ቼልሲ ምስ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣስቶንቪላ ምስ ቶትንሃም ትፅቢት ዝግበረሎም ፀወታታት


 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት/8/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ መበል 37 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ቼልሲ ኣብ ሜዳኣ ስታምፎርድ ብሪጅ ምሸት ሰዓት 415 ንማንቼስተር ዩናይትድ ክተተኣናግድ ኢያ።

63 ነጥቢ ኣብ 5 ደረጃ ትርከብ ጋንታ ምዕራብ ለንደን ቼልሲ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ኣብ ሻምፒየንስ ሊግ ንምስታፍ ልዑል ንሕንሕ ክትገብር ኢያ።

ብኣሰልጣኒ ሩበን ኣሞሪም ትምራሕ ጋንታ ማንቼስተር ዩናይትድ 39 ነጥቢ ኣብ መበል 16 ደረጃ ትርከብ።

ኣብዚ ዘበነ ውድድር ኣብ ኦልድትራፎርድ ኣብ ዘካየደኦ ቀዳማይ እግሪ ፀወታ ሓደ ማዕረ ምፍልላየን ይዝከር።

ብካሊእ ፀወታ እቲ ሊግ ኣስቶንቪላ ምሸት ሰዓት 330 ኣብ ሜዳኣ ቪላ ፓርክ ንቶተንሃም ሆትስፐር ክተተኣናግድ ኢያ።

ኣስቶንቪላ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ቦታ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ንሕንሕ ንምፅናሕ ወሳኒ ሰለስተ ነጥቢ ንምርካብ ናብ ሜዳ ክትኣቱ ኢያ።

ድኹም ዓመተ ውድድር እናሕለፈት ትርከብ ቶተንሃም ሆትስፐር ብክሪስታል ፓላስ ካብ ዘጋጠማ ስዕረት ንምውፃእ ናብ ዓወት ንምምላስ ክትፃወት ኢያ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም