ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬቲስ ንመፍትሕታት ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዝውዕል 30 ቢልዮን ዶላር ንምሃብ ቃል ኣትያ

 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 21/2016 (ኢዜኣ) ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬቲስ ንመፍትሕታት ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዝውዕል 30 ቢልዮን ዶላር ንምሃብ ቃል ኣትያ።

ፕሬዚዳንት ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬቲስ ሼህ መሀመድ ቢን ዛይድ ኣል ናሕያን ጉባኤ ኮፕ28 ኣብ ዝኸፈትሉ እዋን፤ ብብርኪ ዓለም ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምቅላስን መፍትሒ ንምሃብን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ንምሕጋዝ ሃገሮም 30 ቢልዮን ዶላር ከምትሕግዝ ቃል ኣትዮም።

እቲ ገንዘብ ፅዕንቶ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ንዘጋጥም ፀገም ፋይናንስ ዝሕግዝ እዩ ኢሎም።

ኮፕ28 ንመፍትሕታት ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ሃገራት ንክተሓባበራ፣ንክዛተያን ውሳነታት ንከሕልፋን ዝተዳለወ ጉባኤ እዩ ኢሎም።

ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኣብ ዱባይ እናተኻየደ እንትኸውን መራሕቲ ሃገራት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ልዕሊ ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ዘብፀሖ ዘሎ ፅልዋ ንምቅላስ ትፅቢት ዝግበረሎም ሓገዝ ከምዝምድቡ ትፅቢት ይግበር።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም