ኣብ ማራቶን ፕራግ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ማራቶን ፕራግ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/26/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ቼክ ሪፐብሊክ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ፕራግ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኡ ፆታ ተዓዊቶም።
ኣብ ምድብ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኣትሌት ለሚ ብርሃኑ 2 ሰዓት 5 ደቒቕን 14 ሴኮንድን ብምእታው ውድድሩ ብዓወት ዛዚሙ።
ኣትሌት ለሚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ውድድር ማራቶን ፕራግ ተዓዋቲ ከምዝነበረ ተገሊፁ።
ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣትሌት ብርቱካን ወልዴ 2 ሰዓት 20 ደቒቕን 55 ሴኮንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ውድድራ ብፀብለልታ ዛዚማ።