ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና አትሌቲክስ ዓበይቲ መናእሰይ ኣፍሪካ 10 ሜዳሊያታት ረኺባ ነቲ ውድድር ዛዚማቶ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና አትሌቲክስ ዓበይቲ መናእሰይ ኣፍሪካ 10 ሜዳሊያታት ረኺባ ነቲ ውድድር ዛዚማቶ

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/14/2013 /ኢዜኣ/ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ትሕቲ ዕድመ 18ን 20ን አትሌቲክስ ሻምፒዮና 10 ሜዳልያታት ረኺባ ነቲ ውድድር ዛዚማቶ።
ኢትዮጵያ ክልተ ወርቂ ሰለስተ ብርን ሓሙሽተ ነሓስ ብድምሩ 10 ሜዳልያታት ረኺባ ነቲ ውድድር ምዝዛማ ፌዴሬሽን አትሌቲክስ ኢትዮጵያ ገሊፁ ።
ኣብ ናይጄርያ አቡካታ ካብ ሓምለ ካብ 9 እስጋብ 2017 ዓ.ም ክካየድ ዝፀንሓ ሳልሳይ ሻምፒዮና አትሌቲክስ 18 ን 20 ዓመትን ኣፍሪካ ትማሊ ኣማስዩ ተዛዚሙ ኣሎ ።