ኣብ ማራቶን ፕራግ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም



 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/26/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ቼክ ሪፐብሊክ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ፕራግ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኡ ፆታ ተዓዊቶም።

ኣብ ምድብ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኣትሌት ለሚ ብርሃኑ 2 ሰዓት 5 ደቒቕን 14 ሴኮንድን ብምእታው ውድድሩ ብዓወት ዛዚሙ።

ኣትሌት ለሚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ውድድር ማራቶን ፕራግ ተዓዋቲ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣትሌት ብርቱካን ወልዴ 2 ሰዓት 20 ደቒቕን 55 ሴኮንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ውድድራ ብፀብለልታ ዛዚማ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም