ኣብ ሻምፒየንስ ሊግ ንምስታፍ ዝግበሩ ወሰንቲ ፀወታታት ትፅቢት ይግበረሎም - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ሻምፒየንስ ሊግ ንምስታፍ ዝግበሩ ወሰንቲ ፀወታታት ትፅቢት ይግበረሎም

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/2/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ መበል 36 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣብ ቀፃሊ ውድድር ዓመት ኣብ ሻምፒየንስ ሊግ ንምስታፍ ዝግበሩ ወሰንቲ ፀወታታት ትፅቢት ይግበረሎም።
ንተሳትፎ ሻምፒየንስ ሊግ ትነሓናሕ ማንቼስተር ሲቲ ናብ ስታዲየም ሴንት ሜሪ ካብቲ ሊግ ምውራዳ ምስ ዘረጋገፀት ሳውዝሃምፕተን ሰዓት 11 ክትራኸብ ኢያ፡፡
ብተመሳሳሊ ሰዓት ተሳትፎ ሻምፒየንስ ሊግ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ንሕንሕ ትርከብ ኣስቶን ቪላ ምሸት ሰዓት 1፡30 ካብ ሜዳኣ ወፃእ ምስ ቦርንማውዝ ክትራኸብ ኢያ፡፡
ፉልሃም ምስ ኤቨርተን፣ ወልቭስ ምስ ብራይተን፣ ኢፕስዊች ታውን ምስ ብሬንትፎርድ ሎሚ መዓልቲ ዝካየዱ ካልኦት መርሃ ግብሪታት ኢዮም፡፡