ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ኣትሌቲክ ቢልባኦ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ - ኢዜአ ትግርኛ
ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ኣትሌቲክ ቢልባኦ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/30/ 2017 /ኢዜኣ/ኣብ ካልኣይ እግሪ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ዩሮፓ ሊግ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ሜዳኣ ኦልድትራፎርድ ምሸት ሰዓት 4 ንኣትሌቲክ ቢልባኦ ክተተኣናግድ ኢያ።
ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ፀወታ ማንቼስተር ዩናይትድ ናብ ስፔን ኣምሪሓ 3 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ምስዓራ ይዝከር።
ብኻሊእ መዳይ ክልቲአን ጋንታታት ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ኣብ ሊገን ዝገበረኦ ፀወታ ኣይተዓወታን።
ኣሰልጣኒ ማንቼስተር ዩናይትድ ሩበን ኣሞሪም ቅድሚ ፀወታ ኣብ ዝሃቡዎ ርኢቶ፤ “ኣብ ታሪኽ ከቢድ ኣብ ዝኾነና ዓመት ፅዋዕ ዩሮፓ ሊግ ሒዝና ክንዛዝም ንኽእል ኢና፤ እንትኾነ እውን ዝልውጦ ነገር የለን እዚ ዓመት ዘበሳጩ ዓመት ነይሩ” ኢሎም፡፡
ኣብ ካልእ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ዩሮፓ ሊግ ብተመሳሳሊ ቶተንሃም ሆትስፐር ካብ ሜዳኣ ወፃእ ምስ ቦዶ ግሊምት ክትራኸብ ኢያ።
ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ፀወታ ቶተንሃም 3 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ምስዓራ ይዝከር።