ቼልሲ ምስ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣስቶንቪላ ምስ ቶትንሃም ትፅቢት ዝግበረሎም ፀወታታት - ኢዜአ ትግርኛ
ቼልሲ ምስ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣስቶንቪላ ምስ ቶትንሃም ትፅቢት ዝግበረሎም ፀወታታት

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት/8/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ መበል 37 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ቼልሲ ኣብ ሜዳኣ ስታምፎርድ ብሪጅ ምሸት ሰዓት 4፡15 ንማንቼስተር ዩናይትድ ክተተኣናግድ ኢያ።
ብ63 ነጥቢ ኣብ 5ይ ደረጃ ትርከብ ጋንታ ምዕራብ ለንደን ቼልሲ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ኣብ ሻምፒየንስ ሊግ ንምስታፍ ልዑል ንሕንሕ ክትገብር ኢያ።
ብኣሰልጣኒ ሩበን ኣሞሪም ትምራሕ ጋንታ ማንቼስተር ዩናይትድ ብ39 ነጥቢ ኣብ መበል 16 ደረጃ ትርከብ።
ኣብዚ ዘበነ ውድድር ኣብ ኦልድትራፎርድ ኣብ ዘካየደኦ ቀዳማይ እግሪ ፀወታ ሓደ ማዕረ ምፍልላየን ይዝከር።
ብካሊእ ፀወታ እቲ ሊግ ኣስቶንቪላ ምሸት ሰዓት 3፡30 ኣብ ሜዳኣ ቪላ ፓርክ ንቶተንሃም ሆትስፐር ክተተኣናግድ ኢያ።
ኣስቶንቪላ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ቦታ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ንሕንሕ ንምፅናሕ ወሳኒ ሰለስተ ነጥቢ ንምርካብ ናብ ሜዳ ክትኣቱ ኢያ።
ድኹም ዓመተ ውድድር እናሕለፈት ትርከብ ቶተንሃም ሆትስፐር ብክሪስታል ፓላስ ካብ ዘጋጠማ ስዕረት ንምውፃእ ናብ ዓወት ንምምላስ ክትፃወት ኢያ።