኳን ስልማት ልዕሊ 4 ሚልዮን ዩሮ (3.5 ሚልዮን ፓውንድ) ዝግመት ንብረት ዘሚቶም ነይሮም። ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዓመት ድማ፡ ሓንቲ ስማ ዘይተጠቕሰ ኣባል ንጉሳዊ ስድራቤት ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብቲ ሆቴል ካብ ዘዕረፈትሉ ክፍሊ ኣማኢት ኣሽሓት ፓውንድ ዝግመት ስልማት ከምዝተሰርቀት ምሕባራ ይግለጽ።
ሓይልታት ሱዳን፡ ተዅሲ ደው ንምባል ተሰማሚዖም
Dec 11, 2023 82
  ተዋጋእቲ ሓይልታት ሱዳን ውዕል ደው ምባል ተዅሲ ንምኽባር ከምዝተሰማምዑ ኢጋድ ገሊጹ። ዞባዊ ውድብ ልምዓት በየነ-መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪቃ (IGAD) እቲ ስምምዕ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ከምዝተበጽሐ ብሰንበት ኣፍሊጡ። ከም ፀብፃብ ቢቢሲብጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ኣንጻር ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ (ሕመቲ) ዝምራሕ ሰራዊት ህጹጽ ደገፍ ክዋጋእ ጸኒሑ። ኣብቲ ኣብ ጅቡቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ጀነራል ኣልቡርሃን ክሳተፍ እንተሎ፡ መራሕቲ አባል ሃገራት ኢጋድ ንጀነራል ሕመቲ ብስልኪ ከምዘዘራረብዎ ተሓቢሩ። ክልቲኦም ጀነራላት በቲ ዝቐረበሎም ምኽረ ሓሳብ ክሰማምዑ እንከለዉ፡ ተዅሲ ደው ድሕሪ ምባል ብኣካል ክራኸቡ ትጽቢት ይግበር። ነቲ ምኽንያት ምፍንቓል ሚልዮናትን ሞት ኣሽሓትን ኰይኑ ዘሎ ኲናት ብሰለማዊ መገዲ ንምፍታሕ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ቃል ኣትዮም ኣለዉ። ኣመሪካ፡ 'ክልቲኦም ወገናት ገበናት ኲናት ፈጺሞም' ኢላ ድሕሪ ምኽሳሳ እዩ፡ ስምምዕ ደው ምባል ተዅሲ ከምዝተበጽሐ ተገሊጹ ዘሎ። ዋሽንግተን፡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ደገፍቱ ሚልሻታትን ገበን ምጽናት ዓሌት ፈጺሞም ክትብል ከሲሳ እያ። ሰራዊት ሱዳን እውን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ነበርቲ ደብዳባት ኣየርን ከበድቲ ኣጽዋርን ብምፍጻም ይኽሰስ። እቲ ኲናት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ክቕጽል እንከሎ፡ ብሚልዮን ዝቝጸሩ ሱዳናውያን ብሰንኩ መረበቶም ገዲፎም ክስደዱ ተገዲዶም ኣለዉ። ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ቅድሚ ሕዚ እውን ተደጋጋሚ ውዕል ተዅሲ ደው ምባል ተፈራሪሞም ነይሮም፤እቶም ስምምዓት ግን ነዊሕ ከይጸንሑ ተጣሒሶም እዮም። በዚ ድማ ንሓድሕዶም ይካሰሱ።
ዕውፂኢታዊ ስራሕ ዝልካዐ ብተግባር እምበር ብዝውሰኑ ውሳነታት ጥራይ ኣይኮነን - ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
Dec 2, 2023 94
  ኣዲስ ኣበባ / ሕዳር /22/ 2016 /ኢዜአ/ዕውፂኢታዊ ስራሕ ዝልካዕ ብተግባር እምበር ብዝውሰኑ ውሳነታት ጥራይ ኣይኮነን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ኣብ ዱባይ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ አየር መደረ ኣስሚዖም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ መደረኦም÷ ኢትዮጵያ ብኽለት ለውጢ ከባብያዊ አየር ኣብ ምክልኻል ዘሰናደየቶ ሃገር በቆል ፍታሕ ኣብቲ መድረኽ ኣልዒሎም። ብምዃኑ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2019 ጀሚሩ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተግባራዊ እናገበረት ምፅንሓ ገሊፆም። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ድማ 130 ሺሕ ጣቢያታት መፈልፈሊ ፈልሲ ከምዝተጣየሹ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ በቢዓመቱ ብሚሊየን ዝቑፀሩ ዜጋታት ፈልሲ ብምፍልፋል፣ ብምትካልን ብምክንኻንን ተሳትፎ ከምዝገበሩ ኣብሪሆም። መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ÷ ማሕለኻታትን ለውጢ ከባብያዊ አየር ማሕበረ ኢኮኖሚን ትህቦ ምላሽ ከምዝውክል እውን ተዛሪቦም። እዚ መርሃ ግብሪ ሰደድ ካርበን ንምንካይ፣ ስነ ምህዳር ንምሕላውን ዕድል ስራሕ ንምፍጣርን ከም ቱሪዝም ዝበሉ ዓውዲታት ንምንቕቓሕ ከምዝሕግዝ ገሊፆም። ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 32 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲ ከምዝተኸለት ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2026 ድማ 15 ቢሊየን ናይ ምትካል ሃገራዊ ትልሚ ከምዘሎ እውን ኣብሪሆም። እዚ እንትዛዘመ ድማ እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ፕሮጀክት ልምዓት ደኒ ከምዝኸውን ገሊፆም። “ ለውጢ ከባብያዊ አየር ዛዕባ ፖለቲካ ዓለም ካብ ዝኸውን ልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ኣቑፂሩ” ክብሉ ኣመልኪቶም። ወሳኒ ናይ ተግባር ምንቕቓሕ ከምዘድሊን ውፂኢታዊ ስራሕ ዝልካዕ ብተግባር እምበር ብዝውሰኑ ውሳነታት ከምዘይኮነ ድማ ኣገንዚቦም።
ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬቲስ ንመፍትሕታት ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዝውዕል 30 ቢልዮን ዶላር ንምሃብ ቃል ኣትያ
Dec 1, 2023 76
  ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 21/2016 (ኢዜኣ) ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬቲስ ንመፍትሕታት ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዝውዕል 30 ቢልዮን ዶላር ንምሃብ ቃል ኣትያ። ፕሬዚዳንት ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬቲስ ሼህ መሀመድ ቢን ዛይድ ኣል ናሕያን ጉባኤ ኮፕ28 ኣብ ዝኸፈትሉ እዋን፤ ብብርኪ ዓለም ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምቅላስን መፍትሒ ንምሃብን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ንምሕጋዝ ሃገሮም 30 ቢልዮን ዶላር ከምትሕግዝ ቃል ኣትዮም። እቲ ገንዘብ ፅዕንቶ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ንዘጋጥም ፀገም ፋይናንስ ዝሕግዝ እዩ ኢሎም። ኮፕ28 ንመፍትሕታት ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ሃገራት ንክተሓባበራ፣ንክዛተያን ውሳነታት ንከሕልፋን ዝተዳለወ ጉባኤ እዩ ኢሎም። ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኣብ ዱባይ እናተኻየደ እንትኸውን መራሕቲ ሃገራት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ልዕሊ ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ዘብፀሖ ዘሎ ፅልዋ ንምቅላስ ትፅቢት ዝግበረሎም ሓገዝ ከምዝምድቡ ትፅቢት ይግበር።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም